ቀጥታ, ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

ቅድሚ ክልተ ሰሙን'ውን ክልቲኦም ሰበስልጣን ኤርትራ ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ብምብጻሕ ምስ ሰበስልጣን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተዘራሪቦም ነይሮም። ኤርትራ ምስ ካይሮን ሪያድን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ትካል ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እዚ መጥቃዕቲ ብኣልማማ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር ብምዃኑ፡ ከም ገበን ኲናት ተወሲዱ ብቕልጡፍ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ።
  • ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ሃገረ-ወሽመጥ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተታሕዛ ዝገልጽ ጸብጻብን፡ እቲ ውግእ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምልሕማሙን ነቒፋ ኣላ።
  • ኣዛዚ ናይቲ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈልዩ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝብል ዝጽዋዕ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ኣባል ዝዀነሉ ጥምረት ጕጅለታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ መርገጺኡ ገሊጹ።
  • ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢታት ዶብ ክልል ትግራይ-ዓፋር ዝተወልዐ ግጭት ብዝምልከት፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማውያን ዜጋታት ዓፋር ኮነ ንሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዒላማ ከም ዘይገበሩ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ንቢቢሲ ገሊጹ።
  • ናጽነት ኢንተርነት ዝከታተል ዓለምለኻዊ ትካል ኔትብሎክስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሓሙስ ለይቲ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ምባሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
  • እቲ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛምን ዝዓለመ 'ምሕዝነት ንህልውና' ዝተሰምየ ልፍንቲ ዕጡቓት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ዕሽሽ ከም ዝበሎ ብምግላጽ ወቒሱ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣፍኮን፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከቢድ ስዕረት ዘሰከመ ግጥም

    ደው ኢሎም ከቢቦም ዝሰምዑ ዘለዉ ሰማያዊ ማልያ ዝገበሩ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

    ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 'ኣፍኮን 2027' ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዋ።

    ብሰንኪ ዘይብቕዓት ስታድዮማታ ናብ ካይሮ ግብጺ ተጓዒዛ ኣንጻር ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጻወተት ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ 5-0 ተሳዒራ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ዳርጋ ንመላእ እቲ ጸወታ ተቖጻጺራ ሓያል መጥቃዕቲ ብምግባር ኣብ ምድባ ንኻልኣይ ግዜ ተኸታታሊ ዓወት ኣመዝጊባ'ላ።

    እዚ ስዕረት፡ ኤርትራ ኣብ መኽፈቲ መጻረዪ ጸወታ ኣብ ናይሮቢ ኣንጻር ኬንያ 1ብ1 ድሕሪ ምፍልላያ፡ ካብ ክልተ ጸወታታት ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ሒዛ ኣላ። ዝቕጽል ጸወታኣ ኣንጻር ጊኒ ኣብ ርእሰከተማ ኮናክሪ ክኸውን እዩ።

    እታ ብኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ትፍለጥ ጋንታ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ናብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ምምላሳ ንደገፍታ ተስፋ ኣስኒቓ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  2. ብሓላፊ ህግደፍ ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሰበስልጣን ግብጺ ተዘራሪቡ

    ሓጐስ ገብረሂወትን ባድር ዓብደልዓጢን

    ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

    እቲ ብሓጐስ ገብረሂወት ዝምራሕ ጉጅለ ንሚኒስተር ንግዲ ኤርትራ ነስረዲን መሓመድ ሰላሕ ዘጠቓለለ'ዩ።

    እቲ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደልዓጢ ብምርኻብ ብዛዕባ "ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት" ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

    ክልቲኦም ሰበስልጣን ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ብምብጻሕ ምስ ሰበስልጣን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

    ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን'ዮም ክልቲኦም ሰበስልጣን ነዚ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ዘካይዱ ዘለዉ።

    ኣስመራ ምስ ሪያድን ግብጽን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ይንገር።

    ሰበስልጣን ኤርትራን ግብጺን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ሚኒስተር ደዳያት ወጻኢ ግብጺ ኮፍ ኢሎም እናተዘራረቡ

    ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ከምዝበሎ፡ ምስ ሚኒስተር መጓዓዝያ ግብጺ ሌ/ጀነራል ካምል ኣል-ዋዚርን ተራኺቦም ነይሮም።

    "ክልቲኦም ወገናት ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ጽላታትን ካልእ ዓውድታት ክልተዊ ምትሕግጋዛትን ንዝተበጽሐ ገስጋስ ብምግምጋም፡ ብዛዕባ ዝቕጽል ስጉምቲ ሓሳብ ተለዋዊጦም" ይብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ።

    እንተኾነ ብዛዕባ'ቲ ተጨቢጡ ዝበሎ ዓወታት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንቦት፡ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ኣስመራ፡ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ፈሪመን ምንባረን ይዝከር።

    ቅድሚኡ'ውን ኣብ ወርሒ ምያዝያ፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ሚኒስተር ንግዲ ኤርትራን ናብ ካይሮ ብምኻድ ምስ ግብጻውያን ምኒስተራት ወጻኢ፡ ወፍሪ፡ ንግዲን ኢንዱስትሪን፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪሲቲን ጸዓትን፡ ሕርሻን መሬትን ካልኦት ሰብመዚ ሰፊሕ ዝርርባት ኣካይዱ ነይሩ'ዩ።

  3. ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምብራር ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ

    ሎጎ ኤጀንሲ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን

    ኤጀንሲ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንምብራር ፍቓድ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ።

