ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባንክ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰነ 2026፡ ካብ ባንክታት ወጻኢ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዘይ ዓቐን ተታሒዙ ዘሎ ባጤራ ናቕፋ፡ ክሳዕ መወዳእታ ሓምለ ናብ ሕሳብ ባንክ ክኣቱ ዘገድድ ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር እዩ።
እቲ ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ብዙሕ ሰብ፡ ብሰንኪ ዝተጓተተን ዘይምዕቡልን ኣሰራርሓ ባንክታት ገና ገንዘቡ ኣታዊ ክገብር ከምዘይከኣለ እዩ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘመልክት።
መብዛሕትአን ባንክታት ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ልዕሊ 50,000 ናቕፋ ኣታዊ ንዝገብሩ ትካላት ይዅኑ ውልቀሰባት ቀዳምነት ይህባ ብምህላወን፡ ትሕቲ እዚ ዝተጠቕሰ ገንዘብ ዝሓዘ ሰብ ገና ተራኡ ከም ዘይበጽሖ፤ ብሪጋን ቈጸራን ይጽበ ወይ በጺሑ ይምለስ ምህላው እዩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘመልክት።
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኲርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
እቲ ኣብ መወዳእታ ሰነ ዝወጸ መግለጺ ባንክ ኤርትራ ነቲ መምርሒ ዘየተግብሩን ኣብ ዝተዋህበ ገደብ ግዜ ገንዘቦም ኣታዊ ኣብ ዘይገብሩን ወገናት፡ ጽኑዕ ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰደሎም ምዃኖም እዩ ዝገልጽ።
እቲ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ግን ብንጹር "እዚ እዩ" ኣይተባህለን - ብዙሕ ሰብ ድማ ገና ገንዘቡ ናብ ባንክ ከእቱ ብዘይምኽኣሉን እቲ ዘእተወ እውን እንታይ ክስዕብ ከም ዝኽእል ስለ ዘይፈልጥ ኣብ ስክፍታ ከም ዝርከብ እዮም ብዙሓት ዝገልጹ።
ኣሰራርሓ ባንክታት ኤርትራ ገና ዘይዘመነ፡ ዝደሓረን ኣብ ወረቐት ዝተመርኰሰን ኣገባብ ስለ ዝኽተል እቲ ምጕታትን ነዊሕ ሰዓታት ምጽባይን ኣብ ቦታኡ እዩ።
እዚ ሃንደበታዊ ውሳነን ዘይተነጸረ ስግኣትን፡ ኣብ መላእ ዕዳጋታት ኤርትራ ዓሚቝ ሻቕሎትን ዘይርጉጽነትን ፈጢሩ ይርከብ።
ዕዳጋታት ሃገር ኣብ ትሕቲ ከቢድ ዘይርጕጽነት ወዲቑ ብምህላዉ ድማ ነጋዶ በቲ ዝሕዝዎ ንብረት ይቈጻጸርዎ ብምህላዎም፣ እቲ ቍጠባዊ ኵነታት "ካብ ንቡር - ንቡር ቍጠባ'ኳ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ፤ ግን ካብቲ ከም ንቡር ዝተለምደ ዝጸንሐ ኣገባቡ ወጺኡ ተናዊጹ ኣሎ፡" ይብሉ ቢቢሲ ዘዘራርቦም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ መገሻ ዘካየዱ ዜጋታት።
ከም ኣገላልጻ እዞም ስሞም ክግለጽ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ትዕዝብቶም ዘካፈሉ፡ እቲ ቀዳማይ መርኣያ ናይዚ ቅልውላው፡ ኣብ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣቝሑን ሸርፊ ወጻእን ዝንጸባረቕ ዘሎ ምዝንባልን ዘይርጕእነትን እዩ።
"ዋጋ ዶላር ኣብ ዕዳጋ ምርጋእ ስኢኑ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዘይገመትካዮ መጠን ይወርድን ይድይብን ኣሎ፤ ዝንቀሳቐስ ገንዘብ ተሓጺሩ እዩ፡" ክብሉ ድማ የረድኡ።
