ንብዙሓት እተተባብዕ: ኣእዳው ዘይብላ ተጠቃሚት ቲክቶክ

Published

ብሓደጋ ክልተ ኣእዳዋ ዝሰኣነት መጋ ጊሚር ኣብ ቲክቶክ ትዝርግሖ ቪድዮታት ሳዕስዒትን ዕለታዊ ንጥፈታትን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ይከታተልዎ። እታ ጓል 23 ዓመት ኔፓላዊት ጓል 18 ዓመት እንከላ እዩ ሓደጋ ኤለክትሪክ ኣጓኒፍዋ። ነቲ ቪድዮታት ዝርእዩ ብዙሓት ሰባት ብምትብብዖም ሓበን ከም ዝስምዓ ትዛረብ።