    ሎሚ 30 መስከረም 2026 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝዀነ ከባቢን ካብ ዝዀነ ብራኸን ዝብገሳን ዝነፍራን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምልላይ፡ ብምዕጋትን ኣብ ዘድሊ ቦታ ብምዕላብን፡ ከምኡ’ውን ልክዕ ኣቀማምጣ ናይቶም ኣብረርቲ ብምልላይን ብምእሳርን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።

    "ከምቲ ልሙድ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝንቀሳቐሱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዝነፍሩ ነገራትን ዝከታተል ዝተዋደደ ፀረ ሰብ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ክትትልን ቁፅፅርን ይካየድ ኣሎ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

    እቲ ትካል፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ዳግማይ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን እዩ ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

    ብተወሳኺ "ምስ ዝምልከቶም ወገናት ብምትሕብባር፡ ድሕነት መራሕቲ፡ ቁልፊ ትሕተ-ቅርጽን ሃገራዊ ፍጻሜታትን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ንምፍጻም" ንዘይተወሰነ እዋን ክጸንሕ እዩ ዝበሎ እገዳ በረራ ከም ዘተግብረ ገሊጹ።

  4. ኣቕራቢ ዜና ዝነበረ ጋዜጠኛ ዘውዲ ንግስነት ደፊኡ

    ዘውዲ ዝደፍአ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ

    ኣብ ኡጋንዳ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ መደበር ተለቪዥን ኣቕራቢ ዜናን ኣሰናዳእን ኰይኑ ዘገልገለ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ፡ ንጉስ ንግስነት ቶሮ ኰይኑ ዘውዲ ደፊኡ።

    ሕጂ ንጉስ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ ንያቦንጎ ቀዳማዊ ተባሂሉ ዝተሰየመ እዚ ወዲ 56 ዓመት ጋዜጠኛ፡ ናብ ስልጣን ምድያቡ ኣብታ ሃገር ርሱን ክትዕ ስለ ዘለዓዓለ፡ ባዕሉ መዛረቢ መራኸቢታት ብዙሓን ኰይኑ ኣሎ።

    ንግስነት ቶሮ፡ ኣብ ኡጋንዳ ብወግዒ ተፈላጥነት ካብ ዘለወን ኣርባዕተ ታሪኻውያን ንግስነታት ሓንቲ እያ።

    እዛ ንግስነት ኣብ ዝሓለፉ 31 ዓመታት፡ ኣብ መበል ሳልሳይ ዓመቱ ናብ ስልጣን ብምምጻእ "ንኡስ (ቈልዓ) ንጉስ" ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዝነበረ ንጉስ ኦዮ ትምራሕ ነይራ።

    ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝነኣሰ ንጉስ ዝነበረ ኦዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መበል 34 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም መንሽሮ እዩ ዓሪፉ።

    እቲ ካብ ፍርቂ ለይቲ ኣትሒዙ ዝጀመረ ስነ-ስርዓት ምድፋእ ዘውዲ፡ ብባህላዊ ልምድታት ዝተሰነየ ኰይኑ፡ ኪጃናንጎማ ናብቲ ወግዓዊ ቤተ-መንግስቲ ካሩዚይካ ናይ ኣስታት 4 ኪሎሜተር ጕዕዞ ብእግሩ ኣካይዱ።

  5. ፑንትላንድ፡ ሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ነታ ዝጨወይዋ መርከብ ነዳዲ ቅድሚ ምምላሳ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ቀቲሎም

    ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ነታ ብሸፋቱ ባሕሪ ተጨውያ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ 'ኤምቲ ሆነር 25' ንምድሓን ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዶም፡ እቶም ሸፋቱ ባሕሪ ንሓሙሽተ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ከም ዝቐተልዎም ምክትል ምኒስተር ዜና እቲ ዞባ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

    ምክትል ምኒስተር ቢለ ቃቦውሳደ፡ ሓይልታት ፑንትላንድ ነታ መርከብ ንምምላስ ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ እዋን እቶም ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ድሮ ተቐቲሎም ምንባሮም ብምግላጽ፡ እቲ ቅትለት ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ሸፋቱ ባሕርን ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዘይኰነ ኣረዲኡ።

    ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ፑንትላንድ፡ እቶም ዝተቐትሉ ሰለስተ ፓኪስታናውያን፡ ሓደ ህንዳውን ሓደ ዜጋ ሚያንማርን እዮም። ብተወሳኺ፡ ሰለስተ ፓኪስታናውያንን ሓደ ህንዳውን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ቈሲሎም ኣለዉ።

    እቲ ስርሒት ከም ዝተዛዘመን እታ መርከብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ከም ዘላን ዘመልከተ እቲ ምኒተር፡ 16 ሸፋቱ ባሕሪ ከም ዝተታሕዙን ዝሃደሙ ካልኦት ድማ ይድለዩ ከም ዘለዉን ሓቢሩ።

    ቢለ ቃቦውሳደ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ንገሊኦም ሸፋቱ ባሕሪ ንኽሃድሙ ሓጊዞም፡" ዝብል ክሲ፡ መሰረት ዘይብሉ ፕሮፓጋንዳ ብምባል ነጺግዎ።

    18,500 በርሚል ነዳዲ ጽዒና ናብ ርእሰ-ኸተማ ሞቓዲሾ ትጓዓዝ ዝነበረት እዛ ብድምር 17 ሰራሕተኛታት ዝነበርዋ መርከብ፡ ኣብ ምያዝያ ብሽዱሽተ ዕጡቓት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ተጨውያ ነይራ።

    ሓይልታት ሓለዋ ባሕሪ ፑንትላንድ
  6. ሱዳን፡ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ

    ሱዳን፡ ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝቃወሙ ዕጡቓት ጕጅለታት ትድግፍ ኣላ ተባሂሉ ብኢትዮጵያ ዝቐረበላ ክሲ "መሰረት ዘይብሉን ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን" ብምባል ትማሊ ብጽኑዕ ነጺጋቶ።

    ብተወሳኺ፡ ሱዳን ነቲ ኣዲስ ኣበባ ንዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ከም ዘላ እተቕርቦ ዘላ ክሲ ዳግም ኣሐዲሳቶ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብ23 መስከረም ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ንሱዳን ናብቲ ንኢትዮጵያ ሸሚሙዋ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭታት ንምስሓብ ዝዓለመ ቅሉዕ ፈተነ" ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ ፖሊሲ ወጻኢ ሱዳን ኣብ ምኽባር ልዑላውነት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድ ዘይምትእትታው፡ ምኽባር ኣህጉራዊ ሕግን ኣብ መትከላት ሰናይ ጕርብትናን ዝተሰረተ ምዃኑ ኣረዲኡ።

    እቲ ምኒስትሪ፡ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ቀጻሊ ቀጥታዊ ደገፍ ትህብ ኣላ ዝብል ክሱ ዳግም ኣሐዲሱ።

    ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ደገፍን ስልጠናን ከም ዝሃበት፡ መርየታ ኣንጻር ሱዳን ንዝካየድ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ክውዕል ከም ዘፍቀደትን ካብ ግዝኣታ ድሮናት ክውንጨፉ ባይታ ከም ዘጣጥሐትን ዘረጋግጽ "ሰነዳዊ ሓበሬታን ርጉጽ መርትዖን" ከም ዘለዎ’ውን እቲ ምኒስትሪ ኣፍሊጡ።

    ኢትዮጵያ ብወገና፡ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክሲ ኣቐዲማ ነጺጋቶ ነይራ እያ።ፍ

  7. ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዖም

    ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ዳግማይ ውግእ ምውልዑ ስዒቡ፡ ሽዱሽተ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ ነቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ህጹጽ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዖም።

    እታ ላዕለወይቲ ኣባል ኮሚተ ርክባት ወጻኢ ዝዀነት ጂን ሻሂንን ላዕለዋይ ኣባል ንኡስ ኮሚተ ኣፍሪቃን ፖሊሲ ጥዕናን ኮሪ ቡከርን ሓዊሱ ኣባላት ባይቶ ክሪስ ኩንስ፡ ጀፍ መርክሊ፡ ክሪስ ቫን ሆለን ከምኡ’ውን ቲም ኬይን፡ ሰኑይ 28 መስከረም 2026 ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ውግእ ከይውላዕ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ዘተን ሽምግልናን ክምለሱ ጸቕጢ ክገብር ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

    እዚ ጻውዒት ዝቐረበ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብመሰረት ፈጻሚ ትእዛዝ 14046 ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ካብ ዘብቅዕ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን እዩ።

    እቶም ኣባላት ባይቶ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ እናተበላሸወ ብዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ኣዝዩ ኣሰንቢዱና ኣሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኦሮምያን ዓፋርን ዝተባርዐ ግጭት፡ ነቲ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃን ብጽኑዕ ደገፍ ኣመሪካን ንውግእ 2020–2022 ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም የፍርሶ ከም ዘሎ ኣጠንቂቖም።

    ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ እገዳ ምሕዳጉ ድማ ነቶም ተሓታትነት ዘይብሎም ተጻባእቲ ዘተባብዕን ንግዳያት ድማ ፍትሒ ዝኸልእን ስጕምቲ ምዃኑ ነቒፎምዎ።

    ብተወሳኺ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓገዝ ኣመሪካ ንተመዛበልቲ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ናይ መግቢ ረድኤት ዘመላልሳ ዝነበራ ቃፍላያት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ብመጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተሃርማ ዝጠቐሱ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሓያሎ ካብቲ ህጹጽ ረድኤት ከም ዝዓነወን ንተጸበይቲ ሓገዝ ዝቐርብ ዝነበረ ኣገዳሲ ቀረብ ከም ዝተቛረጸን ሓቢሮም።

    ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ድሮናት ብሰፊሑ ምጥቃሙ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ምዃኑ ብምግላጽ ድማ እዚ ስጕምቲ’ዚ ሰብኣዊ ኵነታት ካብ ምብኣስን ነቲ ውግእ ካብ ምግፋሕን ሓሊፉ ዝፈጥሮ ረብሓ ከም ዘየሎ ገሊጾም።

    ብተመሳሳሊ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዕንቃፍ፡ ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝተመዘዙ ሓለፍቲ ብምእላይ፡ ዕጥቂ ንምፍታሕ ብምእባይን ንሰለማውያን ብግዲ ብምዕጣቕን ቃሉ ከም ዘየኽበረ ኣመልኪቶም።

    "ኣብዚ ድሮ ተነቃፊ ኰይኑ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ውግእ ምውላዕ ከቢድ ሓደጋ ኣለዎ፡" ዝበሉ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድን መሪሕነት ህወሓትን ወጥሪ ንምህዳእ ህጹጽ ስጕምቲ ክወስዱ ጸዊዖም።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መሪሕነት ህወሓትን ምስኦም ዝተሓባበሩ ዕጡቓት ጕጅለታትን ብቐጥታ ብምርኻብ፡ እቲ ሓድሽ ውግእ ደው ክብልን ኵሎም ወገናት ናብ ዘተ ብህጹጽ ንኽምለሱን ኣድላዪ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ክወስዱ ተላብዮም ኣለዉ።

