እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዝስኣነትሉ መገዲ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ቀጥታዊ ተበጻሕነት ዝተቛረፀሉ መገዲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ መንግስቱ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዎ ድልየት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ንሱ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝጀመረ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ መኽፈቲ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ እዋን፡ ውሽጣዊ ድኽመታትን ኣፈላላያትን እታ ሃገር "እስርቲ ጂኦግራፊ" ክትኸዉን ከም ዝገበራ ተዛሪቡ።
"ኣብዚ ጕዕዞ ብናትና ስንፍና፡ ቀይሕ ባሕሪ ዝስኣንናሉ ኣጋጣሚ፡ ሓደ መግለጺ እዚ እከይ ታሪኻዊ ክስተት'ዩ፡" ኢሉ።
ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ውሳነታት "ዘይተመርፀ መንግስቲ" ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ተበፃሕነት ከምዝሰኣነት ተዛሪቡ።
ኤርትራ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተደገፈ ህዝባዊ ውሳነ፡ ዓብላሊ ድምፂ ድሌት ናፅነት ስዒቡ፡ ግንቦት 1993 ብወግዒ ናጽነታ ኣዊጃ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ብኢህወዴግ ዝዕብለል፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ዀይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር 'ዘይተመርፀ መንግስቲ' ብዝብል ዝጠቕሶ ዘሎ ነዚ ኣጋጣሚ ከምዝዀነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ ነዚ ጉዳይ ወደብ ከልዕሎ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ብ2024 ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ኣካታዒ ሰነድ ምርድዳእ ካብ እትፍርም ንድሓር፡ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ እናጋደደ መጺኡ ኣሎ።
ብፍላይ፡ ሕቶ መሰል ዋንነት ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ከም "ኣዋጅ ኲናት" እትቘጽሮ ኤርትራ፡ ምስታ ሃገር ዘለዋ ርክባታ ክሕርፍፍ ገይሩዎ ይርከብ።
ኣብይ ግን ኣብቲ መደርኡ፡ ሃገሩ ንኣሽሓት ዘመናት ዘመሓደረቶ ቀይሕ ባሕሪ ዝስኣነትሉ ቀንዲ ምኽንያት "ኣብ ውሽጥና ዘሎ ስንፍና እምበር ረብሓን ድልየትን ኢትዮጵያ ደው ከብል ዝኽእል ሓይሊ ስለ ዝነበረ፡ ስለ ዘሎ ወይ ስለ ዝህሉ ኣይኰነን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ብሽም ዘይጠቐሰን፡ ንዘመናት ኣንፃር ኢትዮጵያ "ስምዒት ጽልኢ ኣለዎም" ኣለወን በለን ሃገራት፡ ኣብ ታሪክ "ዕድልን ግዜን ሓልዮም ጣልቃ እናኣተው ድልየታትና ከይንፍጽም ዝገብሩ ሓይልታት ኣለው፡" ክብል ከሲሱ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ሚያዝያ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ሕቶታት ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህሉው ኵነታት ብምትእስሳር፡ "እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት፡ ንህዝቢ ካብቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ሕማቕ ምሕደራን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላዋት ንምጥምዛዝ፡ 'ህልውናዊ ኣገዳስነት'ን 'ጸጥታ'ን ዝብሉ ናይ ፈጠራ ዛዕባታት ከም ናይ 'ሃገራዊ ስኒት' ስልቲ ይጥቀመሉ ኣሎ፡" ኢሉ።
ውግእ 1998 ኢትዮ-ኤርትራን፡ ምዕጻው ዶብ ክልቲኤን ሃገራትን ስዒቡ፡ ኢትዮጵያ ካብ ወደባት ዓሰብ ክትርሕቕ ከላ፡ ወደባት ጐረቤት ሃገር ጅቡቲ ንንግዳዊ ምንቅስቓሳት ኣታውን ወጻእን ክትጥቀም ጸኒሓ ኣላ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈለላዩ እዋናትን መድረኻትን ንዝህቦም መግለጺታት ምርኩስ ብምግባር፡ ዋንነት ኣፍ-ደገ ባሕሪ መሊሱ ንምርካብ ሓይሊ ክጥቀም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ንሱ ግን፡ "ኢትዮጵያ ንዝዀነት ሃገር ወሪራ ኣይትፈልጥን፤ ኣብ መጻኢ'ውን ኣይክትገብርን እያ፡" ብምባል እቲ ዓላማኡ ብሰለማዊ መጊዲ ከዕውት ከምዝደሊ እዩ ዝዛረብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ብብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ግን ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኰይና፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ዋንነት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንሃገሩ ናይ ህልውና ጉዳይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ካብ ኤርትራ፡ ኣንጻር መግለጺታት ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ወቐሳን ምላሽን ዝወሃብ ኰይኑ፡ ብመገዲ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዝወሃቡ መግለጺታት "ኣብ'ዚ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ማያትን መሳዂቲ ባሕሪን ዝበሃሉ፡ እልቢ የብሉን" ብምባል ክነጽጎም ጸኒሑ ኣሎ።
ኤርትራ ነቶም ካብ ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ላዕለዎት ሰብስልጣን ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ዝወሃቡ መግለጸታት፡ ኣንጻር ልኣላውነት ከም እትቘፅሮም ክትገልፅ ፀኒሓ ኣላ፤ ነዚ ስዒቡ ርክባት እተን ሃገራት ናብ ዓᎁቕ ወጥሪ ኣምሪሑ ይርከብ።
ኣብ ዓለም 44 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። ካብኣተን እታ ምስ ሃገራት ሩስያ፡ ቻይና፡ ኤዝበኪስታንን ቱርከሚኒስታንን እትዳወብ ካዛኪስታን እታ ዝዓበየት ብመሬት ዝተኸበት ሃገር እያ።
ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ 16 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። እታ 1.284 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎ ሜተር ስፍሓት መሬትን ልዕሊ 15 ሚልዮን ብዝሒ ህዝብን ዘለዋ ሃገረ ጫድ ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኣብታ ሃገርን እቲ ዞባን ዘለው ጸጋታት፡ "ብፍቓድና ክንካፈል ድሉዋት ኢና፡" ክብል ከሎ፡ ካብኡ ወጻእ ግን ኢትዮጵያ "ረብሕኣ ኣሕሊፋ ክትህብ እያ ኢልካ ምሕሳብ ከንቱ ተምኒት ስለ ዝዀነ ንሓበራዊ ረብሓ ብሓባር ክንሰርሕ ይጽውዕ፡" ክብል ተዛሪቡ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ተበፀሕነት ከምዘድልያ፡ ንነዊሕ እዋን ክምጉት ጸኒሑ'ዩ።