እዚ ዶላር ዝናወጸሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ ኢዱ ብዙሕ ጥረ-ገንዘብ (ናቕፋ) ዘለዎ ሰብ፡ ነቲ ገንዘቡ ናብ ባንክ ካብ ምእታው፡ ናብ ዝያዳ ውሕስነት ዘለዎ ሸርፊ ወጻኢ ንምቕያር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ንምግማቱ ኣየጸግምን።
እዚ ነውጺ እዚ ድማ ነቲ ዕዳጋ ብኸቢድ ሃስዩዎ፣ መዓልታዊ ሃለኽቲ ኣቝሑ ብቐጻልነት ሰማይ ክዓርግ ይርአ'ሎ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ድማ ምጻር ስኢኑዎ ተሸጊሩ ከም ዘሎ እዩ ዝንገር።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይርጕእ ቍጠባዊ ኵነታት፡ ብፍላይ ነጋዶን ሃብቲ ዘለዎም ሰባትን ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ገንዘብ ብኸመይ የድሕኑዎ ዝብል ዓቢይ ጭንቀትን ስክፍታ ፈጢሩሎም ከም ዘሎ እዩ እቲ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘመልክት።
እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኢዶም ብዝሕ ዝበለ ጥረ-ገንዘብ ዝሓዙ ሰባት፡ ሓንሳብ ናብ ባንክ ኣታዊ እንተ ገይሮምዎ እውን፡ ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ "እዚ ዅሉ ገንዘብ ካበይ ኣምጺእካዮ? ኣበይ ሒዝካዮ ጸኒሕካ? ንምንታይ ሒዝካዮ ጸኒሕካ...?" ዝብል ዘይተርፍ ተሓታትነትን መርመራን ከስዕበሎም ምዃኑ ይርድኡ እዮም።
እዚ ከምዚ ዝበለ መርመራ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መወዳእታ 2015 ገንዘብ ኣብ ዝተቐየረሉ እዋን ዝነበረ ተመሳሳሊ ኵነታት ብምዝካር ብዙሓት ስክፍታኦም ይገልጹ።
"በዚ ጉዳይ ብዙሓት 'ካበይ ኣምጺኹሞ?' ተባሂሎም ተሳራጥዮም እዮም፤ ገንዘቦም ዝተበልዑ'ውን ብዙሓት እዮም፡" ይብል ብቐረባ ናይ ዝፈልጦም ኣብነት ብምዝካር ንቢቢሲ ዘዛረበ ኤርትራዊ።
እዚ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዘጋጠሞም ዜጋታት ብዛዕባ ምህላዎም ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝስማዕ'ኳ እንተዀነ፡ ቢቢሲ ግን ካብ ወግዓዊ ናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
በቲ ኻልእ ገጽ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰባት ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናት ብምሽቓል፡ 'ኣብ ክንዲ ኵሉ ሕጂ ብሓንሳእ ኣብ መስርሕ ቀስ እናበልኩ ናብ ባንክ ከእትዎ እየ - ወይ በብቝሩብ ናብ ንብረት ክቕይሮ...' እንተ በሉ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ሓምለ ገደብ ግዜ ምስ ሓለፈ እንታይ ክመጽእ ከም ዝኽእል ዝፈልጥ የሎን።
እቲ ሰልዲ 'ምናልባት ብሃንደበት እንተ ተቐይሩ፡' ሰባት ኣብ ኢዶም ዘሎ ጥረ ገንዘብ ዋጋ ዘይብሉ ወረቐት ክኸውን እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም እውን ይስማዕ።
