ኣብ ደዳብ ዘዕቖቡ ኢትዮጵያዉያንን ኤርትራዉያንን ስደተኛታት ጉህዮም

Published

መነባብርኦም ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ደዳብ ዝገበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን፣ ኤርትራውያንን ሶማሊያዉያንን ስደተኛታት እቲ መዓስከር 'ክዕፀ እዩ' ምባሉ ጉህዮም።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ጸገም እቲ መዕቖቢ ንምፍታሕን ንከይዕጾን ከምዝሰርሕ ኣፋፍኖት ሂቡ።