  8. ህንጻ ተለቪዥን ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ዋና ኣካያዲ እቲ ትካል ገሊጹ

    ኣባዲ ገ/ስላሴ

    መደበር ተለቪዥን ትግራይ "ምሉእ ንምሉእ" ከምዝዓነወ ዋና ኣካያዲ ናይቲ ትካል ኣፍሊጡ።

    ኣይተ ኣባዲ ገ/ስላሴ ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ መደበር ዜና ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ ጠቒሱ።

    "እቲ ትካል ምሉእ ንምሉእ ዓንዩ እዩ ምባል ይክኣል'ዩ. . .ዝበጽሐ ማተሪያላዊ ዕንወት ብጣዕሚ ገዚፍ እዩ።

    "ፈነወና'ውን ሎምመዓንቲ ካብ ካልእ ቦታ፡ ካብ ካልእ ስትድዮ፡ ብውሱን ማቴሪያልያት ክሳብ ንጅምር ንልዕሊ 24 ሰዓት ፈነወ ደው ኣቢልና ጸኒሕና ኢና" ኢሉ።

    እንተኾነ ኣብ ሰብ ዝወረደ ከምዘየለ ግን እቲ ዋና ኣካያዲ ሓቢሩ'ሎ።

    "በቲ ደብዳብ ሰብኣዊ ክሳራ ኣይበጽሓናን፡ ምኽንያቱ እቲ ጆኖሳይዳዊ ኣገዛዝኣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ክእግድ እንከሎ ንተለቪዥን ትግራይ ኣብቲ ትካል ደብዳብ ክፍጽም ከምዝኽእል ንግምት ስለዝነበርና" ጥንቃቐ ከምዝተገብረ ኣብቲ ተለቪዥን ትግራይ ብመገዲ ፌስቡክ ዘውጽኦ ቪድዮ ተዛሪቡ።

    መደበር ተለቪዥን ትግራይ ትማሊ ሰንበት 27 መስከረም ብድሮን ከም ዝተሃረመ ጸብጻባት ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።

  9. ኣባላት ጸጥታ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎም ሰባት ብደገፍ ቀይሕ መስቀል ካብ ትግራይ ወጺኦም

    ብናይ ቀይሕ መስቀል ፒክ-ኣፕ መኪና ዝተመርሐ ቃፍላይ ኣውቶቡሳት

    ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ካብ ክልል ትግራይ ከምዘውጽአ ኣፍሊጡ።

    እቶም ብቃፍላይ ኣውቶቡሳት ካብ መቐለ ናብታ ርእሰከተማ ክልል ዓፋር ዝኾነት ሰመራ ዝኣተዉ 161 ሰባት፡ ሰብመዚ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ቤተሰቦምን፡ ኣባላት ጸጥታ ሲቪል ኣቬሺንን ንተግባራውነት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምክትታል ዝተመደቡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎም እዮም።

    "ካብ ሞንጎ ዘጓዓዓዞም ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ስድራኦምን፣ ሰራሕተኛታት መንገዲ አየር ኢትዮጵያን ስድራኦምን፣ ሰራሕተኛታት ድሕንነት ሲቪል አቪዬሽንን፣ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካን ኣባላት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ይርከብዎም" ይብል እቲ መግለጺ።

    "ከም ዘይሻራውን ናጻ መንጐኛን ኩሎም ዝምልከቶም ሰብመዚ ብዘቕረብዎ ጠለብን ውሳነን" ነቲ ዕማም ከምዝፈጸመ'ዩ እቲ ማሕበር ገሊጹ ዘሎ።

    "ምስ ኩሎም ተሳተፍቲ ጎንፂ ብቐፃልነት ብምዝርራብ ኩነታት ንሓደጋ ተቓላዕቲ (vulnerable) ዝኾኑ ሰባት ብዝምልከት ኩሎም ተሳተፍቲ ጎንፂ ንኸምዚ ዓይነት ስራሕ እንተተሰማሚዖም ሓላፍነቱ ንምውፃእ ድልው እዩ" ክብል'ውን ቃል ኣትዩ።

    ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጐ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲን ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ናብ ትግራይ ዝግበር በረራታት ተቛሪጹ ከምዘሎን፡ እቶም ሓይልታት ነተን ኣብቲ ክልል ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ኣክሱምን ሽረን ኣብት ምቊጽጻሮም ከምዘ እተውዎ ይፍለጥ።

  10. ካብን ናብን ኮምቦልቻን ላሊበላን ዝግበር በረራታት ኣየር ኣቋሪጹ

    መዓርፎ ነፈርቲ ላሊበላ

    ናብን ካብን ኮምቦልቻን ላሊበላን ዝግበር በረራታት ኣየር ከምዘቋረጸ ነበርቲ እተን ከተማታት ሓቢሮም።

    ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝተቛረጸ ናብ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ዝግበር ዝነበረ በረራታት ክሳብ ሎሚ ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    ነበርቲ ኮምቦልቻ ከምዝበልዎ'ውን፡ ኣብታ ከተማ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ ኣሎ። ዛጊት ነቲ ኲነታት ዝምልከት በቲ ናብታ ከተማ በረራታት ዘካየድ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

    ቢቢሲ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ዝተወከሰሉ "ኣብ ማሕበራዊ ገጻትና ሓበሬታ ክንህብ ኢና" ካብ ምባል ሓሊፉ ንጹር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ሎ።

