ኣባይ ጸሃየ፡ "እቲ ቂምታስ ህወሓት ረሲዕዎ ኣሎ፤ ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ውን ይረስዕዎ እንዶ"
Published
መስራቲ ህወሓትን ገዲም ተጋዳላይን ኣባይ ጸሃየ ምስ ቢቢሲ ተግርኛ ኣብ ዘካየዲ ቃለ ምልልስ፡ ህወሓት ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ደጋፊ ቃልሲ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ገሊጹ።
መገድታት ባድመን ሑመራን ክኽፈትን ወደብ ባጽዕ እውን ስርሑ ክጅምርን ኣይተ ኣባይ ጸሃየ ጸዊዑ።
እቲ ዕርቀ ሰላም ምሉእ ክኸውን መታን ኣብ መራሕቲ ቅንዕና ክህሉ ኣለዎ ድማ ኢሉ።