‘መንሽሮ ከም ዝሓመምኩ ምስተነገረኒ ተስፋ ቈሪጸ’
Published
ኣብ ኢትዮጵያ መንሽሮ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቂ ሞት ሰባት ዝኾኑ ኣርባዕተ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ምዃኑ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ይገልጽ። ውድብ ጥዕና ዓለም’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከባቢ 60 ሽሕ ሰባት መንሽሮ ከምዝሓሙ ይነግር። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ኣብ ቅድሚት ዝጥቀስ መንሽሮ ጡብ ክኸውን እንከሎ፡ መንሽሮ ኣፍ ማህጸን ካልኣይ ይስራዕ።