ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ሓድሽ ናይ ምትሕግጋዝ ምዕራፍ ንምኽፋት ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ

  2. ኲናት የመን፡ ብዙሓት የመናውያን ንቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ይስደዱ ኣለዉ

  3. ጥምረት ምምስራቶም ብዛዕባ ዘፍለጡ ዕጡቓት ጕጅለታት እንታይ ንፈልጥ?

  4. ካብ ዓለምለኻውያን ጸሓፍቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝቐረበ ሕቶ 'መርትዖ ህይወት' እሱራት ጋዜጠኛታት

  5. ኢትዮጵያ፡ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ንተሌቪዥን ትግራይ ዳግማይ ኣጊዱ

  6. ሑቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ድሮናትን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም

    ኣብ የመን ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ሪያድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ጸዓት መጥቃዕቲ ድሮናትን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም።

    ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ፡ ብሰንበት ናብ ሪያድ ዝተተኮሰ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዝዓገትዎን ከምዘዕነውዎን፡ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመ ኣረጋጊጾም።

    ኣቐዲሙ፡ ኣብ ጥቓ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ገንእታት ነዳዲ፡ ጸሊም ትኪ ክለዓል ተራእዩ።

    ብሰንኪ'ቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ሰንበት በረራታት ንግዚኡ ተቛሪጹ።

    ብሰንኪ'ቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ሰንበት በረራታት ንግዚኡ ተቛሪጹ።

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  7. ጕጅለ ሑቲ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 28 መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምክያዳ ክሲሶም

    ጕጅለ ሑቲ - ኣንሳር ኣላህ - ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት የመን 28 መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጡ።

    ዳይረክተር ማእከላይ ስለያ ኣመሪካ ጆን ራትክሊፍ ድማ ትማሊ ሰንበት ናብ ካይሮ ከምዝኣተወ፡ መራሒ ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ናብ ርእሰ ከተማ ግብጺ ካብ ዝበጽሕ ድሕሪ መዓልታት እዩ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ከተማታት ስዑዲ ዓረብ ጣይፍን ያንቡ'ዕን ዝግበር ጕዕዞ ኣጊዱ። ያንቡዕ፡ ቅድሚ ሕጂ ብመጥቃዕቲ ሑቲ ዒላማ ኰይና ዝጸንሐት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዓቢ ሰደድ ነዳዲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘለዋ ከተማ እያ።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ ካብታ ቀንዲ ኣቕራቢት ዘይተጻረየ ነዳዲ ዓለምና ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ ሰደድ ክዕንቀፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትራፊክ ባሕሪ ምዝንባዕ ኣስዒቡ ይርከብ። መሓዛ ስዑዲ ዓረብ ዝዀነት ኣመሪካ ዝተሓዋወሰ ምልክታት ሰዲዳ ኣላ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ኣክሲዮስ፡ ዋሽንግተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሑቲ መጥቃዕትታት ክትፍጽም ዝቐረበላ ሕቶ ክትነጽጎ እንከላ፡ ፎክስ ኒውስ ድማ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ትራምፕ ሑቲ ኣብ ኣመሪካውያን ቦታታት ዒላማ ከይገብሩ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።

    ጕጅለ ሑቲ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 28 መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምክያዳ ክሲሶም

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  8. ተቓወምቲ ጕጅለታት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኪዳን ኣቚሞም

  9. ኤኣይ፡ ብሓቂ ንደቂ ሰባት ከጥፍእ ይኽእል ድዩ - ብኸመይ?

  10. ብንቕለ ተኸላ ዝተወስደ ኮላሊት ሓሰማ ን271 መዓልታት ኣብ ሰብ ብምስራሕ ክብረ ወሰን ሒዙ

  11. ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዘዘራርብ ዘሎ ደረት ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ህጻናት

  12. 'ወለደይ ብህይወት ምህላዎም እኳ ኣይፈልጥን እየ' - ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣስሩ ጀጋኑ ኲናት

  13. ኣመሪካ ኣብ ህዋ እንታይ ዓይነት ኣፅዋራት ኲናት ኣለዋ?

  14. መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ መፃረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዘውረዶ ዕንወት ዘረጋግጽ መርመራ

  15. ጅቡቲ፡ ግዝኣታ መበገሲ ስርሒታት ኣንጻር ሑቲ ክኸውን ከም ዘይተፍቅድ ኣፍሊጣ

  16. እምነቱ ተስፋይ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2026

  17. ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣበሽገ ዝተፈጸመ ቕትለትን ጭውያን ብመን ተኻይዱ?

