እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምሉእ ኣካላቶም ዝተሸፈኑ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ዘካየድዎ ወተሃደራዊ ምርኢት
Published
ሓይልታት ጸጥታ ሰሜን ኮርያ ኣብ ጽምብል ምስረታ ዴሳዊ ስርዓት እታ ሃገር ምሉእ ኣካላቶም ብዝሽፍን ክዳን ለቢሶም ኣብ ስነ ስርዓት ወተሃደራዊ ምርኢት ተሳቲፎም። ኣብቲ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ቅጥንጥን ኢሉ ዝተረኣየሉ ጽምብል ምርኢት ሚሳይላት ከምዘይነበረ ተፈሊጡ።