እዚ ማንታ-መንገዲ እዚ፡ "ንጥረ-ገንዘብ ኣብ ክንዲ ከም ሃብቲ፡ ከም ሓደጋ (liability) ክረአ ገይሩዎ ኣሎ፡" ድማ ይብሉ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገያሾ ኤርትራውያን።
በዚ ምኽንያት ድማ ነጋዶ ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ጥረ-ገንዘብ ቀልጢፎም ናብ ርጡብ - ደሓን ዋጋ ዘለዎ ንብረት ክቕይሩዎ፤ ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ድማ ዋጋኡ ክውስኹ ይጓየዩ ኣለዉ።
እዚ ስግኣት'ዚ፡ ናብ ብርቱዕ ምኽዛን ንብረት ብፍላይ ድማ ዘይበላሾ ንብረት ኣምሪሑ ኣሎ። ነጋዶ ንብረቶም ብናቕፋ ካብ ምሻጥ ተቘጢቦም፡ ንብረቶም ምዕቃብ ወይ ምሕባእ ይመርጹ ኣለዉ።
ዝዀነ ኣብ ኢዶም ዝኣቱ ናቕፋ ድማ - ከምቲ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ዝተራየ - ቀልጢፎም ናብ ከም ወርቂ፡ እኽሊ፡ ኤለክትሮኒክስ ኣቕሓ፡ መኪናን ከምኡ ዝኣመሰለን ነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ዝኽእል ቀረባት መግቢ ብብዝሒ እናዓደጉ ይኽዝኑ ከም ዘለዉ ይሕበር።

እዚ ዘይስሩዕ ተግባር ምኽዛን ንብረት፡ ኣብ ዕዳጋታት ዋሕዲ ብምፍጣር፡ ነቲ ድሮ ንሂሩ ዘሎ ዋጋታት መመሊሱ ከም ዝጋደድ ይገብሮ ኣሎ። እቲ ዕዳጋ ብስግኣት ዝምራሕ ብምዃኑ፡ ዝሸይጥ ተሳኢኑ ዝዕድግ ጥራይ ዝበዝሓሉ ዘይባህርያዊ ቍጠባዊ ኵነታት ክፈጥር ድማ ይርአ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ነዚ ከምዚ ዝበለ ብመንግስቲ ዝውሰድ ስጕምታት ንኸብርሃልና ዝተወከስናዮ ክኢላ ስነቍጠባ፤ "መንግስትታት ወይ ማእከላይ ባንክታት ንምንታይ እዮም ገንዘብ ዝቕይሩ፣ ወይ ፋሕ ዝበለ ጥረ-ገንዘብ ብኣስገዳድ ናብ ባንክታት ክምለስ ዝደልዩ?" ዝብል ሕቶ ኣቐዲሙ ክምለስ ኣገዳሲ ምዃኑ የረድእ።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት፡ "ቍጽጽር ዑደት ገንዘብ እዩ፤ ሓደ ማእከላይ ባንክ ንቝጠባ ሃገር ንምምሕዳር፡ ክንደይ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ይዘውር ከም ዘሎ ብልክዕ ክፈልጥ ኣለዎ፣ መብዛሕትኡ ገንዘብ ካብ ባንክ ወጻኢ ኣብ ኢድ ህዝቢ ፋሕ ምስ ዝብል፡ እቲ ባንክ ንዝቕልቀል ዝቕባበ ንምቍጽጻር ይዅን ገንዘብ ኣለቂሑ ወፍሪ ንምትብባዕ ዝሕግዞ ዓቕሚ ይስእን፤ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ መንግስቲ ቍጠባኡ ንምቍጽጻርን ንምምሕዳርን እዩ፡" ብምባል የረድእ።
ከም ካልኣይ ምኽንያት ወሲኹ ከብርህ እንከሎ ድማ፡ "ነቲ ዘይወግዓዊ ቍጠባ ወይ ጸሊም ዕዳጋ ንምህዳን እዩ፤ ካብ ግብሪ ዝሃድሙ ነጋዶ፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዘካይዱ ሰባትን፡ ፋይናንስያዊ ገበነኛታትን ንብረቶም ብጥረኡ ኣብ ገዛኦም እዮም ዝኽዝኑዎ፡" ድሕሪ ምባል፤
"መንግስቲ ሓድሽ ባጤራ ብምውጻእ ወይ ብኣስገዳድ ናብ ባንክ ከእትዉዎ ብምግባር፡ እዞም ኣካላት ሃብቶም ከቃልዑን ናብ ወግዓዊ መሓውራት ቍጠባ ክኣትዉን የገድዶም፤ እቲ ባንክ ወጻኢ ኣብ ገዛ ይዅን ካልእ ዝተሓብአ ገንዘብ ናብ ባንክ እንተ ዘይተመሊሱ፡ ዋጋ ዘይብሉ ወረቐት ስለ ዝኸውን፡ እቲ ጸሊም ዕዳጋ ብሃንደበት ክጸሪ ይኽእል እዩ፡" ዝብል ስነቍጠባዊ መረዳእታ የቐምጥ።
