ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?

ምንጪ ስእሊ, ECSS
ሓይሊታት ሑቲ የመን ኣብዚ እዋን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ሓያለ ከባቢታት ቀይሕባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ "ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን፡" ብምባል ርእይቶኡ ሂቡ።
ምኒስተር ዑስማን፡ ካብ ኣስመራ ምስቲ ዓቢይ ማዕከን ሓበሬታ ሚድል ኢስት-ኣይ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭት የመን ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ" ብምግላጽ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ስትራተጅያውያን ማያዊ መሕለፊታት ዓለም "ቍጽጽር ንምግባር ውድድር እናሓየለ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ሓይልታት ወጻኢ ድሌቶም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ክጽዕኑ ከም ዘይብሎም" ኣጠንቂቑ።
እቲ ኤርትራዊ በዓል ስልጣን፡ የመን ካብ ቀጻሊ ኲናት ብዝያዳ፡ ብፖለቲካዊ መዳይ ሰላም ንኸተረጋግጽ ዕድል ክወሃባ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ክብል እውን እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።
ኤርትራ በቲ ንቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዘራኽብ ጸቢብ ማያዊ መሕለፊ ባብ ኤል-መንደብ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ስክፍታ ከም ዘለዋ ተንተንቲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ብወገን ኤርትራ ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶ፡ ምንቅስቓስ ሑቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ብዘርኣይዎ ገስጋስ፡ ሚዛን ወተሃደራዊ ሓይሊ የመን ብዓቢኡ ኣብ ዝተቐየረሉ እዋን እዩ።
ሑቲ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ንመብዛሕትኡ ኣብ መንጽር ኤርትራን ጅቡትን ዝርከብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመን ምስ ሓያሎ ስትራተጅያውያን ደሴታትን ወደባትን ይቈጻጸሩ ከም ዘለዉ እዩ ዝንገር።
ኣቶ ዑስማን፡ ብዛዕባ መጻኢ ምሕደራ ማያዊ ጕዕዞ ቀይሕ ባሕሪ ዝግበር ዘተ፡ በተን ምስኡ ዝዳወባ ሃገራት ክምራሕ ከም ዝግባእ እውን ገሊጹ። ይዅን እምበር፡ እቲ ፖለቲካዊ ምብትታን የመን ነዚ ጻዕርታት እዚ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ከም ዝገብሮ ኣሚቱ።
"እቲ ወግዓዊ መንግስቲ ዝዀነ ቍጽጽር የብሉን። 'የመን' እትበሃል ሃገር የላን፡" ዝበለ ኣቶ ዑስማን፡ ነቲ ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ዘስዓቦ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምክፍፋል እታ ሃገር ኣመልኪቱ።
ኤርትራ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ልዕሊ 1,000 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ብምሓዝ ኣዝዩ ስትራተጅያዊ ዝዀነ ኣቀማምጣ እትውንን ሃገር እያ።
ምስ ጅቡትን የመንን ብሓባር ድማ፡ ኣብቲ ርኡይ ክፋል ዓለምለኻዊ ንግድን ቀረብ ጸዓትን ዝሓልፈሉን ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጽዑቓት መስመራት መራኽብ ዓለም ዝዀነን መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ትዳወብ።
ኤርትራ ምስ የመን፡ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኣትሒዙ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጥቡቕ ጂኦግራፍያውን ታሪኻውን ርክባት ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ግና ወትሩ ክብ-ለጠቕ ክብል ጸኒሑ እዩ።
ኣብ መፋርቕ 1990ታት፡ ኤርትራን የመንን ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከባ ደሴታት ሓኒሽን ዙቑርን ብዝተልዓለ ጕዳይ ዶብ፡ ሓጺር ግን ወጥሪ ዝመልኦ ግጭት ኣካይደን እየን።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ እተን ደሴታት ልዑላውነት ብምእዋጀን፡ ኣብ 1995 ናብ ኲናት ኣትየን ነይረን። እቲ ምስሕሓብ ኣብ 1998 ብዓለምለኻዊ ሽምግልና ዝተፈትሐ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ክፋል ደሴት ሓኒሽ ንየመን ክወሃብ እንከሎ፡ ኤርትራ ድማ ንገለ ንኣሽቱ ደሴታት ክትዕቅብ ክኢላ እያ።
እቲ ብይን ነቲ ግጭት ናብ ዝሰፍሐ ኲናት ከየምርሕ ዝዓገተ ኰይኑ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝጸንሐ ስትራተጅያዊ ተነቃፍነት እናሃለወ ክነሱ፡ ንዝመሓየሸ ዲፕሎማስያዊ ርክባት መሰረት ዘንጸፈ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።
ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ሓድሕድ የመን፡ እዚ ርክብ ሓድሽ ኣገዳስነት ረኺቡ። ኣብ 2015፡ ኤርትራ ነቲ ኣንጻር ሑቲ ዝዋጋእ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ኣገዳሲት መሻርኽቲ ኰይና ቀሪባ።
እቲ ኪዳን ንወደብ ዓሰብን ንመዓርፎ ነፈርትን ሎጂስቲካዊ ማእከል ብምጥቃም ኣብ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ተፈቒዱሉ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ዓሰብ ነቲ ኪዳን ኣብ የመን ንዘካይዶ ዝነበረ ንጥፈታት ወሳኒ መበገሲ ነቝጣ ኰይና ነይራ፤ እዚ ድማ ንስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኤርትራን ናብቲ ዞባ ኲናት ዘለዋ ቅርበትን ዘጕልሕ እዩ ነይሩ።
እዚ ኰይኑ፡ እቲ ዞባዊ ኵነታት እናተቐያየረ እኳ እንተኸደ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ የመን ወተሃደራዊ ዓወት ክጽበዩ ከም ዘይብሎም ኣብዚ እዋናዊ ርእይቶኡ ኣነጺሩ'ሎ።














![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


