ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ጸገም ዘቃልዐን ዘሎ መብጣሕቲ ሽፋን ዓይኒ

 መብጣሕቲ ሽፈን ዓይኒ ዘካየደት ኒኪታ ሞርጋን
መግለጺ ስእሊ, መብጣሕቲ ሽፈን ዓይኒ ዘካየደት ኒኪታ ሞርጋን
Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ኒኪታ ሞርጋን ቅርኒብ ዓይኒ ንኽጽበቐላ ሕክምናዊ መብጣሕቲ ኣካይዳ።

"ኵሉ ሰብ ቀሊል'ዩ ኢሉኒ ነይሩ፡ መብጣሕቲ ምስ ተገበረለይ ግን ገጸይ ብሓዊ ዝተቃጸለ ኰይኑ'ዩ ተሰሚዑኒ፡ ዝነደደ ቆርበት'ውን ክጨንወኒ ጀሚሩ" ብምባል'ያ ነቲ ኩነታት ገሊጻቶ።

ቅርኒብ ዓይኒ ንምጽባቕ ዝግበር ሕክምናዊ መብጣሕቲ [blepharoplasty] ሸፋን ዓይኒ ኣብ ዝግበረሉ ካብ ሽፋን ዓይኒ ዝተወሰነ ቆርበት'ዩ ዝእለ።

ኒኪታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ቪድዮ ምስ ርኣየት'ያ ነቲ መብጣሕቲ ክትገብር ወሲና።

ዋላ ድኣ መደንዘዚ ትወጋእ'ምበር ብርቱዕ ሕማም ከምዝተሰማዓ'ያ እትገልጽ።

ኣብ ከባቢ ዓይኒ መብጣሕቲ ዘካይዱ ክኢላታት፡ ካብተን መብጣሕቲ ሽፋን ዓይኒ ዝገበራ ደቀንስትዮ ኣብቲ ሕሱር ዝዀነ ቦታ መብጣሕቲ ምስ ገበራ ናብ ዝተፈላለየ ጸገማት ከምዝቃልዓ'ዮም ዝገልጹ።

ኣብዚ እዋን ቍጽሪ ናይተን ቆርበት ገጸን ንምውጣርን ንምልስላስን ሕክምናዊ መብጣሕቲ ዝገብራ ደቀንስትዮ ኣዝዩ'ዩ ዝውስኽ ዘሎ።

ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣፍሪቃን ኤስያን ምስዚ መብጣሕቲ ብዝተሓሓዝ ብዙሕ ጸገማት ይረአ ምህላዉ'ዮም ሰነዳት ዘረጋግጹ።

ሓደ ካብኡ ድሕሪ መብጣሕቲ ምግባር ግቡእ ክንክን ዘይምግባር ዘኸትሎ ጸገማት'ዩ።

ከምዚ ኒኪታ ዘጋጠማ ጸገማት ዘጋጠመንን ዘጋጠሞምን ኣዝዮም ብዙሓት'ዮም።

ኒኪታ ካብ ቆርበት ከበሮ ዓይና ሓያለ ተቘሪጹ ስለዝተኣለየ፡ ንኽትድቅስ ትሽገር ስለዝነበረት ዓይና ብፓላስተር ገይራ ትሽፍኖ ምንባራ ትሕብር፡ ካልእ ተመሳሳሊ መብጣሕቲ ዘካየደት'ውን ፈጺማ ከይትዓውር ፈሪሓ ምንባራ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ብዙሓት ድሕሪ እቲ መብጣሕቲ ዓይነን ክዕምታ ከምዝሽገራ'ዮም ዝገልጹ።

ተወላዲት ኣየርላንድ ዝዀነት ኒኪታ፡ ኣብ ውሽጢ ኣየርላንድ መብጣሕቲ ከተካይድ ዘኽእል ገንዘብ ኣይነበራን። ምኽንያቱ ቅርኒብ ዓይና ንኽጽበቐላ እትገብሮ መብጣሕቲ ክሳብ 4000 ዩሮ'ዩ ክውደኣላ።

ጓል 31 ዓመት ኒኪታ ኣብ ቲክቶክ ኣብ ጀርመን ዝርከብ 'ፌስላንድ' ዝተበሃለ ትካል ነቲ መብጣሕቲ ብ750 ዩሮ ከምዘካይዶ ሓበሬታ ረኺባ።