እዚ ስነቍጠባዊ መርትዖ ንቡር እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ግን ካብዚ ዝተፈልየ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኤርትራውያን ነዚ ዘሎ ኵነታት ምስቲ ቅድሚ 11 ዓመት ኣቢሉ ዝተዋህበ ተመሳሳሊ መምርሒ ባንክ ኤርትራን ዝተወስደ ስጕምትታትን ዘለዎም ተመኵሮ ኣተኣሳሲሮም እዮም ዝርእይዎ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕዳር 2015 ንባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ዲዛይን ብምቕያር፡ ኵሉ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝነበረ ገንዘብ ናብ ባንክታት ከም ዝኣቱ ገይሩ ነይሩ።
እቲ ናይ ሽዑ ውሳነ ልክዕ ከምቲ ኣብ ስነቍጠባዊ ኣምር ዝግለጽ "ንዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምቍጽጻርን ንቝጠባዊ ምርግጋእን" ዝዓለመ ምዃኑ እኳ እንተ ተነግረ፡ እቲ ውጽኢት ግን ካልእ እዩ ነይሩ።
ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ዝዀነ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕሳብ ባንክ ኣብ ወርሒ 5,000 ናቕፋ ጥራይ ንኸውጽእ ዝፈቅድ ጽኑዕ ቀይዲ ተነቢረ።
እዚ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ ጽኑዕ ቀይዲ ኣወጻጽኣ ገንዘብ፡ ንምትእምማን ህዝብን ባንክታትን ምሉእ ብምሉእ ኣባኺንዎ እዩ።
ነቲ ሓቀኛ ስምዒት ኣመልኪቶም እዞም ቢቢሲ ዝተወከሶም ሰባት፡ እቲ ምኽንያት ክገልጹ እንከለዉ፡ "ዜጋታት ነቲ ብጻዕሮም ዘዋህለልዎ ገንዘብ ናብ ባንክ ምስ ኣእተውዎ፡ ድላዮም ክረኽቡዎ ከም ዘይክእሉ ብተግባር ምስ ረኣዩ፡ ንባንክ ከም መዕቈቢ ገንዘቦም ዘይኰነስ ከም መሐየሪ ገንዘቦም፡" ክርእዩዎ ከም ዝጀመሩ የረድኡ።
ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ገና ዘይማዕበለን ግን ከኣ ጽኑዕ ቍጽጽር ዝግበረሉ ስርዓታት ባንክታት ዝኽተላ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዃና፡ ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ኤለክትሮንያዊ ባንክታት ዘይብላ ሃገር ብምዃና፡ እቲ ጸገም ዝያዳ ጐሊሑ ይርአ።
ኣብ ሓንቲ ብጥረ ገንዘብ ጥራይ ስርዓተ ቍጠባኣ እተመሓድር ሃገር፡ ሰባት ካብ ባንክ ገንዘብ ክውጽኡ ዝፍቀደሎም ገንዘብ ድሩት ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ እቲ ቍጠባ ብባህርያዊ መንገዲ ናብ ጸሊም ዕዳጋ ገጹ ከድህብ ግድን ምዃኑ ክኢላታት የረድኡ።
ዓበይቲ ዕድጊታት ክገብሩ ዝደልዩ ዜጋታት ንሓያሎ ኣዋርሕ ናይ 5,000 ናቕፋ እብረ ከውጽኡ ይግደዱ፤ ንመርዓ ወይ ካልእ ዕብይ ዝበለ ወጻኢታት ኣብ ዝሓትት ጉዳይ ውልቃዊ ገንዘብካ ንምውጻእ እኳ ካብ ምምሕዳር ፍቓድ ምሕታት ግድነት ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።
በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ህዝብን ነጋዶን ነቲ ዘዋህልልዎ ገንዘብ ዳግማይ ፋሕ ብምባል ኣብ ኢዶም ንምዕቃብ ዝመረጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ ባንክ፡ ብዓይኒ ክልሰሓሳብ ቍጠባ እንክርአ፡ ነቲ ካብ ወግዓዊ ፋይናንስያዊ መሓውር ወጻኢ ዝንቀሳቐስ ዓቐን ዘይብሉ ባጤራ ናቕፋ ዳግማይ ንምምላስን፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዑደት ገንዘብ ዘለዎ ቍጽጽር ንምሕያልን ዝዓለመ ምዃኑ ክግመት ይከኣል።
