ቃዛ፡ ‘እዚ ብንጹር ጋዜጠኛታት ንምዕፋን ዝግበር ፈተነ እዩ’

Published

ትካላት ናጽነት ፕረስ ነቲ እስራኤል ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ቤትጽሕፈት ኣሶሽየትድ ፕረስን ኣልጀዚራን ዝነበረሉ ህንጻ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ ብጽኑዕ ኮኒኖም። እቲ ፍጻመ ናይ ተፍትሽ ነቑጣታት ተዓጽዮም ኣብ ዝርከቡሉን ጋዜጠኛታት ወጻኢ ናብ ቃዛ ከይኣትው ተኸልኪሎም ኣብ ዝርከቡሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ። እስራኤል፡ እቲ ህንጻ መደበር ኣሃዱ ጸጥታ ሓማስ ምዃኑ እያ ትገልጽ፤ ዋና ኤዲተር ኤፒ ግና እቲ መጥቃዕቲ ብነጻ ኣካል ክምርምር ጸዊዑ ኣሎ።