ምስ ሰባት ኣብ እትጨባበጥሉ ግዜ ኣነነት ኣጥቒዑኩም ዶ ይፈልጥ?

Published

ናይ ኢድ ሰላምታ ንዘበናት ዝነበረን ልሙድን መግለጺ ሰላም እኳ እንተኾነ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ፖለቲካ ግን መልክዑ ቀይሩ ዳርጋ መነሓንሒ ክኸውን ምርኣይ ትዕዝብትና እዩ። መራሕቲ ሃገራት ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ኣጨባብጣ ዶናልድ ትራምፕ መስደመም ነይሩ።