ካብ በጊዕን ዊስኪን ናብ ኣልማዝን ግዙፍ ዕምባባን፡ እቲ ዝቕየር ዘሎ ወግዒ 'ጓልኩም ሃቡና'

ብልቢን ዝተፈላለየን ቅርጺ ዝተሰርሐ ገዚፍ ኵምራ ዕምባባታት

ምንጪ ስእሊ, Hirut Flower

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ንዘመናት ሱር ዝሰደደ "ጓልኩም ሃቡና" ዝበሃል ናይ ሕቶ መርዓ ባህሊ፡ ካብ ናይ ስድራቤት ጥቡቕ ስነስርዓት ናብ ግዙፍን ክቡርን ህዝባዊ ትርኢት ይልወጥ ኣሎ።

እዚ ብኣማእቲ ኣሽሓት ብር ዝግመቱ ኵምራ ዕምባባታትን ጽምብላትን ዝተዓጀበ ሓድሽ ልምዲ፡ ኣብ መንጎ ተሓለቕቲ ባህሊ፡ ሰብ-ሞያ ፋሽንን ተመራመርቲ ማሕበራዊ ጉዳያትን ርሱን ክትዕ ኣልዒሉ ኣሎ።

ሂሩት ኣናጋው፡ ኣብ ንግዲ ዕምባባ ን15 ዓመታት ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዓማዊላ ዝሓትዋ ዘለዉ ጠለባት "ዘገርም" ምዃኑ ትገልጽ።

ንሳ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክልተ ሜትሮ ብኽልተ ሜትሮ ዝስፍሓቱ ግዙፍ ዕምባባ ኣዳልያ ነይራ፡ "እዚ ዕምባባ'ዚ ካብ ሓንቲ ንእሽቶ መደቀሲ ክፍሊ ዘይትንእስ እዩ፡" ትብል ሂሩት።

ከምዚኦም ዝበሉ ግዙፋት ኵምራ ዕምባባ ንምድላው፡ ብሓደ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን ዝስራሕ።

ነጋዳይ ዕምባባ ደረጀ ድሪባ ከም ዝገለጾ፡ ንስነስርዓት "ጓልኩም ሃቡና" ዝኸውን ዕምባባ ንምድላው ኣርባዕተ ሰብ-ሞያ ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ይሓድሩ።

ዋጋ እዞም ዕምባባታት ድማ ከከም መጠኖምን ዓይነቶምን ካብ 200,000 ክሳብ 500,000 ብር ይበጽሕ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ካብተን ቀንዲ ለኣኽቲ ዕምበባታት እኳ እንተዀነት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ጠለብን ዋጋን ዕምባባ ግን ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

ካብ ዊስኪ ናብ ኣልማዝን መኪናን

ኣብቲ ልሙድ ባህሊ፡ እቲ ናይ ሕቶ መርዓ ወግዒ ብሽማግለታት ዝምራሕ ኰይኑ፡ ከም ቡን፡ ዊስኪ፡ በጊዕን ቀለልቲ ህያባትን ጥራይ እዩ ዝቐርብ ነይሩ።

ተመራማሪ ባህሊ ኣንዱኣለም ኣባተ (ዶ/ር) ከም ዝገለጾ፡ እቲ ስነስርዓት "ኣኽብሮትን ፍቕርን" ዝንጸባረቐሉ እምበር ናይ ሃብቲ ውድድር ኣይነበረን።

ሕጂ ግን እቲ ኵነታት ተቐይሩ እዩ።

ሂሩት ከም ትገልጾ፡ "ሕጂ ግዙፋት ዕምባባታት ጥራይ ኣይኰኑን ዝውሰዱ፤ ከም ኣልማዝን መኪናን ዝበሉ ኣዝዮም ክቡራት ህያባት እውን ምልክት ሕቶ መርዓ ኰይኖም ኣለዉ።"

እቲ ዝገደደ ድማ፡ ገለ ሰባት ንትርኢት ጥራይ ዝጥቀምሎም 'ብኽራይ ዝቐርቡ ህያባት' እውን ከም ዘለዉ ይንገረሎም እዩ።

ወድን ጓልን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጽልዋ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ናይ ውድድር መንፈስን