  11. ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣስመራ ከምዝጠሓሰት ኤርትራ ከሲሳ

    ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ እዋን ምውቕ ምሕዝነቶም እናሰሓቚ
    መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ጥቡቕን ምውቕን ዝምድና ውሃ ዘበለን ተስፋ ዝፈጠረን እዩ ነይሩ

    ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ "ስምምዕ ሰላምን መሕዝነትን" ክልቲአን ሃገራት ከምዝጠሓሰት ኤርትራ ከሲሳ።

    ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና "ነቲ ካብ ቊጽጽሩ ወጻኢ ዝኾነ ታኼላን ባዕሉ ዝፈጠሮ ግጭታትን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ብምጽጋዕ ይኸስስ ኣሎ" ክብል ወቒሱ።

    "ኣብ 2023 ንዓለምለኻዊ ሕጊን ንቀንዲ መትከላት ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ብቕሉዕ ብምጥሓስ. . .'ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ' ንምርካብ ብወግዒ ጐስጓስ ፈሊሙ" ይብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ዓመት ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኢትዮጵያ ንግዳዊን ዋንነታዊን ኣፍደገ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግብኣ ምግላጹ ብወገን ኤርትራ ሓያል ተቓውሞ ከምዘስዓበ ይፍለጥ። ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብፍላይ ብቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክውንኑ ምድላዮም ንልኡላውነታ ዘስግእ "ኣዋጅ ኲናት'ዩ" ክትብል ኣስመራ ብተደጋጋሚ ክትኩንኖ ጸኒሓ እያ።

    ኣዲስ ኣበባ፡" ወተሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንምእንጋድ ከምዝተሓባበረትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኢዳ ተእቱ ከምዘላ'ውን እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን ኣሚቱ። ኢትዮጵያን ኢማራትን ቅድሚ ሕጂ ንዝቐረበለን ተመሳሳሊ ክሲታት ከምዝነጸግኦ ይዝከር።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ንህወሓት ዝርከቦም ዕጡቓት ተቓወምቱ ብምድጋፍ ዘይምርግጋእ ይፈጥር ኣሎ ዝብል ወቐሳ ከስምዕ ጸኒሑ'ዩ።

    እቲ ኣብ ክረምቲ 2018 ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራን ጂዳን (ስዑዲ ዓረብ) ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝረኸበን ንኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ሰላም ክወሃብ ምኽንያት ዝኾነን'ዩ።

    "ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ኣኽቲሙ፡ ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ክጅምር" ካብ ቀንዲ መትከላት ናይቲ ስምምዕ ምንባሩ ይዝከር።

    ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝነበረ ጥቡቕን ምውቕን ዝምድና ውሃ ዘበለን ተስፋ ዝፈጠረን እዩ ነይሩ።

    እንተኾነ ክልቲኦም መራሒ ፈለማ ብሓባር ኣንጻር ህወሓት ብምስላፍ ናብቲ "ዝኸፍአ" ዝተባህሉሉን ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈን ኲናት ትግራይ ኣትዮም። ሕጂ ድማ ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ብምእታው ናብ ካልእ ደማዊ ኲናት ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ይእምቱን ይካሰሱን ኣለዉ።

  12. ኣብ ልዕሊ ተለቪዥን ትግራይ ዝወረደ መጥቃዕቲ ድሮን ወተሃደራዊ ምዕባለታትን

    መደበር ተለቪዥን ትግራይ ትማሊ ሰንበት 27 መስከረም ብድሮን ከም ዝተሃረመን ዕጡቓት ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ይገጥሙ ከም ዘለዉን ኤ-ኤፍ-ፒ ገሊጹ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ከቢድ ግጭት ዳግማይ ብምጅማሩ፡ ነቲ ኣስታት 600,000 ሰባት ዝሞትሉ ተባሂሉ ዝግመት ናይ 2020-2022 ኲናት ሓድሕድ "ዳግማይ ክምለስ ይኽእል እዩ" ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

    ህወሓት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ተቘጻጺሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተን ብምግላጽ፡ ኣንጻር መንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ናይ ምክልኻል ኲናት" የካይድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

    ዋና ቤት ጽሕፈት ትግራይ ቲቪ፡ ሰንበት ከባቢ ሰዓት 9:00 ቅድሚ-ቐትሪ (ብኣቈጻጽራ ናይቲ ከባቢ) ብድሮን ተሃሪሙ። እዚ መደበር ተለቪዥን ከም "ቀንዲ ማዕከን ዜና" ናይቲ ክልል ኰይኑ፡ እዞም ዕጡቓት ልፍንቲ ከም ዝመስረቱ ዝኣወጅሉ ብመንገዱ እዩ ነይሩ።

    ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ጋዜጠኛ እቲ ትካል ንኤጀንሲ ዜና ፈረንሳ ክዛረብ ከሎ፡ "ኣብ ካልእ ቦታ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ዝተፈጥረ ብርቱዕ ድምጺ ሰሚዕና፡ ካብቲ ህንጻ ሃዲምና፡" ኢሉ።

  13. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ብጃምላዊ መጥቃዕቲ 27 ሳበት ተቐቲሎም

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጃምላዊ መጥቃዕቲ ሳበት ተቐቲሎም

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ብዝተፈጸመ ክልተ ጃምላዊ - ተኹሲ 27 ሰባት ተቐቲሎም።