ነቲ መብጣሕቲ ሽፋን ዓይኒ ናብ ጀርመን ብምኻድ ከተካይዶ'ውን ወሲና። እቲ ሕክምና ዝግበረሉ ክፍሊ ጸቢብ ምዃኑ'ዩ ትገልጽ።

እቲ ትካል ኣብ ሆላንድ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድ ኣብ ዘለዉዎ ጨናፍራት ንኣስታት 2950 ዝዀኑ እንግሊዛውያን ተመሳሳሊ መብጣሕቲ ከምዘካየደ ይሕብር።

 ኣዒንቲ ኒኪታ ቅድምን ድሕርን መብጣሕቲ
መግለጺ ስእሊ, ኣዒንቲ ኒኪታ ቅድምን ድሕርን መብጣሕቲ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዘካይዶ ሕክምናዊ መብጣሕቲ "ድሕነቱ ዝተሓለወን ኣተኣማማንን" ምዃኑ'ዩ ሓቢሩ።

"ስምዕታ ዝቐረበሎም መብጣሕትታት ትሕቲ ሓደ 100 እዮም" ኢሉ።

ድሕሪ መብጣሕቲ ምክያደን ጸገም ዘጋጠመን ቢቢሲ ዘዘራረበን ደቀንስትዮ ኣብዚ ትካል መብጣሕቲ ከምዝገበራ'የን ዝሕብራ።

ኒኪታ ኣብ ሕዳር 2025'ያ መብጣሕቲ ኣካይዳ። እቲ መብጣሕቲ ክሳብ ክንደይ ነባሪ በሰላ ከምዝሓድግ'ውን ኣፍልጦ ኣይነበራን።

"ንዓይ ልክዕ ከምዚ ናይ ከንፈር መብጣሕቲ'ዩ መሲሉኒ ነይሩ" ትብል።

ዋላ ድኣ መደንዘዚ ይገበረላ'ምበር እቶም ሓካይም ነቲ ረቂቕ ዝዀነ ቆርበት ከበሮ ዓይና ክቆርጽዎ እንከለዉ ቅድሚኡ ተሰሚዕዋ ዘይፈልጥ ቃንዛ ክስምዓ ጀሚሩ።

"ኣዝየ'የ ሰንቢደ፡ እታ ሓኪም ነቶ ቆርበተይ ክትሰፍዮ እንከላ ይስምዓኒ ነይሩ'ዩ"

ትካል ፌስላንድ ብወገኑ፡ ኵለን እተን ተሓከምቲ ብሓኪም ኵሉ ዓይነት መብርሂ ተዋሂብወን ድልዋት ምዃነን ምስ ገለጻ እቲ መብጣሕቲ ከምዝካየድ'ዩ ዝሕብር።

እታ ንኒኪታ መብጣሕቲ ዘካየደትላ ሓኪም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "ብዛዕባ እቲ መብጣሕቲ ርግጸኛ ኣይነበረትን፡ ፈሪሓ'ውን ነይራ'ያ። እዚ ከኣ ቃንዛ ከምዝነበራ ዓይነት ስምዒት ፈጢሩላ'ዩ" ትብል።

ኒኪታ መብጣሕቲ ምስ ገበረት ድሕሪ ሰዓታት ብነፋሪት ናብ ሃገራ ተመሊሳ።

መብጣሕቲ ድሕሪ ምክያድ ግን ብቕጽበት ብነፋሪት ክትጓዓዝ ሓኻይም ኣይመኽሩን'ዮም።

እንተዀነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሰባት መብጣሕቲ ድሕሪ ምክያደን ናብ ነፋሪት ክስቀላ ስለዝርኣየት ንሳ'ውን መብጣሕቲ ድሕሪ ምክያድ ብቕጽበት ናብ ገዛኣ ክትከይድ ወሲና።

"ንክርኢ ኣዝየ'የ ዝጽገም ነይረ፡ ናብ ላዕሊ ገጸይ እንተጠሚተ እቲ ዝተሰፈየ ቆርበተይ ደም የንዝዕ ነይሩ፡ ደም'የ ዝነብዕ ነይረ" ትብል።

 ኣብ ከበሮ ዓይና መብጣሕቲ ዘካየደት ቁድላ እናተኸፈት ስለሸገራ ብፕላስተር ገይራ ከተላግቦ'ያ ፈቲና

ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ምስ መጥባሕቲ ሽፋን ዓይኒ ዝተኣሳሰር ትሕዝቶ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓባይ ብሪጣንያ ኣስታት 150 ሚልዮን ግዜ ከምዝተራእየ ሓበሬታ ረኺቡ፡ እዚ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝለዓለ እዩ።

