ብዕጡቕ ጉጅለ ኣይ ኤስ ዝተሰረቑ ጥንታውያን ቅርስታት

Published

ኣብ ሊቢያ ብዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይኤስ ዝተሰረቑ ጥንታውያን ቅርስታት ኣብ ስፐይን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም። እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ጉሓሉ ኣብ ከተማ ባርሴሎና ተኣሲሮም ኣለዉ። ካብ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይኤስ ብምዕዳግ ክሸጡ እንትብሉ እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም። ምስ ጉጅለ ግብረ-ራዕዲ ርክብ ብምግባር፣ ብናይ ሓሰት መረዳእታን ዘይሕጋዊ ዝውውርን ተኸሲሶም።