    ገሊኦም ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ጥቓ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ እንዳ መስተ፡ ካልኦት ድማ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ እንዳ መዝናነዪ፡ ሰንበት ኣጋ ምሸት እዮም ተቐቲሎም።

    8 ዕጡቓት፡ ኣብ ጥቓ ጆሃንስበርግ ፡ ኣብ ሓደ እንዳ መስተ ኣብ ልዕለ ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ተኹሲ ከፊቶም፤ ካብኡ ድማ ናብ ውሽጢ ኣትዮም ብምቕፃል፡ ብድምር 17 ሰባት ቀቲሎም፡ ንካልኦት 15 ድማ ኣቑሲሎም።

    ክልተ ተሽከርከርቲ እውን ብሓዊ ኣቃጺሎም።

    ኣብቲ ጃምላዊ መጥቃዕቲ 13 ደቂ ተባዕትዮን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ይሕብር።

    ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ሰንበት ንጐሆ ድማ፡ ኣብ ኬፕታውን ኣብ ሓደ መዝናነዪ ስፍራ፡ ብዝተኸፍተ ጃምላዊ ተኹሲ፡ ዓሰረተ ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፡ ካልኦት 11 ሰባት ድማ ጉድኣት በፂሑዎም።

    እቶመ ሓሙሽተ ሰባት ሽዑንሽዑ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓሙሽተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞቱ ፀብፃብ ፖሊስ የመልክት።

    ምስ ክልቲኡ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጥርጡር የለን፤ ፖሊስ ድራኸ ናይ ክልቲኡ ጃምላዊ ተኹሲ ኣይፈለጠን።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን ቅትለት ዝፍፀመለን ሃገራት እያ።

  14. ቲክቶክ፡ ንሐንቲ ክፍለ ግዝኣት ኣመሪካ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል'ዩ

    ቲክቶክ

    ቲክቶክ: ኣብ ልዕሊ ህጻናት ምስ ዘብፀሖ ጉድኣት ብዝተኣሳሰር፡ ንሓንቲ ግዝኣት ኣመሪካ- ኣላባማ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተስማሚዑ።

    ቲክቶክን ንዕኡ ዘመሓድር ትካል ባይትዳንስን፡ ንክፍለ ግዝኣት ኣላባማ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ክኸፍሉን ኣብታ ግዝኣት ንዝርከቡ ህጻናት ኣጠቓቕማኡ ንምድራት ስጉምትታት ክወስዱን ተሰማሚዖም።

    ጠበቓታት ቲክቶክን ግዝኣት ኣላባማን፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ ምክያዱ፡ ኣብዚ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።

    ግዝኣት ኣላባማ፡ ቲክቶክ ንህጻናት ወልፊ ዘትሕዝ ኣፕ፡ ኮነ ኢሉ ከምዝፈጠረ ከሲሳ ነይራ።

    ኣብ ልዕሊ ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያ ኣፕታት እውን ተመሳሳሊ ክሲ ቀሪቡ እዩ።

    ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ እቲ ኣፕ ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ንጐሆ ሰዓት 6፡ ህፃናት ነቲ መተግበሪ ከይጥቀሙ ዝኽልክል መስርሕ ግብራዊ ክገብር እዩ።

    ወለዲ ን ‘ኣካውንት’ ደቆም ክከታተሉን፡ ክድርቱ ዘኽእሎም ቁጽጽር ንምግባር መስርሕ ክዝርግሕ እውን ተሰማሚዑ። እንተዀነ ቲክቶክ ዝኾነ በደል ከምዝፈጸመ ኣይኣመነን።

    እዚ ኣሰራርሓ፡ ንግዚኡ ኣብ ግዝኣትኣላባማ ዝተሓጽረ ኮይኑ፡ ቲክቶክምስ ሓንቲ ግዝኣት ኣመሪካዝበጽሖ ናይ መጀመርታ ስምምዕ እዩ።

    እዚ ንኣጠቓቕማ ህጻናት ኣብ ቲክቶክ ንምድራት ዝውሰድ ስጉምቲ ውጽኢታዊ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

  15. ኢራን: ምስ ኣመሪካ ዘሎ ጐንፂ: ፍታሕ ዝረክብ ብልዝብ ጥራይ ከምዝዀነ ኣፍሊጣ

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ እቲ ንማእኸላይ ምብራቕ ዝሕምስ ዘሎ፡ ምስ ኣመሪካ ዘሎ ግጭት፡ “ብልዝብ” ጥራሕ ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

    እቲ ምኒስተር ከምኡ ዝበለ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝሓንፀፀቶ ሓድሽ መደብ ምንፃጉ ስዒቡ እዩ።

    ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እማመ ኢራን “ቅቡል ኣይኮነን” ኢሉ።

    ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ኣብ ስምምዕ ክብፃሕ ዝደልዩ ዘለዉ፡ “ሕሱም ይሰዓሩ” ከምዘለዉ ዘመልክት ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣብ ቴሌግራም ቻነሉ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ቴህራን ካብ ዋሽንግተን “ዕላዊ መልሲ” ክሳብ እትረክብ ክትፅበ ምዃና ሓቢሩ።

    ኣራግቺ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተጋራጫዊ መግለጺታት ከምዝሃበ ኣመልኪቱ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝቐረበ ቅድመ ኩነት፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዝተፈረመ ሰነድ-ምርድዳእ ዝመሳሰል እዩ ተባሂሉ።

  16. ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ20 ነሓሰ 2026 ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ሸውዓተ ቈልዑ ዝርከብዎም 13 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቘሰሉ እቲ ጸብጻብ የረድእ።