እዚ "ሰውራ ዕምባባ" ክለዓል ዝገበረ ቀንዲ ረቛሒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዕሉ። ኣብ ቲክቶክን ኢንስታግራምን ዝዝርጋሕ ቪድዮታት፡ መንእሰያት ኣብ ዘይግቡእ ውድድር ክኣትዉ ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ።

ጋዜጠኛን ጸሓፊትን ኤልሳ ኣሰፋ፡ "እቲ ስነስርዓት ካብ ቤት ናብ ኣደባባይ [ቅርዓት] ወጺኡ ኣሎ፡" ትብል።

ንሳ ከም ትገልጾ፡ ሕጂ እቲ ትኵረት ኣብቲ ወሳኒ ዝርርብ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ንትርኢት ዝኸውን ስልማትን ድምቀትን ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ዝለኣኹ ሽማግለታት እውን ነቲ መርዓዊ ዘይፈልጥዎ፡ ካብ ቲቪ ወይ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተሓርዮም ዝመጽኡ ሰባት ዝዀንሉ ኵነታት ይርአ ኣሎ።

ቍጠባዊ ዕድል ድዩስ ማሕበራዊ ቅልውላው?

እዚ ልምዲ እዚ ንገለ ወገናት ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ኣሎ።

ኤልሳ ከም ትገልጾ፡ ንዓውዲ ፋሽን፡ መመላኽዒ (ሜክኣፕ)፡ ስእሊ ከምኡ'ውን ንንግዲ ዕምባባ ዓቢ ምንጪ ኣታዊ ኰይኑ ኣሎ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ማሕበራዊ ሳዕቤኑ ኣሰካፊ ምዃኑ ተመራመርቲ የጠንቅቑ።

ኣንዱኣለም (ዶ/ር)፡ "ሃገር ኣብ ከቢድ ቍጠባዊ ጸገም ኣብ ዘላትሉ፡ ብኣማእቲ ኣሽሓት ዝቝጸር ገንዘብ ኣብ ዕምባባ ምፍሳስ፡ ንባህሊ ካብ ዘይምርዳእ ዝመጽአ እዩ፡" ይብል።

እዚ ኵሉ ገንዘብ ዝፈሰሉ ዕምባባ፡ ዕድሚኡ ካብ ሓደ ሰሙን ዘይሓልፍ ኰይኑ መወዳእታኡ ድማ ይጓሓፍ እዩ።

ገዚፍ ከቢብ ዕምባባታት ዘዳለውዎ ሰለስተኣወዳት ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, Lilyflower19

መግለጺ ስእሊ, ን"ጓልኩም ሃቡና" ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ብር ዝውድእ ዕምባባታት ይዳሎ

ብዝሒ ፍትሕን ሕቶ ትርጕም ሓዳርን

እቲ ዘገርም ሓቂ ድማ እዚ ኵሉ ድምቀት ስነስርዓት "ጓልኩም ሃቡና"፡ ንጽንዓት እቲ ዝምስረት ሓዳር ውሕስነት ክኸውን ዘይምኽኣሉ እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ መጠን ፍትሕ ብ34 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።

መብዛሕትኦም ብዛዕባ ቃል-ኪዳን እኹል ግንዛበ ከይሓዙ፡ ኣብቲ ናይ መዓልቲ ድምቀት ጥራይ ተመርኲሶም ናብ ቃል-ኪዳን ስለ ዝኣትዉ ምዃኑ ሰብመዚ እታ ከተማ ይገልጹ።

ብሓፈሻ፡ እቲ ንዘመናት ስድራቤታት ዘቀራርብ ዝነበረ ባህሊ "ጓልኩም ሃቡና"፡ ኣብ መንጎ "ለውጢ ባህሊ"ን "ናይ ትርኢት ውድድር"ን ተቐርቂሩ ይርከብ።

እቲ ሕቶ ድማ፡ "እዚ ዝውሰድ ዘሎ ዕምባባን ዝፈስስ ዘሎ ገንዘብን ንሓዳር ዘጽንዕ ድዩ ወይስ ንመዘከርታ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራይ?" ዝብል እዩ።