ኣብ መወዓውዒ እቲ ትካል ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሽፋን ዓይናን ቅርኒብ ዓይናን እናሸፈና ምርኣይ ትጽገምን ብብርቱዕ ሕማም ርእሲ ትሳቐ ምንባራን ትሕብር። ኣብ ፌስላንድ መብጣሕቲ ምስ ተገብረላ ኵሉ ጸገማ ከምዝተፈተሐ ክትገልጽ'ውን ትርአ።

መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኩባንያ፡ ኣገልግሎታቱ "ብተመጣጣኒ ዋጋ፡ ተበጻሒን ልዑል ጽሬት ዘለዎን" ክብል ይገልጽ።

እቲ ሕክምና ብፍቓድ ዘለዎም ሓካይም ከም ዝፍጸምን እቶም ክኢላታት ኣብ ፌስላንድ ተወሳኺ ናይ መብጣሕቲ ስልጠና ከም ዝረኽቡን ይሕብር።

ብመሰረት ሓካይም፡ መብጣሕቲ ሽፋን ዓይኒ ክሳብ ሰለስተ ሰዓታት ዝወስድ ኰይኑ፡ እዚ ንውሓት ግዜ ቅድሚ መብጣሕቲ ዝግበር ምድላውን ድሕሪ መብጣሕቲ ዝግበር ክንክንን ዘጠቓልል እዩ።

ይዅን እምበር፡ ሕሙማት ፌስላንድ፡ እቲ መስርሕ ሓደ ሰዓት ጥራይ ከም ዝወሰደ ይሕብሩ።

እቲ ኩባንያ ግን ልዑል ጽሬት ዘለዎ መብጣሕቲ ብተመጣጣኒ ዋጋ ከም ዝህብ'ዩ ይገልጽ።

 ላውራ መብጣሕቲ ድሕሪ ምክያዳ ዓይና ክትከፈት ትሽገር ምንባራ'ያ ትገልጽ
መግለጺ ስእሊ, ላውራ መብጣሕቲ ድሕሪ ምክያዳ ዓይና ክትከፈት ትሽገር ምንባራ'ያ ትገልጽ

"ንዝበዝሐ ክፋል ቆርበተይ ኣልየሞ'ዮም'

ላውራ [ሓቀኛ ስማ ኣይኰነን] ኣብ ፌስላንድ ሕክማናዊ መብጣሕቲ ሽፋን ዓይኒ ምስ ገበረት፡ ከበሮ ዓይና ምኽፋት ስለዝኣበያ ናብ ክፍሊ ሕጹጽ ሕክምና ከተምርሕ ተገዲዳ።

ዕድመኣ ኣብ 40ታት ዝዀነ ላውራ፡ መጀመርታ ምስ ሓመመት ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ፌስላንድ'ኳ እንተደወለት መልሲ ክትረከብ ኣይክኣለትን።

ላውራ ነቲ መብጣሕቲ ኣብ ሆላንድ ከተማ ኣምስተርዳም ምስ ኣካየደቶ ዝዀነ ቅጽበታዊ ጸገም ኣየጋጠማን።

ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመለሰት ግን ኣብ ከበሮ ዓይና ቅርጺ ፍርቂ ወርሒ ዘለዎ በሰላ ክትዕዘብ ክኢላ።

እቲ ኣብ ሽፋን ዓይና ዝነበረ ቁስሊ ምስ ነቀጸ'ውን ከም እንደገና ክረክስ ጀሚሩ።

ክኢላታት መብጣሕቲ፡ እቲ መብጣሕቲ ብክኢላታት ተኻይዱ እንተዝነብር ንላውራ እዚ ኩሉ ኣይመጋጠማን'ዮም ዝብሉ።

እቲ መብጣሕቲ ነባሪ መሰላ ዝገደፈላ ተሓካሚት
መግለጺ ስእሊ, እቲ መብጣሕቲ ነባሪ መሰላ ዝገደፈላ ተሓካሚት

ላውራ "ከበሮ ዓይነት እንተዓጽየዮ ወይ ዓይነት እንተዓሚተዮ እቲ ቍስሊ ከም ብሓድሽ ይኽፈት፡ እቲ ቍስሊ ከይክፈት ብምፍራሕ ክድቅስ ኣይክእልን'የ" ትብል።

ምስቶም ኣብ ፌስላንድ መብጣሕቲ ዘካየዱላ ሓካይም ኣብ ትዘራረበሉ እዋን፡ ናብ ኣምስተርዳም ክትምለስ'ሞ ሕክምናዊ ደገፋት ክገብሩላ ትምሕጸኖም ነይራ።

