ትጽቢት 22 ዓመታት፡ ኣርሰናላውያን ንዓወቶም ከመይ ጸንቢሎምዎ?
እዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት ንተጻወትተን ደገፍቲ ኣርሰናልን ቀለልቲ ዓመታት ኣይነበራን፤ ብዙሕ ግዜ ካልኣይቲ እናወጽአት 'ሰኽራም ገዛኡ ኣይጠፍኦን'ዩ' እናተብሃሉ ካልኣይ'ምበር ቀዳማይ ምውጻእ ናቶም ከምዘይኰነት ተባጭይሎም'ዩ።
እዚ ግን ትማሊ መኸተምታ ተገይሩሉ፤ ስለዚ'ዩ ትማሊ ሰሉስ ንተጻወተቲ ኣርሰናልን ንደገፍታን ፍልይቲ ምሸት ዝግበራ።
ስእሊ ንምሃብ፡ ኣርሰናል ሓንቲ ጸወታ ተሪፋታ ብ82 ነጥቢ ኣብ ቅድሚት፡ ማንቸስተር ሲቲ ከኣ ነታ ናይ ትማሊ ጸወታኣ ሓዊስካ ክልተ ጸወታ ተሪፍዋ 77 ነጥቢ ሒዛ'ያ ትማሊ ምሸት ናብ በርንማውዝ ገይሻ።
ማንቸስተር ምስ እትዕወት፡ ምስ ኣርሰናል ዝህልዋ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ናብ ክልተ ስለዝወረድ ሰንበት ዝካየድ ወሳኒ ጸወታ ምጽባይ ግድን ይኸውን።
ማንቸሰተር ሲቲ ምስ በርንማውዝ ኣብ እትገብሮ ጸወታ ምስ እትስዓር ወይ ማዕረ ምስ እትወጽእ ግን ኣርሰናል ብቐጥታ ሻምፕዮን ዝገብር ጸወታ'ዩ ነይሩ።
ተጻወትቲ ኣርሰናል ብሓባር ኰይኖም'ዮም ነዚ ጸወታ ተኸታቲሎሞ፡ ደገፍቲ መድፍዐኛታት'ውን ብተመሳሳሊ ልዕሊ ደገፍቲ በርንማውዝ'ዮም ክድግፍዋ ኣምስዮም።
ከነሕጽሮ፡ በርንማውዝ ኣቐዲማ ሸቶ ኣመዝጊባ፤ ጸወታ ኣብ ምውድኡ ከኣ ሃላንድ ማዕረ እትገብሮም ሸቶ ኣመዝጊቡ ጸወታ በዚ ስለ ዝተዛዘመ ግን ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመታት ሻምፕዮን ኰይና ተጻወትታን ደገፍታን ኣብ ጽንብል'ዮም ሓዲሮም።
ደገፍቲ ኣርሰናል በርንማውዝን ማንቸስተር ሲቲን ኣብ ዝጻወታሉ ዝነበራ እዋን ኣብ ከባቢ ስታድዮም ኣርሰናል ኢማራትስ ኣብ ዘለዋ ክለባት ተኣኪቦም'ዮም ነቲ ጸወታ ብኣንክሮ ተኸታቲሎሞ።
ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዓዲ እንግሊዝ ናይ መወጻእታ ፊስካ ምስ ተነፈሐት ከኣ ኣብ ሰሜን ለንደን ናይ ሓጎስ ፈንጠዝያ ተጀሚሩ።
መኸተምታ ትጽቢት 22 ዓመታት ዘግሃደ ጽንብል።
ተጻወትቲ ኣርሰናል'ውን ኣብ ማእከል መሰልጠኒ እታ ጋንታ ኰይኖም'ዮም ነቲ ጸወታ ብሓባር ተኸታቲሎሞ።
ብሓጎስ ከኣ "Campeones, Campeones, Ole Ole Ole!" ክጭድሩ ኣምስዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓለቓ ጋንታ ኣርሰናል ደክላን ራይስ፡ ብማንቸስተር ሲቲ ምስ ተሰዓሩ "ገና ኣይተወደአን [it's not done]" ኢሉ ንተጻወትቲ ፍናኖም ከበርኽ ዝፈተኖ፡ እንሆ ብሓቂ ከኣ እቲ ጸወታ ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ከም ዘይተወደአ ትማሊ ተራእዩ።
ራይስ ትማሊ ጸወታ ምስ ተዛዘመን ኣርሰናል ዋንጫ ከም ዝወሰደታ ምስ ተረጋገጸን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ሕጂ ተወዲኡ [It's done]" ኢሉ 'ፖስት' ገይሩ።
ብሓቂ ከኣ ብዓወት ኣርሰናል ተወዲኡ'ዩ።
ኣሰልጣኒ ሚከል ኣርቴታ ኣብ ኣርሰናል ብዘይ ዋንጫ ንሸውዓተ ዓመት ድሕሪ ምስልጣን'ዩ ነዛ ዋንጫ ክወስዳ ክኢሉ። እዚ ከኣ ሓደ ኣሰልጣኒ እኹል ግዜ እንተ ተዋሂብዎ ዓወት ከምጽእ ከም ዝኽእል ዘርኢ'ዩ።
ኣብ ፕረሚየር ሊግ ሓላዊ ልዳት ኰይኑ ዝተጻወተ ፖል ሮቢንሶን ምስ ቢቢሲ ራድዮ 5 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት "ኣርቴታ ኣብዛ ጋንታ ነዊሕ'ዩ ጸኒሑ፡ ንሓደ ኣሰልጣኒ ክትህቦ እትኽእል ዝበለጸ ህያብ ከኣ ግዜ'ዩ" ኢሉ።
"ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ክትህቦም [ንኣሰልጠንቲ] ትኽእል ኢኻ እቲ ሰልዲ ግን ኣብ ጋንታ፡ ኣብ ጸወታ፡ ኣብ መቐየሪ ክዳን ናብ ዓወት ዘብጽሓ መንፈስ ኣብ ምዝራእ'ዩ ክውዕል ዘለዎ፣ ንኣሰልጣኒ እኹል ግዜ ምሃብ፡ እዚ ከኣ እኹል መርትዖ'ዩ" ኢሉ።
ሕጂ ሕልሚ ደገፍቲ መድፈዐኛታት ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ'ዩ
ተጻወትቲ ኣርሰናል ኣብ 2003-2004 ከይተሰዓሩ ዋንጫ ምስ ዓተሩ፡ ካልአይቲ ጽዋእ ንምዕታር ኣስታት ርብዒ ዘመን ክወስደሎም'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን።
ደጋፊ መድፈዐኛታት ማት ኣብ ቢቢሲ ስፖርት ላይቭ 5 ኣብ ዝስፈሮ ጽሑፍ "ተመርዕየ፡ ወሊደ ወደይ'ውን ኮተቴ ኰይኑ ኣሎ፣ ተፋቲሐ፡ እዚ ዅሉ ኣርሰናል ኣብ 2004 ዋንጫ ድሕሪ ምውሳዳ ዝዀነ'ዩ" ኢሉ።
ካልእ ባሪ ዝተባህለ ደጋፊ መድፍዐኛታት'ውን "ኣርሰናል ከይተዓወተት ኣይሰትዮን'የ ኢለ ዝዓቀብክዎ ቢራ ነይሩ፣ መዓልቲ ካብ ዘሕልፍ ከኣ ሓሙሽተ ዓመታት ገይሩ ኣሎ፤ ክሰትዮ'የ ጽቡቕ ዕድል ተመነዩለይ፡" ኢሉ።
ደገፍቲ ኣርሰናል ከምቲ መኾርመዪ ዝረኸበስ መሳፍሒ ነይስእን ዝብሃል፡ ጽንብል ፕሪሚየርሊግ ከይዛዘሙ ናብቲ ጋንታኦም ኣብ 30 ግንቦት ኣንጻር ፒኤስጂ ተካይዶ መዛዘሚ ጸወታ ቻምፕዮንስ ሊግ ከማዕድዉ ጀሚሮም ኣለዉ።
ደጋፊ ኣርሰናል ችሎአ ምስ ቢቢሲ ራድዮ 5 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ርግጸኛ'የ ክንዕወት ኢና፡ ፒኤስጂ ከበድቲ መጋጥምቲ'ዮም ግን እቲ ጽምኢ ናይ ዋንጫ ምሳና ስለዘሎ ግዜና'ዩ መዓልትና ክትከውን" ኢሉ።
ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽትታት
ኣርሰናል ነዛ ዋንጫ ምስ ተዓወተትላ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓያለ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽትታት'ዩ ዝውሕዞም ዘሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ሰር ኬር ስታርመር ሓደ ካብቶም ደገፍቲ ኣርሰናል ኰይኑ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "22 ዓመታት ትጽቢት ንኣርሰናል፡ ኣብ መወዳእታ ግን ናብቲ ዝግብኣና ተመሊስና ኣለና፡ ሻምፕዮን ኢና" ኢሉ።
ከንቲባ ከተማ ለንደን ሳዲቕ ከሃን'ውን "ኣርሰናል እንቋዕ ሓጎሰና! ኣርሰናል ን22 ዓመታት ተሰሪሓ ኣብ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት እታ ቀዳማይቲ ካብ ለንደን ነዚ ዋንጫ ክትዕወተሉ ዝኸኣለት ጋንታ ኰይና ኣላ" ኢሉ።
ሸውዓት ግዜ ኣብ ውድድር ፎርሙላ ዋን ሻምፕዮን ክኸውን ዝኸኣለ ለዊስ ሃሚልቶን ኣብ ኢንስታግራም፡ መድፈዐኛታት ንዓወቶም እናጸንበሉ ዘርኢ ስእሊ ኣሰንዮ "Come On You Gunners." ብምባል እንቋዕ ሓጎሰና ኢሉ።
ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፔፕ ጓርድዮላ ጋንታኡ ምስ በርንማውዝ ማዕረ ድሕሪ ምፍልላያ፡ ኣርሰናል ከም ዝተዓወተት ስለዝተረጋገጸ ንኣርቴታ እንቋዕ ሓጎሰካ ኢልዎ።
"ቀሪብና ኢና ኔርና፡ ብስም ማንቸስተር ሲቲ ንኣርቴታ፡ ንስታፋቱ፡ ንተጻወትቲን ንደገፍትን ዋንጫ ብምዕዋቶም እንቋዕ ሓጎሰኩም እብሎም! ይግብኦም'ዩ፡" ኢሉ።

![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


