BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ

ዜናታት

ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።

ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።

ከይሓልፈኩም

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ

ትንታነ

  • 'ሓደገኛ ጠላዕ' ትራምፕ

    ገለ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብፕረዚደንት ትራምፕ ከቕርቦም ዝጸንሐ ኣማራጺታት - ምሓዝ ደሴት ኻርግ ወይ ወተሃደራዊ ስርሒት ብምግባር ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ምዕጃብ - ሓደገኛን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ክኸውን ከም ዝኽእል ከዛርብ ጸኒሑ እዩ። ሰራዊት ኣመሪካ ካብን ናብን ወሽመጥ ፋርስ ዝኣትዋን ዝወጻን መራኽብ ክዓግት ከም ዝኽእል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ዝኸን ግን፡ "ንምንታይ ዕላማ?" ዝብል እዩ።

  • ድሕሪ ምቍራጽ ዘተ ኢራን-ኣመሪካ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ፡ 'ዝስዕብ እንታይ እዩ?'

    ኣብ ስምምዕ ምእንቲ ክበጽሑ፡ ነቲ ዝጸንሖም ዓሚቝ ናይ ዘይምትእምማን ጋግ ምስጋር የድልዮም ነይሩ። ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ርክቦም፡ ክልተኦም ወገናት ክራኸቡ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ክፍሊ ተኣኪቦም ክዛተዩ ይኽእሉ እንተዀይኖም ርግጸኛ ንምዃን ይከኣል ኣይነበረን።

  • ፓኪስታን፡ ብኸመይ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብራ ክትሽምግል ክኢላ?

    ብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ምቍራጽ ተዅሲ ቅድሚ ምእዋጁ ኣብ ዝነበራ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ፓኪስታን ባና ተስፋ ተራእዩ። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ፓኪስታናዊ ምንጪ፡ ሃገሩ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን እትገብሮ ዝነበረት ናይ ሽምግልና ዕማም "ብቕልጡፍ ናህሪ" ትቕጽሎ ከም ዘላ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

  • ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?

    ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ፖለቲካዊ ዓውደ-ነተጕቲ እዩ። ኣብዚ ንምዕዋት ወይ ምዕባለ ንምምዝጋብ ድማ ድሕሪ'ቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዘቈራቘሰን ንዓለማዊ ቍጠባ ዘናወጸን ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ፍጹም ዘይተኣማመኑ ሓያሎ መዳርግቲ ኣካላት ከዕግብ ክግደድ እዩ።

  • መጻብቦ ሆርሙዝ ብኸመይ ሓያል 'ኣጽዋር' ኢራን ኰይኑ?

    ሰበስልጣን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ነዚ መስመርዚ ምቁጽጻር ካብቲ ንቡር ወተሃደራዊ ምዕባለ ብዝዓበየ መልክዕ ስትራተጂያዊ ረብሓ ከምጽእ ከም ዝኽእል ብግቡእ ተገንዚቦምዎ እዮም።

  • ኣድማስ ዘልኣለማዊ ድዩ፡ ብኸመይከ ክጠፍእ ይኽእል?

    ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣድማስ ወይ ዩኒቨርስ ኣብ ዝካትዕሉ ወይ ትንታነታት ኣብ ዝህብሉ ኵሎም ዝሰማማዑላ ሓንቲ ነጥቢ ኣላ፤ ልዕሊ እቲ ብዛዕባ ኣድማስ ዘለዎም መልሲ እቲ ዘለዎም ሕቶታት ከም ዝዛይድ።

  • ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ኢራን ከመይ ይርአ፡ ዝስዕብከ እንታይ ክኸውን እዩ?

    እቶም ተሪር መርገጺ ዘለዎም ወገናት፡ በዚ ሓድሽ ስምምዕ ሕጕሳት ኣይኰኑን። ካብ ቴህራን ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰልፈኛታት ባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤልን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉ ይሕብሩ።

  • ኲናት ኢራን: ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበ ስምምዕ ሰላም

    እቲ ናብዚ ናይ ክልተ ሰሙን ዝቕጽል ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምብጻሕ ዝተሓልፈ መንገዲ፡ ንኣረኣእያ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ ቀይርዎ እዩ።

  • ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብቐጻሊ ዝጠቕሳ 'ቍሸት ፖተምኪን' እንታይ'ያ?

    እቲ ምኒስተር ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዘውጽኦ ጽሑፋት ዘይዝውተሩ 'ዓበይቲ ቃላት' ወይ ሓረጋት ዝጥቀም ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዳርጋ ዝበዝሕ ሰብ ሰሚዕዎ ዘይፈልጥ ፍሉይ ሓረግ ኣታኣታትዩ ኣሎ - 'ቍሸት ፖተምኪን'። እዛ ቍሸት ግን እንታይ እያ?

  • ኢማራት ኣብ ኲናት ምጽማዳን ሑቲ ናብቲ ኲናት ምጽንባሩን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ይጸልዎ?

    እዚ ኣብቲ 15 ሚእታዊት መራኽብ ንግዲ ዝሓልፋሉ ወሳኒ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲ ፈንዩን ምስ ዞባዊ ሓይሊ ምትእስሳር ፈጢሩን እዩ። በዚ ድማ ኣብቲ ኣገዳሲ ንግዳዊ መስመር ዓለም ወጥሪ ክውስኽ ይገብር ኣሎ።

  • ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ነምርሕ ዲና ዘለና?

    ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘቝጸረሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ናብ ዝበኣሰ ከይዓርግ ስክፍታታት ኣሕዲሩ ኣሎ።

  • ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ወርሒ ዝተወንጨፈት ዳግማዊት ኣርተሚስ

    ቀንዲ ዕላማ ናይዚ በረራ ንምንቅስቓስ ናይታ 'ኦርዮን' ተባሂላ ትፍለጥ ተሽከርካሪት-ጠፈር ንምፍታን፡ ከምኡ'ውን ንመጻኢ ብኸመይ ናብ ገጽ ምድሪ ምዕላብ ከምዝክኣልን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ፈተነታት ምክያድ እዩ።

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ሳይንስን ጥዕናን

መዛነዪ

ዝያዳ ዝተነበ