ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ናይ 'ጽምዶ' ሓይልታትን መረጻን ዝሃቦ ሓድሽ መግለጺ

ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቅድሚ ማይክሮፎን እናተዛረበ

ምንጪ ስእሊ, OPM Ethiopia

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መበል ሻውዓይ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዓወት ከም ዝተወድአ ዝገለጸ ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት ዕንቅፋት ክፈጥሩ ከም ዝፈተኑ ኣፍሊጡ።

ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ኣርሲ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ ቅትለት "ንጹሃት ዜጋታት" ብምዂናን "ዓሚቚ ሓዘን" ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ በቶም "ሸኔ" ክብል ዝጸውዖም ዕጡቓት ተቓወምቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተፈጸመ ምዃኑ'ውን ቤትጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ጠቒሱ ኣሎ።

"እቶም መጥቃዕትታት [ናይ ኢትዮጵያ] ሃገራዊ ዕብየት ክዕንቅፉ ብዝህቅኑ ኣካለት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝንቀሳቐሱ ናይ ውሽጢ ሃገር ተቓወምቲ ጕጅለታት፡ ከምኡ'ውን ናይታ ሃገር ኵለንተናዊ ዕብየት ጽልኢ ዘለዎም ሓይልታት ወጻኢ ብጥምረት ዝተገብሩ እዮም፡" ክብል እቲ መግለጺ ይኸስስ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበትን ሰኑይን ኣብ ክልተ ወረዳታት ምብራቕ ኣርሲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ከም ዝሞቱን ሓደ ቤተክርስትያን ከም ዝተቓጸለን ይግለጽ። ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማቲያስ "ልብና ደምዩ" ብምባል ነቲ መጥቃዕቲ ኰኒኖሞ ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልተ ካብተን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ክልላት ናይታ ሃገር - ኣምሓራን ኦሮምያን - ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብውሽጣዊ ግጭት ይሕቈና ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብ ኣምሓራ ዘለዉ ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦላ)ን ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ምውጋእ ቀጺሎም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ክሞቱን ካብ መረበቶም ክመዛበሉን ገይሩ እዩ።

ብተወሳኺ መገለጺ ኣቢይ፡ "ሓይልታት ጥፍኣት" ክብል ዝገለጾም ብስም ዝተገልጹን ዘይተጠቕሱን ተቓወምቲ ንመስርሕ ምርጫ እታ ሃገር ንምትዕንቓፍ፡ መስመራት መጓዓዝያ ብምዕጻውን ድብያታት ብምጽዋድ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ገለ ቦታታት ንጽል መጥቃዕትታት ንምፍጻም፡ "ናይ ጥፍኣት ኣእዳው ዘርጊሖም፡" ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ብኻልእ ወገን፡ እቶም ሓይልታት ጥፍኣት ምስ ባዕዳውያን 'ጽምዶ' ዝብል ምትእስሳር ብምፍጣር እኩይ ዕላማኦም ንምዕዋት ሰፊሕ ናይ ጥፍኣት ምድላዋት ክገብሩ ጸኒሐም እዮም።"

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ምስ ኣዲስ ኣበባ ናብ ምትፍናን ዝኣተዉን ኣብ ኲናት ትግራይ ክልተ-ዓመት ኣንጻር ሓድሕዶም ደው ኢሎም ዝነበሩን መራሕቲ ትግራይን ኤርትራን ዘይወግዓዊ 'ጽምዶ' ብምፍጣር ምቅርራብ ፈጢሮም ምህላዎም ይፍለጥ።

ሰብመዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ መራሕቲ ህወሓት ምስ ኣስመራ ዘካይድዎ ዘለዉ ርክባት ጸረ ረብሓታት ሃገሮም ምዃኑ'ዮም ዝምጕቱ።

ብወገን ኤርትራ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ምስ ህወሓት ዝግበር ርክባት ብወግዒ ዝተገልጸ ነገር የሎን።

ኤርትራ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይና እኳ እንተ ተሰለፈት፡ ካብ 2023 ጀሚሩ ግን ዝምድናኦም ሻሕኪሩ እዩ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ብዘሕደሮ ድሌት እዩ።