እንተዀነ ኣብ ጥቓኣ ናብ ዘሎ ማእከል ጥዕና ክትከይድ'ዮም ሓቢሮማ።

ንሓካይም ዓይኒ ኣብ ዘማኸረትሉ ግን ካብ ቆርበት ዓይና ዓቢ ቆርበት ከምዝተቆረጸ ሓቢሮማ።

ላውራ ብሕሱር ብዝገበረቶ መብጣሕቲ ብምጥዓስ ናብ ሃገራዊ ኣግለግሎት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ብምቕራብ "ኣዝያ ከምእትጣዓስ" ምስክርነታ ሂባ።

ላውራ "ብዙሕ ጣዕሳ'ዩ ዝስምዓኒ፡ ሰባት ኣነ ከምዝተጋገኹ'ዩ ዝርድኦም፡ እዚ ከምዝኸውን እንተዝፈልጥ ነይረ ግን ኣይምኸድኩን" ትብል።

ፌስላንድ፡ ጉዳይ ላውራ ብቤት ፍርዲ ተታሒዙ ስለዘሎ ኣብዚ ጉዳይ ዝዀነ ዓይነት ርእይቶ ክህብ ከምዘይደሊ'ዩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ምስ ፌስላንስ ዝሰርሕ ትካል፡ ንላውራ 275 ዩሮ ከም ካሕሳ ክህባ'ኳ ሓቲትዋ እንተነበረ ፍቓደኛ ስለዘይኰነት ጉዳያ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዳቶ ኣላ።

ብዙሓት ተሓከምቲ ዓይነን ከም ድላየን ክዕምተኦ ከምዝሽገራ'የን ዝገልጻ
መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ተሓከምቲ ዓይነን ከም ድላየን ክዕምተኦ ከምዝሽገራ'የን ዝገልጻ

"ክዓውር'የ ኢለ ፈሪሐ"

እንግሊዛውያን ሓካይም፡ መብጣሕቲ ሽፋን ዓይኒ ምስ ገበራ ጸገማት ዘጋጥመን ዘሎ ደቂ ኣንስትየ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ወጻኢ መብጣሕቲ ዘካየዳ ምዃነን'ዮም ዝሕብሩ።

ቢቢሲ 63 ኣባላት ካብ ዘለዎ ማሕበራ ሓካይም ዓይኒ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ መብዛሕትአን ካብተን መብጣሕቲ ዝገበራ፡ ዓይነን ክዕምታ ከምዝሽገራ ይገልጽ።

ክኢላ መብጣሕቲ ዓይኒ ኮሊን ቬልዝ "ካብ ቆርበት ዓይኒ ብዙሕ ክፋል እንድሕር ብመብጣሕቲ ተኣልዩ ሓደገኛ'ዩ፡ ንዓይንና ኢና ናብ ሓደጋ ነቓልዖ ዘለና፡ ነዚ ንምዕራይ ከኣ ከቢድን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት'ዩ" ኢሉ።

ገለ ካብተን መብጣሕቲ ሽፋን ዓይኒ ዝተገበረለን ደቂ ኣንስትዮ ብጀካ ዓይነን ንምዕማት ዝሽገረኦ፡ ኣብ ዓይነን ነባሪ በሰላ ከምዝገደፈለን'የን ዝገልጻ።

በቲ መጥባሕቲ ዓቐን የማናይ ጸጋማይን ዓይነን በበይኑ ዝዀነ'ውን ኣለዋ።

 ኒኪታ እቲ መብጣሕቲ ክሳብ ክንደይ ነባሪ በሰላ ከምዝሓድገላ ኣይተረድኣን ነይሩ
መግለጺ ስእሊ, ኒኪታ እቲ መብጣሕቲ ክሳብ ክንደይ ነባሪ በሰላ ከምዝሓድገላ ኣይተረድኣን ነይሩ

ክሬይን ሀርት ኣብ ልደት [ክሪስትማስ] 2024 ካብ ዓራት ኣብ ዝተሰኣትሉ ዓይና ምኽፋት ከምዝኣበያ ትዝክር።

ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝርከብ ትካል ፌስላንድ መብጣሕቲ ድሕሪ ምክያዳ ንጽባሒቱ'ዩ ዓይና ምኽፋት ኣብይዋ።

