'ንኣደይ ዘታለላ ሰብ ንምርካብ ኣህጉራት ሰጊረ ተጓዒዘ፡ ዝረኸብክዎ ግን ካልእ እዩ'

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

"ብሉጻት ወይ ብልህታት ኰይኖም ኣይረኸብኩዎምን... እዚ ድማ ኣዝዩ ኣገሪሙኒ።"

ካርሎስ ባራጋን፡ ነቲ ንኣደኡ ብፍቕሪ ኣሳቢቡ ዘታለላ ሰብ ንምርካብ ናብ ናይጀርያ ምስ ተጓዓዘ፡ ሓደ ብሉጽን መስተውዓልን ጕሒላ ክረክብ እዩ ተጸብዩ ነይሩ።

እቲ ብኢመይል ዝለኣኸሉ ዝነበረ ናይ ኣይ-ፒ ኣድራሻ፡ እቲ ሰብ ከም ዝበሎ ኣብ ሶርያ ዘሎ ወተሃደር ኣመሪካ ዘይኰነስ፡ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ምዃኑ ኣቐዲሙ ኣረጋጊጹ ነይሩ እዩ።

ይዅን'ምበር፡ ካርሎስ ኣብ ክንዲ ምኩር ገበነኛ ዝረክብ፡ ነቶም 'ያሁ ቦይስ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ናይጀርያውያን መንእሰያት ጐሓላሉ ንምርዳእ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ጕዕዞ ክገብር ተገዲዱ።

እዞም መንእሰያት መብዛሕትኦም ትምህርትን ገንዘብን ዘይብሎም፡ ከምኡ'ውን ውሑድ ዕድል ስራሕ ዘለዎም እዮም።

እዚ ተመኵሮ'ዚ፡ ነቲ ካርሎስ ብዛዕባ እቶም ንኣደኡ ዘታለሉ ሰባት ዝነበሮ ግምት ዝቐየረ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ብዛዕባ ዘሎ ጽምዋ ዘስዕቦ ሳዕቤን ስምዒት'ውን ክሓስብ ገይሩዎ ኣሎ።

ምስ "ብራያን" ዝተገብረ ሌላ

ካርሎስ ንኣደኡ ከም ሓያልን ርእሳ ዝኸኣለትን ሰብ ገይሩ እዩ ዝገልጻ። ንሳ ንፍዕቲ ሓኪም ስኒ ብምዃና፡ ብቐሊሉ ብሰባት ትታለል እያ ኢልካ ዝግመት ኣይነበረን።

ስለዚ ድማ እዩ ካርሎስን ኣሕዋቱን ኣደኦም ብምትላል ትጥቃዕ ከም ዘላ ምስ ተጠራጠሩ ዝሰንበዱ።

እቲ "ብራያን" ንዝተባህለ ናይ ፍቕሪ መጻምድታ ዝጸሓፈቶ ኢመይል ግን ስለምንታይ ናብ ከምኡ ከም ዝተቓልዐት ዘርኢ እዩ ነይሩ።

"ኵሉ ግዜ ንሰባት ክከናኸን እየ ጸኒሐ፤ ሕጂ ድማ ዝከናኸነኒ ሰብ እዩ ዘድልየኒ፡" ዝብል ሓሳብ ነይሮዎ።

ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ካርሎስ እታ ዝተፋትሐት ኣደኡ ብጽምዋ ትሳቐ ከም ዘላ ስለ ዘስተውዓለ፡ 'ቲንደር' ዝተባህለ ሰባት ዘራኽብ መርበብ ክትጥቀም ኣተባቢዕዋ ነይሩ።

ኣብኡ ድማ ምስቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ወዲ 50 ዓመት ወተሃደር ምዃኑ ዝገለጸላ መልክዐኛ ኣመሪካዊ ተላለየት።

ሓደ ካብ ኣሕዋት ካርሎስ፡ ናይ ቀደም ወተሃደር ብምዃኑ፡ ብኡንብኡ "እዚ ምትላል እዩ" ብምባል ንኣደኡ ኣጠንቀቓ።

ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚራ ብዛዕባ እቲ ርክብ ምስኦም ምዕላል ኣቋረጸት፤ ሓድሓደ ግዜ ግን ነቲ ብራያን ዝሰደላ ዝነበረ ፍቕራዊ መልእኽትታት ንካርሎስ ተርእዮ ነይራ።

ብራያን 'ክቡር ዝዀነ ወርቂ ክሰድድ እየ' ዝብል ተስፋ ምስ ሃበ፡ እቲ ነገር ኣብ ሞንጎ እታ ስድራቤት ዓቢ ዘይምርድዳእ ፈጠረ።

ኣደኡ ክልተ ቀለቤት ሒዛ መጺኣ፡ "ብሓባር ክንነብር ኢና" ምስ በለቶም ግን ካርሎስ ስጕምቲ ክወስድ ወሰነ።

እቲ መልእኽትታት ካብ ሌጎስ ይለኣኽ ከም ዘሎ ዘርኢ መርትዖ ምስ ኣርኣያ፡ ንሳ ብዙሕ ኣይተዛረበትን፤ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ግን ነቲ መልእኽትታት ደምሰሰቶ። ይዅን'ምበር፡ ኣዝያ ጕህያ ነይራ።

