ዕልዋ መንግስቲ ማያንማር ብቪድዮ ስኢላ ዘትረፈት ስፖርተኛ

Published

ማይኒማራዊት ዓላሚት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ህኒን፡ ሰኑይ ኣጋ ወጋሕታ ከም ወትሩ ስፖርት እናሰርሐት እንከላ ብረት ለበስ ወተሃደራውያን መካይን እታ ሃገር ንኣዳራሽ ባይቶ ማይኒማር ክቆጻጸራ ብድሕሪኣ እንትሓልፋ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበራን።