
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ድሕነት ቴክኖሎጂ ኪነታዊ
ብልሒ ዘሎ ስግኣታት “ሓሶት” ወይ
ኣመና ዝተጋነነ እዩ ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብዚ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኢ ዘሎ ቴክኖሎጂ ተወሳኺ ምቍጽጻር ክግበር ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት
ነቒፉ።
እዚ መግለጺ ትራምፕ ዝመጸ፡
መስራቲ ዓባይ ኩባንያ ኪነታዊ ብልሒ ኣንትሮፒክ ጃክ ክላርክ፡ ሓደገኛ ንዝዀነ ቴክኖሎጂ ኤ.ኣይ ደው ከብል ዝኽእልን ብሳልሳይ ኣካል ዝቈጻጸርን ናይ “መጥፍኢ ቍልፊ” ኣብቲ ኢንዱስትሪ
ብግዴታ ክትግበር ከምዘለዎ ንቢቢሲ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
እዚ ሓሳባት ክላርክ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሓያሎ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን መሪሕ ኩባንያታት ኪነታዊ ብልሒ፡ እዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰብ ከስዕቦ ንዝኽእል ሓደጋታት ስዒቡ ዝቐረበ መጠንቀቕታ እዩ።
እዚ ስግኣታት፡ ኣውፈርቲ
ዕብየት ኪነታዊ ብልሒ ብዘይምሕላው ክዝሕትል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ብምሕዳር፡ ሰኑይ ኣብ ዋጋ ብጽሒት ገለ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ርኡይ ምጕዳል ኣስዒቡ ተራእዩ።
ትራምፕ ብሰኑይ
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብተኸታታሊ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፋት፡ ነቲ ብዛዕባ ኤኣይ ዝወሃብ
ዘሎ መጠንቀቕታታት ምስ “ውዲት ኵነታትዋዒ-ዓለም” ብምንጽጻር፡
“ብደፋእቲ ጸጋማውያን ዲሞክራት” ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስ ምዃኑ ገሊጹ።
“መፍሸል
ሓሶት” ክብል ንነብሱ ዝጸውዐ ትራምፕ፡ነቲ ብዛዕባ ኤኣይ ዝለዓል
ዘሎ ስግኣታት ምስ “ናይ ሩስያ ሓሶት” ብምምስሳል ነጺጉዎ ኣሎ።
ኣብ ካልእ ጽሑፉ ድማ፡
“ኣንጻር ኤኣይን ማእከላት
ዳታን ዝካየድ ዘሎ ‘ሕሙም’ ውዲት ኣሎ፡ በዚ ዝሕጐስ ድማ ቻይና ጥራይ እያ። ን-ኤኣይ ዝተዓወተሉ፡ ንዅሉ ይዕወት!” ኢሉ። ብተወሳኺ፡ንኤኣይ ዘድሊ
ሓደ ጥራይ እዩ
“መሐለዊ”፡ ንሱ ድማ “ሓያልን በሊሕን” ፕረዚደንት ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ማዕከናት ዜና ቻይና፡ ዋሽንግተን ኣብ ቻይና ዘሎ ቅልጡፍ ዕብየት ኤኣይ
ብምስጋእ፡ ፖሊሲታታ ተዛብዕ ኣላ ክብሉ ዝገለጽዎም ክኢላታት
ጠቒሰን። “ኣመሪካ፡ ቻይና
ሓያል ተወዳዳሪት ከምዝዀነት ትፈልጥ እያ።
ኣመሪካ ምቍጽጻር እንተ ኣትሪራ
ወይ ዕብየት እንተ ኣዛሕቲላ፡ ቻይና ቀልጢፋ ክትቅድማ ምዃና ትሰግእ እያ” ክብል፡ ፕሮፌሰር ኣመሪካዊ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ፉዳን
ሺን ኪያንግ ንግሎባል ታይምስ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኩባንያታት ቴክኖሎጂን ፖለቲከኛታትን፡ ንኤኣይ ብዝምልከት
ዝያዳ ምቍጽጻር ክግበር ብትሪ ይጽውዑ ኣለዉ።
ሰኑይ፡ ማይክሮሶፍት ኤኣይ ብዛዕባ
ገደብ ቴክኖሎጂኡ ዝገልጽ ሓድሽ መምርሒ ዘውጽአ ክኸውን እንከሎ፡ ዝመጽእ ሰሉስ ድማ ስቲቭ ባኖንን በርኒ ሳንደርስን ኣብ ሓደ መድረኽ ቀሪቦም ፖሊሲ ኤኣይ ዳግማይ ክረአ ክጽውዑ እዮም።
ሳንደርስ፡ እዚ ቴክኖሎጂ ንደቂ-ሰብ ንምጥፋእ ስግኣት
ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡መራሕቲ ዕብየት ኤኣይ ዕብየት
እዚ ቴክኖሎጂ ክዝሕትልን ብደቂቕ ምክትታል ክግበረሉን ኣብ ዝጽውዑሉ ዘለዉ እዋን እዩ።