ኣብ ሑደይዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሑቲ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ የመን ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ ሑቲ፡ ብሰኑይ ኣብ ወደባዊት ግዝኣት ሑደይዳ ብወገን ስዑዲ ዓረብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ 17 ሰራሕተኛታት ከም ዝተቐትሉን 11 ካልኦት ከም ዝቘሰሉን ኣፍሊጡ።
ምኒስትሪ ተለኮሙኒኬሽን እቲ ጕጅለ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መራኸቢታት ዘነጻጸረ ኰይኑ፡ ምምሕዳራዊ ህንጻታት፡ መንበሪ ኣባይትን መስጊድን ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነወን ኣገልግሎት ተለኮሙኒኬሽንን ኢንተርነትን ከም ዘቋረጸን ሓቢሩ።
ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዛጊት ዝሃበቶ ርእይቶ የሎን፤ ማዕከን ዜና ፈረንሳ እውን ነቲ ክሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ኣፍሊጡ።
ወተሃደራዊ ወሃቢ-ቓል ሑቲ፡ ሓይልታት ኪዳን ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ግዝኣት ላህጅ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሳ ኣውቶቡሳትን መካይንን መጥቃዕቲ ከም ዘካየዱ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን፡ ናብቲ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ዝርከበሉ ምዕራባዊ ገማግም ስዑዲ ዓረብ ዝተወንጨፈ ናይ ሑቲ ባሊስቲክ ሚሳይል ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ከም ዘፍሸለ ኣፍሊጡ ነይሩ።
መራኸቢ ብዙሓን ሑቲ ብወገኑ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ጥቓ ወደባዊት ከተማ ሞኻ ተቘጻጺረዮ ዝበሎ ብኣመሪካ ዝተሰርሑ ሚሳይላት፡ ተወንጨፍቲ ኣጽዋርን ድሮናትን ዝሓዙ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሳጹናት ዘርኢ ምስሊ ኣውጺኡ ኣሎ። ሳጹናት እቲ ተተኳሲ ኣጽዋር፡ ብምብራቕ ስዑዲ ዓረብ (ደማም) ኣቢሉ ከም ዝሓለፈ ዘርእዩ ምልክታት ከም ዘለዎም’ውን ተገሊጹ።
እቲ ኣብ መንጎ ሑቲን ብስዑዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ዝነበረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሓምለ ድሕሪ ምፍራሱ፡ የመን ናብቲ ዝሰፍሐ ግጭት ኣመሪካን ኢራንን ተሳሒባ ትርከብ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ኣብታ ብቝጠባ ዝደኸየት ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ልዕሊ 1,600 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 300,000 ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።
ተወሳኺ፤