ካርሎስ ኣደኡ ብጽምዋ ክትሳቐ ምርኣዩ፡ ናብ ናይጀርያ ከይዱ ነቲ መንነቱ ዘይፍለጥ መታለሊ ንምድላይ ደረኾ።

ዓለም 'ያሁ ቦይስ'

ካርሎስ ናብ ናይጀርያ ምስ ከደ፡ "ቢጊ" ብዝተባህለ ከምኦም ተሓጊዙ ኣብቲ ጽዑቕ ከባቢ ሌጎስ ዝዀነ ኢኮቱን ተዘዋዊሩ።

ቢጊ ንፉዕን "ዘይሕለል" ሰብን እዩ ነይሩ። ካርሎስ ምስ ቢጊ ብዙሕ ግዜ ብሓባር ብምሕላፉ፡ ከም ዝፈተዎ ተገንዚቡ።

"ከምዚ ዝበለ ንፉዕ ሰብ ከመይ ገይሩ ለይቲ ምሉእ ምስ ዝጸመዎም ሰባት እናተዛረበ ዘታልል ዓማጺ ይኸውን?" ኢሉ ይሓስብ ነይሩ።

ኣብቲ ጕዕዞ፡ እዞም 'ያሁ ቦይስ' ዝተባህሉ ሰባት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምዃኖም ተገንዚቡ።

ካርሎስ ኣብ ማእከል 240 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደ ፍሉይ መታለሊ ክረክብ ከም ዘይክእል ስለ ዝተረድኦ፡ ብዛዕባ ህይወቶም ንምጽናዕ ወሰነ።

ሓደ ካብቶም መንእሰያት ጐሓላሉ፡ ንሓንቲ ሰብ ብምትላል 25 ትኬት ነፋሪት ከም እትገዝእ ገይሩዋ።

ካብታ ሰብ ዝረኸቦ ናይ መጀመርታ 300 ኤሮ፡ ካብቲ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ፋብሪካ ሰሪሑ ዝረኸቦ ገንዘብ ንላዕሊ እዩ ነይሩ።

ካርሎስ ምስ ዓዚዝ ዝተባህለ ካልእ መንእሰይ እውን ተላለየ። ዓዚዝ ካብ 14 ዓመቱ ጀሚሩ እዩ ምትላል ጀሚሩ።

ንኣመሪካውያን ሰብኡት "ቫነሳ" ብዝብል ስም፡ ስእሊ ሓንቲ ጻዕዳ ጓል ብምጥቃም የታልሎም ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ እንግሊዝኛ ስለ ዘይክእልን ብዛዕባ ምዕራባዊ ዓለም ፍልጠት ስለ ዘይነበሮን ኣይተዓወተን።

ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ንመጀመርታ ግዜ ሓሙሽተ ዶላር ምስ ረኸበ፡ ኣብ ቤት መግቢ ከይዱ ደርሆ በሊዑ። እዚ ድማ ኣብ ህይወቱ ንፈለማ ግዜ ናብ ኤር-ኮንዲሽን ዘለዎ ህንጻ ዝኣተወሉ ኣጋጣሚ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ዓባዩ፡ "እዚ እንተ ዘይኣቋሪጽካዮ ካብ ስድራቤት ክትስጐጕ ኢኻ፡" ምስ በለቶ፡ ዓዚዝ ነቲ ስራሕ ኣቋረጾ።

"ናይ ስምዒት ስርቂ"

እዞም መንእሰያት ከመይ ገይሮም ንዝተማህሩ ሰባት የታልሉ? ዝብል ሕቶ ንካርሎስ የጭንቆ ነይሩ።

እቶም መታለልቲ ዝሃብዎ መልሲ ሓደ እዩ፤ "ኣቓልቦ ምሃብ።"

"ከመይ ሓዲርኪ? እንታይ ተመሲሕኪ? ፍቕረይ፡ ከመይ ኣለኺ?" ዝብሉ መልእኽትታት ብምስዳድ፡ ነቲ ኣብ ሰባት ዘሎ ናይ ጽምዋ ሃጓፍ ይመልእዎ።

ካርሎስ ከም ዝገለጾ፡ እዚ ገበን'ዚ ገንዘብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሰባት ብስምዒታዊ መዳይ'ውን ይመጽዎም ወይ ባዶ የትርፎም እዩ።

ሓደ ካብቶም ግዳያት ከም ዝበሎ፡ "እዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኸፍአ ገበን እዩ፤ ንገንዘብካ ጥራይ ዘይኰነስ ንስምዒትካ'ውን እዮም ዝሰርቅዎ። እቲ ሰብ ሃንደበት ምስ ጠፍአ፡ ዓቢ ባዶነት ይስምዓካ። ድሕሪኡ ድማ ሕብረተሰብ 'ዓሻ ኢኻ' እናበለ ይወቕሰካ።"