እዚ ኣመና ዝተኣስረ ቍጠባ፡ ነቲ መንግስቲ ዝያዳ ናይ ምቍጽጻር ዕድል ዝህብን፤ ብኣንጻሩ ንመነባብሮ ህዝቢ መሊሱ ዘድኪ ከም ዝዀነን፤ ነቲ ብዓቕሙ "ፍኒሕ-ኒሕ ክብል ዝጸንሐ ዕዳጋታት" ድማ መሊሱ ከዳኽሞን ከም ሳዕቤኑ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ክፈጥር ምዃኑን ዜጋታት ስግኣቶም ይገልጹ።
ገንዘብ ኣብ ኢድ ሰባት ብቐሊሉ ዘይርከብ እንተዀይኑ፡ "ምሕሻሽ ኣይህሉን፣ ሓሻሽነት - ብዓይኒ ምብኻን ገንዘብ ጥራይ ኣይኰነን ዝርአ ንዑደት ገንዘብ'ውን ሓጋዚ እዩ፤ ገንዘብ ክዘውር እንተ ውዒሉ እዩ ኵሉ ተደሪሩ ዝሓድር፡" ብምባል ብቐሊሉ ንክልሰሓሳብ ቍጠባ ዝገልጽ እቲ ክኢላ፤
"እዚ እንተ ዘይሃልዩ - ገንዘብ ተኣሲሩ ዝውዕል ዝሓድር እንተዀይኑ ግን፡ ኵሉ ትካላት ኣይሰርሕን ወይ ይዳኸም፣ ምንቅስቓስ ትካላትን - ንእሽቱ ንግዲ ከይተረፈ - እንተ ተደሪቱ ድማ ጾሙ ሰብ ዝሓድር ይበዝሕ፡" ይብል።
እዚ ነቲ ምስ ዓበይቲ ወፍሪታት ዝተሓሓዝ ዓቢይ ሃገራዊ ቍጠባዊ ኵነታት ናይታ ሃገር ኣብ ግምት ከየእተኻ፡ ምስቲ ብቐሊሉ ምስ መዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ዝተኣሳሰር ምንቅስቓሳት ጥራይ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምዃኑ'ውን የረድእ።
"እቲ ገንዘብ ክቕየር ድዩ ወይስ እቲ ናብ ባንክ ምምላስ ዝብል መምርሒ ጥራይ እዩ?" ዝብል እውን ገና ዘይተመለሰ ሻቕሎት ሕጂ እውን ንህዝቢ የጭንቖ ከም ዘሎ ድማ ይስማዕ።
ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ 10 ዓመት ዘሕለፎ መሪር ተመኵሮ ምቕያር ባጤራን ዝሰዓበ ቀይዲ ኣወጻጽኣ ገንዘብን፡ ነዚ ሓድሽ መምርሒ ብጥርጣረን ፍርሕን ክቕበሎ ኣገዲዱዎ ኣሎ።
ቍጠባዊ ምትእምማን ኣብ ዘይብሉን ኣገልግሎትን ስርዓትን ባንክታት ኣብ ዘይማዕበለሉን ኵነታት፡ ብኣስገዳድ መምርሒታት ጥራይ ንሓደ ቍጠባ ክትቈጻጸሮ ምፍታን መመሊሱ ከም ዘዳኽሞ እዚ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ ተርእዮታት የረጋግጽ።
መምርሒ ባንክ ኤርትራ ን31 ሓምለ 2026 ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ህዝቢ ኣብ መንጎ ስግኣት ምቕያር ባጤራን ስግኣት ተሓታትነትን ተዋሒጡ፤ ነጋዶ ድማ ዘይበላሾ ንብረት ኣብ ምኽዛን ተጸሚዶም ይርከቡ።
እዚ ኣስገዳድ ፖሊሲ፡ ነቲ ዘይወግዓዊ ቍጠባ ንምቍጽጻር ብኽልሰ-ሓሳብ ስርዓተ-ቍጠባ ዝድገፍ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ባይታ ግን ነቲ ዝነበረ ድኹም ናይ ንግዲ ምትእምማን ምሉእ ብምሉእ ዝርምስ ምዃኑ ክኢላታት ይትንትኑ።
እቲ መብዛሕትኡ ብሓዋላ ተደጊፉ ዝናበር ህዝቢ፡ ነዚ ዅሉ ነውጺ ዕድጋ ተጻዊሩ፡ ነቲ ብቐጻሊ እናወሰኸ ዝኸይድ ዋጋታት መዓልታዊ መግቢን ሃለኽቲ ኣቝሑን ጸይሩ ክኸይድ፡ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ምዃኑን ካብ ውሽጢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እዚ ቍጠባዊ ምንዋጽ እዚ ክሳዕ ዝሃድእ፡ ዕዳጋታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ፡ ቍጽጽር ዘይምትእምማን ዕድጋን ክቕጽል ምዃኑ ይግመት።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