    ትካል ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እዚ መጥቃዕቲ ብኣልማማ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር ብምዃኑ፡ ከም ገበን ኲናት ተወሲዱ ብቕልጡፍ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ።

    እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ 'ዳዕሮ' ዝተባህለ ሰፈር ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ግሁድ ወተሃደራዊ ዒላማ የሎን።

    እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ኵነታት ነቲ መጥቃዕቲ ዘይሕጋውን ኣብ መንጎ ሰላማውያንን ወተሃደራውያንን ዘየመዛዝን ገይሩዎ ኣሎ። ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነዚ መጥቃዕቲ ብግልጽን ብዘይሻርነትን ክምርምርዎ፡ ንፈጸምቲ ናብ ሕጊ ከቕርብዎምን ንግዳያት ድማ እኹል ካሕሳ ክኸፍሉን ተላብዩ።

    ምክትል ሓላፊት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ ላቲሽያ ባድር፡ "ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ተዅሲ ምጅማሩ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ መጥቃዕትታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘንጸላሉ ዘሎ ከቢድ ሓደጋን ዘለና ስክፍታ ዘዕቢ እዩ፡" ክትብል ገሊጻ።

    ቀጺላ፡ "ሰራዊት ኢትዮጵያ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ንምድሓን፡ ሕግታት ኲናት ከኽብርን ቅድሚ ዝዀነ መጥቃዕቲ ምክያዱ ኵሉ ዝከኣል ጥንቃቐታት ክገብርን ኣለዎ፡" ኢላ።

    ሂዩማን ራይትስ ዎች ነዚ ኣመልኪቱ ናብ ወሃቢ-ቓል ሰራዊት ኢትዮጵያን ምኒስትሪ ምክልኻልን ሕቶታት እኳ እንተ ኣቕረበ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ምላሽ ከም ዘይረኸበ ሓቢሩ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦም መግለጺታት፡ ሰራዊቱ ወተሃደራዊ ዒላማታት ጥራይ ከም ዝወቅዕን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዘይፍጽምን ክገልጽ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ተሓለቕቲ መሰላት ግና ተደጋጋሚ ግህሰታት ይፍጸም ከም ዘሎ ይገልጹ። ሂዩማን ራይትስ ዎች

    ብደብዳብ ዝፈረሰ ኣባይቲ
  17. ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጥቃዕትታት ህወሓት ኰኒና፡ ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ እውን ደጊማ ኣረጋጊጻ

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን መሻርኽቱ ሓይልታት ተቓውሞን ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝፈጸምዎ መጥቃዕትታት ብምዅናን፡ እቲ ምዕባለታት ንሓድነት፡ ልዑላዊነትን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ሓደጋ ዘስዕብ ምዃኑ ገሊጻ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ሃገረ-ወሽመጥ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተታሕዛ ዝገልጽ ጸብጻብን፡ እቲ ውግእ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምልሕማሙን ነቒፋ ኣላ።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እዚ ምብኣስ ኵነታት ንጸጥታን ምርግጋእን ኢትዮጵያን ብሰፊሑ ድማ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ኣተሓሳሲባ።

    ምኒስትር ዲኤታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ ሻኽቡት ቢን ናህያን ኣል ናህያን፡ ሃገሩ ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ብምግላጽ፡ ንቕዋማዊ ስርዓት፡ ልዑላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

    ንፖለቲካዊ ስርዓት እታ ሃገር ብሓይሊ ወይ ብዕጥቃዊ ስጕምቲ ንምቕያር ዝግበር ዝዀነ ይኹን ፈተነ ድማ ነጺጉ።

    እቲ ምኒስተር እቲ ግጭት ብህጹጽ ደው ክብልን ወጥሪ ክሃድእን ጻውዒት ብምቕራብ፡ ንጹሃን ዜጋታት ምክልኻልን ተወሳኺ ጐነጽ ምዕጋትን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሩሉ። ከምኡ'ውን ኵሎም ወገናት ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ክኽተሉን፡ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዘተን ሰላማዊ መንገዲታትን ከnኣድዩን ተማሕጺኑ።

    እቲ መግለጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ምርግእን ንምምጻእ ንዝግበር ጻዕርታት ዘለዋ ደገፍ ብምድጋም፡ ሰፊሕ ዞባዊ ሳዕቤን ከስዕብ ካብ ዝኽእል ተወሳኺ ምብኣስ ኵነታት የጠንቅቕ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን
  18. ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዛዕባ ምሕዝነት ንህላወ ዝሃቦ መግለጺ

    ኣዛዚ ናይቲ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈልዩ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝብል ዝጽዋዕ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ኣባል ዝዀነሉ ጥምረት ጕጅለታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ መርገጺኡ ገሊጹ።

    ምስ ህወሓትን ፋኖን "ምሕዝነት ንህላወ" ዝብል ጥምረት ዝመስረተ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ "ሃጸያዊ ስርዓት [ኢትዮጵያ] ክፈርስ ኣለዎ" ዝብል መርገጺኡ ከምዘይገደፈ ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ 7 ዕጡቓት ጕጅለታት ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ንምውዳቕ ዝዓለመ "ምሕዝነት ንህላወ" ዝብል ኪዳን ከም ዝመስረቱ ኣፍሊጦም እዮም።

    ኣባላት እቲ ኪዳን፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ህወሓትን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖን፡ ሃገራዊ ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፡ ሰውራዊ ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ዓፋር፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ቤንሻንጉልን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ጉሙዝን ይርከብዎም።

    ኣማኻሪ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጂሬኛ ጉደታ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምስ ህወሓትን ፋኖን ምትሕብባር ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ኣብቲ ናይ ቀደም መርገጺና ኢና ዘለና፤ ስርዓት ኢምፓየር ክፈርስ ኣለዎ ዝብል መርገጺና ኣይገደፍናን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

    ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉዱሩን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብስእነት ሰላም እናተሳቐየ ይርከብ።

  19. ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እንታይ ኢሉ?