  18. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ህግደፍን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ዘንበረቶ እገዳ ኣልዒላ

  19. ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ኢራንን ገበን ከም ዝፈጸማ ኣፍሊጡ

    ዝዓነወ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብኡ ካብ ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ቈልዑ ድማ ብዕንባባ ተኸቢቡ ስእሎም ኣብ ታሕቲ ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, WANA via Reuters

    ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ ክልተ ደብዳባት ኣየር ብውሑዱ 177 ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል "ገበናት ኲናት" ከም ዝፈጸመት ዘእምን እኹል መረዳእታ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።

    እቶም ክኢላታት ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኢራን እውን ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብዝወሰድዎ ዘስካሕክሕ ስጕምቲ "ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ከም ዝፈጸሙ ኣብቲ ጸብጻብ ኣስፊሮም ኣለዉ።

    ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ ናይታ ብዛዕባ ኢራን እትምርምር ናጻ ዓለምለኻዊት ልኡኽ መርማሪት ኮምሽን፡ ኣብ 28 ለካቲት ኣብ ከተማ ሚናብ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መባእታ ቤት-ትምህርቲ (120 ቈልዑ ዝርከብዎም 156 ሰባት ዝሞቱላ) ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ላመርድ ኣብ ልዕሊ ስፖርታዊ ማእከል (21 ሰላማውያን ሰባት ዝተቐትሉላ) ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ንስቪላውያን ዒላማ ዝገበረ ገበን ኲናት እዩ።

    እቶም ክኢላታት፡ ኣብቲ ኲናት 'ቶማሃውክ'ን 'ፒ.ኣር.ኤስ.ኤም'ን (PrSM) ዝተባህሉ ሚሳይላት እትውንን ኣመሪካ ጥራይ ምዃና ብምጥቃስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣመሪካ ከም ዝተፈጸመ ዘረድእ እኹል መርትዖታት ከም ዘለዎም ኣረጋጊጾም።

    ኣመሪካ ብወገና ነቲ ጸብጻብ ተኣማንነት ከም ዘይትህቦ ብምግላጽ፡ ንላመርድ ከም ዘይወቕዐት፡ ኣብ ሚናብ ንዘጋጠመ ድማ ትምርምሮ ከም ዘላ ገሊጻ።

    በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ እቲ ጸብጻብ መንግስቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ 31 ኣውራጃታት ዝተኻየደ ጸረ-መንግስቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ሓይልታት ጸጥታ ካብ ናሕስታት ተዅሲ ብምኽፋት፡ ኣብያተ-ሕክምና ብምጥቃዕ፡ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ብምእሳርን ብምሳቓይን፡ ከምኡ’ውን ን29 ሰባት ብሞት ብምቕጻዕ "ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ከም ዝፈጸመ ሓቢሩ።

    መንግስቲ ኢራን ቍጽሪ ምዉታት 3,000 እዩ ኣኳ እንተ በለ፡ ትካል ተጣባቒ መሰላት ህራና ግና ልዕሊ 7,000 ሰልፈኛታት ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።

    እቲ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰላማውያንን ዜጋታት ኢራን ኣብ መንጎ’ቲ መንግስቶም ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ መንጎ’ቲ ሃገሮም ምስ ኣመሪካን እስራኤልን እተካይዶ ዘላ ቐታሊ ውግእን ተቐርቂሮም ከም ዝሳቐዩ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

  20. ቢቢሲ ዘረጋገጾ ቪድዮ፡ ነፋሪት ውግእ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ወዲቓ

    ነፋሪት ኤፍ-15

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝመርመሮ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳተላይታዊ ሓበሬታን፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዑዳዊት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ።

    እታ ነፋሪት፡ ካብ ከተማ ማእሪብ ብወገን ምዕራብ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ብሚሳይል ተወቒዓ ዝተሓምሸሸት ኰይና፡ ዕጡቓት ሑቲ ባንዴራ ስዑዲ ዓረብን ፍሉይ ተኸታታሊ ቍጽርን ዝሓዘ ጭራ እታ ነፋሪት ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሖም ኣለዉ።

    ካብ ትካል ወተሃደራዊ ስለያ ጄንስ ዝዀኑ ክኢላታት ኣጽዋር፡ ነቲ ናይ ጭራ ቅርጽን ቍጽርታትን ብምምርማር፡ እታ ነፋሪት ካብቲ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻሊድ ዝተበገሰት ምዃና ብናጻ ኣረጋጊጾም እዮም።

    ወተሃደራዊ ተንተንቲ፡ እዚ ፍጻመ ዕጡቓት ሑቲ ካብ ኢራን ቴክኖሎጅያዊ ደገፍ ብምውሳድ ወተሃደራዊ ዓቕሞም እናዕበዩ ምምጽኦም ዘርኢ "ዓቢ ናይ ፕሮፓጋንዳ ዓወት" ምዃኑ ይገልጹ።

    እዚ ምዕባለ ዝመጽእ ዘሎ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ጥቓ’ቲ ወሳኒ ዓለምለኻዊ መተሓላለፊ መራኽብ ባብ ኣል-መንደብ ዝርከብ ስትራተጅያዊ ገማግም ባሕሪ ንምቍጽጻር ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይድሉን ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ናይ ኣየርን ሚሳይልን ደብዳባት ብዝገደደ ኣብ ዝዓረገሉን እዋን እዩ።

    ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15