እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብቕትለት ዘውዱ ሃፍቱ፡ ዕድመ ልክዕ ዝተፈርዱ ሰባት ብኸመይ ብነፃ ተለቒቘም?
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ መቐለ ዝተፈፀመ ዘስካሕኽሕ ቅትለት ዘውዱ ሃፍቱ፡ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዶም ዝፀንሑ ክልተ ውልቀሰባት፡ ነፃ ምልቃቘም ኣዘራራቢ ኰይኑ ይርከብ።
እቲ ውሳነ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሰፊሑ ክንቀፍን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ህዝባዊ ቍጥዐ ፈጢሩ ይስማዕን ኣሎ።
ማእከላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ብቕድሚ ትማሊ 28 ሓምለ 2018 ዓ.ም [ግ]፡ ቀዳማይ ተኸሳሲ ያሬድ ገብረስላሰን ካልኣይ ተኸሳሲ ኣንገሶም ሃይለማርያምን ነጻ ክልቀቑ ወሲኑ ኣሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብዚ ውሳነ ዝበጽሐ፡ "ኣብ ቤት ፍርዲ ከም መርትዖ ዝቐርብ ዲጂታላዊ መርትዖ ካብ መዝገብ ከም ዝጠፍአ ምስተረጋገጸ'ዩ" ክብሉ ስድራቤት ዘውዱ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
እዚ "ወሳኒ ዲጂታላዊ መርትዖ" ምስ ተሌፎን ዘውዱ ሃፍቱ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ፕሮፌሰር ሕጊን፡ ንጉዳይ መስርሕ ፍርዲ ዘውዱ ሃፍቱ፡ ኪሮስ ሃይለስላሴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካብ መዛግብቲ ጭብጥታት" ጠፊኡ ዝብል ብሰፊሑ'ኳ እንተ ተዘርበ፡ እቲ ካብ ቤት ፍርዲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ግን ካብዚ ዝተፈለየ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ነባሪት ከተማ መቐለ ዝነበረት ዘውዱ ሃፍቱ፡ ብዕለት 13 ነሓሰ 2015 ዓ.ም [ግ]፡ ምሸት ኣብ ዓዲ ሓውሲ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ኣሸንዳን ዕለተ ልደት መሓዝኣን ከተብዕል ኣብ ዝወጸትሉ ከባቢ እያ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ተቐቲላ።
ማእከላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ብዕለት 4 ሓምለ 2017 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘካየዶ መስርሕ ፍርዲ ንኽልተ ተጠርጠርቲ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ ነይሩ።
ቅትለትን ፍርድን ዘውዲ ብዙሕ ኣቓልቦ ህዝቢ ስሒቡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ኣካታዒ ካብ ዝገበሩ ጉዳያት ካብቶም ተኸሰስቲ ሓደ ዝዀነ ያሬድ ገብረስላሰ - ወዲ ኮሎኔል ገብረስላሴ በላይ፡ ንሱ ክሳብ ቀረባ እዋን ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 22 ዝነበረን ሕጂ ድማ ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ትግራይ ምዃኑ እዩ።
ከምኡ'ውን፡ ኮሎኔል ገብረስላሰ፡ ዘመድ እቲ ካልኣይ ተኸሳሲ፡ ኣንገሶም ሃይለማርያም እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዝተሰየሙ ሰለስተ ደያኑ፡ ተኸሰስቲ ያሬድ ገብረስላሰን ተጋዳላይ ኣንገሶምን፡ ብቕትለት ዘውዱ ሃፍቱ በደለኛታት ከም ዝዀኑ ምስ በየኑ፡ ኣብቲ መጋባእያ ዕግርግር ተፈጢሩ፤ ኣብ ልዕሊ ደያኑ'ውን ምፍርራሕ ስዒቡ ከምዝነበረ ፀብፃባት ይሕብሩ።
እቲ ህሞት ነቶም ንኣስታት ክልተ ዓመት ፍርዲ ንኽወሃብ ፍትሒ ንኽነግስ ክፅበዩ ዝፀንሑ ስድራ ዘውዱ ኣብ ተስፋ ምቝራፅ ዘእተወ፣ መጋባእያ ክብተንን ደያኑ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊኦም ብሰንኪ ዘንፀላለወ ስግኣት ስራሕ ደው ከብሉ ዘገደደን ነይሩ።
ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ብርኪ ውሳነ፡ እቶም ተኸሰስቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኢሎም።
እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ቅኑዕ ምዃኑ ብምግላፅ፡ "ይግባይ ከም ዘየድልዩ" ወሲኑ።
ብድሕሪ'ዚ እቶም ተኸሰስቲ፡ ናብ ሰበር ሰማዒ - ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ከምዘቕረቡ ኪሮስ ይዛረብ።
ሰበር ሰማዒ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ጉዳይ ተቐቢሉ፡ እቲ ቤት ፍርዲ "ነቲ መርትዖታት ክምርምሮ" ኣዚዙ።
"ሰበር ቤት ፍርዲ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ነቲ 'ኦሪጂናል' መርትዖ ኣቕሪቡ ክምርምሮ ኣዚዙ" ይብል ኪሮስ።
እቲ ቤት ፅሕፈት፡ ነቲ ኦሪጂናል ዲጂታላዊ መርትዖ ናብ ቤት ፍርዲ ሒዙ ክቐርብ፣ ድሕሪኡ ክምርመር፣ ሓደ ክኢላ ድማ ሞያዊ መብርሂ ክህበሉ ተኣዚዙ ምንባሩ ኪሮስ የረድእ።
"ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ነቲ መርትዖ ከቕርብ ተሓቲቱ። ይዅን እምበር ካብቲ ትካል ፈደራል ሓቲቱ፡ መርትዖ ከቕርብ ኣይከኣለን" ይብል ኪሮስ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ "ብሰንኪ እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት፡ ካብ ፈደራል ትካል ዲጂታላዊ መርትዖ ዝትርጕሙን ሞያዊ ርእይቶ ዝህቡን ክኢላታት ናብ መቐለ ክመጹ ስለዘይክእሉ" ምዃኑ ተገሊፁ።
ንእሽተይ ሓፍታ ንግዳይ ዘውዱ፡ ብርቱካን ሃፍቱ፡ ብዛዕባ እቲ ብይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፤ ድሕሪ ሕቶ ይግባይ ተኸሰስቲ፡ "ንርእሶም ክከላኸሉ ድዮም ኣይክከላኸሉ ንምውሳን" ቈጸራ ተዋሂቡ ምንባሩ ተዘኻኽር።
ኣብቲ ናይ ረቡዕ መጋባእያ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ግን፡ "ኮሚሽነር ፖሊስ ብዛዕባ ሞባይል ተሌፎን ክገልጽ ክመጽእ ነይርዎ" ዝበለት ብርቱካን፡ እዚ ተሪፉ ግን፡ "ዘጠራጥር ነገር የለን" ብዝብል ክፈትሖም ከምዝወሰነ ወሲኻ ተዛሪባ።
ኪሮስ ከም ዝበሎ፡ ጠበቓታት ተኸሰስቲ "እቲ ጉዳይ ኣብ ዘሎ መርትዖታት ተመርኲሱ ክረአ ኣለዎ" ክብሉ ይምጕቱ።
"እቲ ጉዳይ ፖሊስን ዓቃቢ ሕጊን ከነፅርዎ እንተዘይክኢሎም፡ ብዘሎ መርትዖ መሰረት ክረአ ኣለዎ ኢሎም ተማጒቶም። ዓቃቢ ሕጊ ዝያዳ መርትዖ ክቐርብ ኣለዎ፣ እቲ ምርመራ ክቕፅል ኣለዎ ኢሉ ክምጕት ነይሩዎ። እቶም ዳያኑ ግን እቲ ዘሎ መርትዖ እዅል እዩ ብምባል እዩ ተዋሂቡ" ይብል።
ኮምሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ፡ ካብ ቤት ፅሕፈት ፈደራል ኦርጅናል መርትዖ ከቕርብ እኳ እንተ ተኣዘዘ ኣይቀረበን።
"ፍትሒ ንምርግጋጽ ኵሉ ጻዕሪ ከይተገብረ፡ ንተኸሰስቲ ዝጠቅም መርትዖታት ጥራይ መሰረት ብምግባር ተጻራሪ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። ተወሳኺ መርትዖ ኣይቀረበን" ይብል ኪሮስ።
ከም ኣገላልጻ ኪሮስ፡ እቶም ብረቡዕ ብይን ዝሃቡ ክልተ ዳያኑ፡ "ተኸሰስቲ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኵነት ነጻ ክኾኑ ኣለዎም" ኢሎም ምስ ወሰኑ፡ ሓደ ካብቶም ዳያኑ፡ "ነቲ ዝቐረበ መርትዖ ክከላኸሉ ይግባእ፤ የጠርጥሮም እዩ" ብምባል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ከም ኣገላልጻ ብርቱካን፡ ካብ ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን "ጭብጢ መርትዖ" ከቕርቡ እኳ እንተ ተኣዘዙ፡ "ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ኵነታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብዚ ክመጹ ኣይክእሉን" ዝብል ቤት ፍርዲ ኮምሽን ፖሊስ መቐለ ቀሪቡ ነቲ ጉዳይ መብርሂ ክህብ ኣዚዙ።