    ብ/ጀ ወልደጊዮርጊስ

    ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢታት ዶብ ክልል ትግራይ-ዓፋር ዝተወልዐ ግጭት ብዝምልከት፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማውያን ዜጋታት ዓፋር ኮነ ንሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዒላማ ከም ዘይገበሩ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ንቢቢሲ ገሊጹ።

    እቲ ውግእ ብንጹር ኣበይ ከም ዝተኻየደን ንመን ዒላማ ከም ዝገበረን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብርጋደር ጀነራል ሸሪፎ፡ "ንፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ይዅን ንምልሻ ዓፋር፡ ህዝቢ ወይ ምምሕዳር ኣይተንከፍናን፤ ከምዚ ዓይነት ዕላማ ይዅን መደብ እውን የብልናን፡" ክብል መሊሱ።

    ዕላማ ናይቲ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ነቶም "ካብ ባዕልና ዝሸፈቱ ጸረ-ሰላምን ጸረ-ህዝቢ ትግራይን" ክብል ዝገለጾም ዕጡቓት ምጽራግ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።

    እዞም ኣካላት፡ "ዋና መቀላጠፍቲ ናይ ብልጽግና" ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፡ "ኣብ ትግራይ ሰላም ንኸይመጽእ ህውከት ዝፈጥሩ ዘለዉ እዮም፡" ክብል ድማ ከሲሱ።ምሉእ ንባብ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እንታይ ኢሉ?

  20. ኣብ ትግራይ ናይ ኢትዮ ተለኮም ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን ተቛሪጹ

    ሓደ ተለፎን ዝሓዘ ሰብ

    ኣብ ክልል ትግራይ፡ ካብ ሓሙስ 24 መስከረም ለይቲ ኣትሒዙ ናይ ትካል ኢትዮ ተለኮም ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

    ናጽነት ኢንተርነት ዝከታተል ዓለምለኻዊ ትካል ኔትብሎክስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሓሙስ ለይቲ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ምባሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ቢቢሲ ብወገኑ ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን ብተደጋጋሚ ተለፎን ክድውል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ እቲ መስመራት ከም ዘይሰርሕ ኣረጋጊጹ እዩ።

    ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ተለፎን ዝህብ መስመር ሳፋሪኮም ግን ክሳዕ ሕጂ ይሰርሕ ኣሎ። ማዕከን ዜናፈረንሳ (ኤኤፍፒ) እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ኢሉ ምህላዉ ኣቃሊሑ።

    ቢቢሲ ብዛዕባ’ዚ ዘጋጠመ ምቍራጽ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሰበ-ስልጣን ኢትዮ ተለኮም ብደወልን ጽሑፍን እኳ እንተ ፈተነ፡ መልሲ ክረክብ ኣይከኣለን።

    ብተወሳኺ፡ እዚ ምቍራጽ ተለፎንን ኢንተርነትን ብኢትዮ ተሌኮም ድዩ ወይስ ብኻልእ ኣካል ከም እተፈጸመ ብናጻ ወገን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

    እዚ ምቍራጽ ርክባት ኣብ ዕለታዊ ናብራን ቍጠባዊ ምንቅስቓስን እቲ ክልል ከቢድ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ነበርቲ ይገልጹ ኣለዉ። ትማሊ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ኣገልግሎት ተለፎን ምቍራጹ ብፍላይ ምትሕልላፍ ገንዘብ ደው ብምባል ኣብ ንግዳውን ዕዳጋውን ንጥፈታት ዓቢ ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ስግኣቶም ገሊጾም ነይሮም።

    ሎሚ ረፋድ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት ነበርቲ እውን፡ ዝበዝሐ ህዝቢ እቲ ክልል ተጠቃሚ ኢትዮ ተለኮም ብምዃኑ፡ እቲ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ እንተ ዘይተመሊሱ ብዙሓት ሰባት ካብ ኵሉ ዓይነት ርክብ ወጻኢ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

    ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ተሌፎንን ኢንተርነትን ደው ኢሉ ዘሎ፡ ዕጡቓት ትግራይ ብረቡዕ ኣብታ ክልል ዝርከባ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ድሕሪ ምእታዎም እዩ።

    ህወሓት ነቲ ዝተኸፍቶ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሓይልታቱ ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዝኣዘዘ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኣብ መቐለ፡ ሽረን ኣኽሱምን ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተቘጻጸረ ገሊጹ ነይሩ።

    ነዚ ስዒቡ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ታክልል ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ደው ኣቢልዎ ይርከብ። ትማሊ ሓሙስ ድማ እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ላሊበላ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ደውከም ዘበለ ተፈሊጡ።

    ማዕከን ዜና ሮይተርስ ዘዘራረቦም ሰለስተ ነበርቲ ላሊበላ፡ ኣብቲ ከባቢ ኲናት ይካየድ ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

    ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት መንግስታትን፡ ኵሎም እቶም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ተዅሲ ብህጹጽ ደው ብምባል ነቲ ብ2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከኽብሩ ጸዊዖም ኣለዉ።