ካብ ዓራታ ምስ ተሰአት ጸጋማይ ዓይና ሓቢጡ፡ ክደሚ'ውን ጀሚሩ። እቲ ኣብ ክልቲኡ ሽፋን ዓይና ዝነበረ ቍስሊ ተኸፊቱ።

"ሽፋን ዓይነይ ከዐሪ ኢለ ዝገበርክዎ መብጣሕቲ ዓይነይ ክዓውር'የ ኢለ ክሳብ ዝፈርሕ'የ ዀይነ"

ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ምስ ኣምረሐት፡ ሓካይም ዓይና ከምዘይትዓውር'ኳ እንተነገሩዋ ገጻ ግን ተሃስያ'ያ።

እቲ ዘጋጠማ ጸገማት ንፌስላንድ ብኢመይል'ኳ እንተገጸትሎም ድሕሪ 12 መዓልታት'ዩ መልሲ ተዋሂብዋ።

ብድሕሪኡ'ውን ብፌስላንድ ዝዀነ ዝተወሃባ ሓገዛት የለን።

ትካል ፌስላንድ ግን ንክሬይን ሀርት ድሕሪ ዝተካየደ መብጣሕቲ ሸለል ከምዘይበላ ብምሕባር እኹል ደገፍ ስለይተገበረላ ግን ከም ትካል ሕማቕ ከምዝተሰምዖ ሓቢሩ።

ክሬይን፡ ላውራን ኒኪታን ነቲ መብጣሕቲ ንምክያድ ብተዛማዲ ውሑድ ሰልዲ'የን ኣውጽኤን። እንተዀነ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣስዒቡለን።

ክኢላ መብጣሕቲ ዓይኒ ኮሊን፡ ተሓከምቲ ድሕሪ መብጣሕቲ ሕክምናዊ ምክትታል ክግበረለን ከምዘለወን'ዩ ዝሕብር።

ብተወሳኺ ሰብ ሕሱር'ዩ ብምባል ጥራይ ኣብ ጥዕናኡ ነባሪ ጸገማት ክፈጥር ዝኽእል መብጣሕቲ ክገብር ከምዘይብሉ እዚ ብዓል ሞያ ይመክር።

ኒኪታ መብጣሕቲ ምስ ገበረት ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ቲክቶን ብዝርኣየቶ ቪድዮ እናተመርሐት ነቲ ኣብ ዓይና ዝነበረ ስፋይ ፈቲሓቶ።

"ከምዚ ቆርበተይ ተቐሊጡ ዝኸይድ ዘሎ ኰይኑ'ዩ ተሰሚዑኒ፡ እቲ ቃንዛ ኣዝዩ ብርቱዕ'ዩ ነይሩ" ትብል።

ትካል ፌስላንድ ተሓከምቲ እቲ ቁስሊ ምስ ሓወየ ከምይ ገይረን ነቲ ፈትሊ መስፈዩ ካብ ዓይነን ከምዝኣልያኦ ኣስተምህሮ ከምዝህበን'ኳ እንተሓበረ፡ ኒኪታ ግነ ዝዀነ ሓበሬታ ከምዘይተውሃባ'ያ ትገልጽ።

ክኢላታት መብጣሕቲ ዓይኒ ግን፡ ተሓከምቲ ነቲ ፈትሊ ባዕለን ኣብ ዝኣልያሉ ኣብ ሽፋን ዓይነን ተወሳኺ ጸገማትን ረኽስን ከምዘኸትለለን'ዮም ዝገልጹ።

ኒኪታ፡ እቲ ገንዘብ እንተዝህልዋ፡ ንዅሉ ኣብ ቲክቶክ ዝሰምዓቶ እንተዘይትኣምኖ፡ እዚ ኵሉ መከራ ኣይምገጠመንን ትብል።

ክሬን መጥባሕቲ ካብ እትገብር ክልተ ዓመት እኳ እንተገበረ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓይና ናይ ምድብዛዝ ጸገማ ገይራ ኣላ።

ላውራ ብወገና እቲ ኣብ ዓይና ዘሎ በሰላ ንዘልኣለም ምሳይ ክህሉ'ዩ ዝብል ዓቢ ሻቕሎት ኣለዋ።

"ጸገም ኣብ ዘይነበረኒ እዋን ፍታሕ ክደሊ ኣይነበረንን። ኣብ መወዳእታ ዝኸፍአ ጉዳይ ክስከም ተቐሲበ ኣለኹ። ነቲ ባዕለይ ዝፈጠርክዎ ጸገም ንምእራም መብጣሕቲ ከምዘድልየኒ ተሓቢሩኒ'ዩ፡ ንዕኡ ዝኸውን ገንዘብ ግን የብለይን።"