ኣብ እዋን መርመራ "ተሌፎን ዘውዱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተላኢኹ" ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፡ "እቲ ኮድ ከምዝተቐየረ፡ ድሕሪኡ ድማ ካልእ ሲም ካርድ ከም ዝኣተዎን፡ ቍጽርን ስእልን ከምዝጠፍአን" ኣረዲኣ።
ብተወሳኺ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዘውዱ "ክሳብ 13 ነሓሰ 2015 [ግ] እቲ ተሌፎን ምሳኣ ምንባሩ፡ "ድሕሪኡ ድማ ኣብ ኢድ እቶም ጥርጡራት" ከምዝነበረ ከምዝተገልፀ ተዛሪባ።
ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ "እቲ ኮድ ምስቲ ኣብ ሞባይል ዘቕረብክምዎ መርትዖ ኣይዛመድን" ብምባል ሕቶ ምስኣልዓለ፡ ኮምሽነር ፖሊስ መቐለ ድማ፡ "ብድሕረይ ተቐይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ" ብምባል መልሲ ከምዝሃበ ገሊጻ።
'ካልኣይ ሞት'
ከም ኣገላልጻ በዓል-ሞያ ሕጊ፡ ኪሮስ፡ "እቶም ጥርጡራት ነታ ሲም ካርድ ኣዋርሕ ቅድሚ ሞት ዘውዱ፡ ካብ ዕዳጋ ከምዝገዝኡዋ እዮም ዝዛረቡ" ይብል።
ከም መጠን ክኢላ ሕጊ፡ "ከቢድ ሕቶታት ዘልዕል ነገር እንተሃልዩ፡ ተወሳኺ መርትዖ ከይቀረበን ከይተመርመረን፡ ከምኡ'ውን ክኢላ ከይቀረበ፡ ኣብ ሓደ መርትዖ ተመርኲስካ ዝተፈላለየ ውሳነ ምውሳኑ'ዩ" ክብል ይገልጽ።
"ነቶም ተጠርጠርቲ ነፃ ንምግባር እንተዘይኰይኑ፡ ንምንታይ እዩ ውሳነ ዝግልበጥ ዘሎ? ውሳነ ተዋሂቡ ዝሓደረ እንድዩ፣ ብዙሕ ሕቶታት ዘልዕል እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ መርትዖ ዝተፈላለየ ውሳነ፣ ተወሳኺ [ጭብጢ] ኣብ ዘይቀረበሉ እዋን፣ ኣብ ፍትሓውነት እቲ መስርሕ ጥርጣረታት የልዕል።"
ወሲኹ ድማ ዓቃቢ ሕጊ ይግባይ ክብል ትጽቢት ከምዝግበር ኣረዲኡ።
ብርቱካን፡ እቲ ናይ ትማሊ ውሳነ ቤት ፍርዲ "ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ከቢድ ፅዕንቶ" ከምዘስዓበ ትዛረብ።
"ካልኣይ ሓዘን እዩ፡ ካልኣይ ሞት እዩ" ትብል።
"ብዘይካ እቶም ብህይወት ንዘለና ንዓኣ እተትርፈሉ ነገር የለን። እቶም ኣብዚ ዝተረፍና ግን ቅሩብ ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ረኺብና ነይርና" ብምባል፡ ስምዒት ናይታ ስድራ ዝትንክፍ ከምዝዀነ ገሊጻ።
"ሕጂ ተፈቲሖም፡ እታ ስድራ ካልኣይ ሓዘን ኣጋጢምዋ ኣሎ። ኣዝዩ ዘሕርቕ እዩ። [ትማሊ] ከም ትኲስ ሓዘን ንበኪ ነይርና።"
ሓፍቲ'ታ ግዳይ - ብርቱካን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማእከላይ ቤት ፍርዲ መቐለ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣብ ዝመሓላለፈሉ እዋን፡ ኣባላት ስድራቤት ኣብቲ ፍርዲ ከይሳተፉ ከምዝተኸልከሉ ገሊጻ።
እቶም ስድራ በቲ ውሳነ "ሕጕሳት ኣይነበሩን" ትብል ብርቱካን።
እቲ ፍጻመ "ናይ ሞት ፍርዲ ከስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ኣረሜናዊ ቅትለት" ምዃኑ ብርቱካን ትዛረብ።
ሓፍታ ድሕሪ ምቕታላ፡ ኣብ ዝነበረ ናይ ክልተ ዓመት መስርሕ ፍርዲ፡ ስድራኣ ናይ ሞት ፍርዲ ክጽበዩ ከምዝጸንሑ እውን ዘኪራ።
ዘውዱ ኣብ መቐለ ማይ ኣንበሳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እያ ተወሊዳ ዓብያ።
ኣብ ስድራኣ ካብ ሰለስተ ቈልዑ በዅሪ እያ ነይራ።
ቅትለት ዘውዱ፡ ንቤተሰባ ዓቢ ሓዘንን ኣስዒቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ መቐለን ክንዮኡን እውን ኣሰንቢድዎ እዩ።
ኣቦኣ ዋርድያ ዀይኑ፡ ኣደኣ ድማ ስዋ ሸይጣ ደቃ ከምዘዕበየት እዩ ዝንገር።
ዘውዱ ካብ ኮሌጅ ዩኒቨርሲቲ ሸባ ብሕሳብ ናይ መጀመርያ ዲግሪ ረኺባ ነይራ።
ሓፍታ ብርቱካን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣቦኣ ድሕሪ ቅትለት ዘውዱ ብጓሂ ከም ዝሞተ ገሊጻ።