ካብታ ዝጠሓለት ጃልባ ዝደሓነ ስደተኛ ምስ ሓዉ ተራኺቡ

መግለጺ ቪድዮ, ካብ ምጥሓል ዘምለጠ ሶርያዊ ስደተኛ ምስ ሓዉ ተራኺቡ።
ካብታ ዝጠሓለት ጃልባ ዝደሓነ ስደተኛ ምስ ሓዉ ተራኺቡ
Published

ወዲ 18 ዓመት ሶርያዊ ስደተኛ መሓመድ ካብታ ኣብ ቃላያት ግሪክ ዝጠሓለት ጃልባ ድሒኑ ምስ ሓዉ ተራኺቡ። ኣብታ ንሱ ተሳፊሩላ ዝነበረት ጃልባ ብውሕዱ 78 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 700 ስደተኛታት ድማ ድሃዮም ኣይተረኸበን።