ህወሓት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ንኽልል ትግራይ ናብ ዳግማይ "ዕጽዋ" የእትዋ ከም ዘሎ ብምኽሳስ፡ ከም ሳዕቤኑ ማሕበራውን ቊጠባውን ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኣብታ ሃገር ናብ ዘለዉ ኤምባሲታትን ዓለምለኻዊ መሻርኽትን ዘነጻጸረ፡ "ህጹጽ ጻውዒት ኣንጠጥዩ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ንምውጋድ" ብእንግሊዝኛ ዝወጽአ መጠንቀቕታ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዙርያ ትግራይ ይተኣኻኸቡ ከም ዘለዉ ይገልጽ።

እቲ "ናብ ዲፕሎማስያዊ ልኡኻትን ዓለምለኻዊ መሻርኽትን" ብዝብል ዝወጽአ ጽሑፍ፡ ወግዓዊ ማሕተም እኳ እንተ ዘይሃለዎ፡ ወሃቢ-ቓል ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ህወሓት ኣቶ ሚኪኤለ ኣስገዶም ግን፡ እቲ ጽሑፍ ብህወሓት ዝወጽአ ምዃኑ ንቢቢሲ ብተለፎን ኣረጋጊጹ።

"ሃገራዊ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከባቢ ዶባት ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መጠነ-ሰፊሕ ምውድዳብ ነቲ ጸበባ የጋድዶ ኣሎ" ዝብል መግለጺ መቐለ፡ ንጹር መርትዖታትን ይዅን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ ቀደም ኣትሒዞም ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንጻር ዕጡቓት ፋኖ ክዋጋእ ዝጸንሐ'ዩ።

ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ዘየድሊ ረጽሚን ግጭትን ከየምርሕ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።

ገለ ወተሃደራዊ ተንተንቲ እታ ሃገር ግን፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ዳርባ ቃላት ካብ ፕሮፖጋንዳ ዝሓልፍ ከም ዘይኰነ'ዮም ይምጕቱ።

እንተዀነ፡ እቲ ምትፍናን ዛጊት ኣብታ ክልል ቀሊል ዘይኰነ ማሕበረ-ቍጠባዊ ጸገማት ኣስዒቡ ምህላዉ'ዩ ዝግለጽ።

ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, Woyen

መግለጺ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ'ውን፡ "ብዛዕባ ሓቅነት ናይቲ መረጻ ሕቶ ንዘልዕል ዝዀነ ኣካል ዘየወላውል ምላሽ ሂቡ ኣሎ፡" ይብል።

ኣብቲ መስርሕ፡ ካብ 10,400 ንላዕሊ ን42 ፖለቲካውያን ሰልፍታት ወኪሎም፡ 80 ድማ ብውልቆም ዝተሳተፉ ሕጹያት ንሃገራውን ክልላዊ ባይቶታትን ከም ዝተወዳደሩ'ውን ጠቒሱ'ሎ።

እቲ ምርጫ ንተቓወምቲ ማዕረ ዕድልን ሓርነትን ዘይሃበ ምንባሩ ንዝነቕፉ ወገናት'ውን ምላሽ ሂቡ።

"ኣቐዲሙ ውጽኢቱ ዝተወሰነ እንተ ዝነበር፡ ካብ 37 ሃገራት ዝተዋጽኡ 83 ናጻ ተዓዘብቲ፡ 65,299 ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘለዋ ስቪካውያን ማሕበራት ዝወከሉ ተዓዘብቲ ወይ 1,100 ኣፍልጦ ዝተዋህቦም ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ምዕዳም ኣይመድለየን ነይሩ፡" ይብል።

እንተዀነ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ሰብመዚ ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ማእሰርትን ምስዋርን ዝርከብዎም ምግሃስ መሰላት ክፍጽሙ ከም ዝጸንሑ'ዮም ዝኸሱ።

እቲ ውጽኢቱ ገና ዘይተገልጸ ሃገራዊ ምርጫ ሰፊሕ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን፡ ከምኡ'ውን ክልል ትግራይ ብዓቢኡን ዘይተሳተፍዎ'ዩ ነይሩ።