ናብ ሩስያ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ምብራቕ ዩክረይን ዘጋጠመና ‘ኣይ ከም ትጽቢትናን’ ይብሉ

Published

ብሰንኪ እቲ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናብ ሩስያ ይጉዕዙ ኣለዉ። እንተኾነ ግን ኣብ ሩስያ ምስኣተኹም ክትረኽብዎ ኢኹም ተባሂሉ ዝተነገሮም መጽብዓ ተግባራዊ ከምዘይኮነ ገሊጾም።