'ሓሰኻ ዲያብሎስ'፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሚልዮናት ዓመታት ዝጸንሐ ፍጥረት

ምንጪ ስእሊ, Gaetan Borgonie et al., Nature, 2011
ካብ ገፅ ምድሪ 1.3 ኪ.ሜ ትሕቲ መሬት ህይወት የለን ኢልኩም እንተሓሲብኩም፡ ተጋጊኹም።
ሓደ ሓደ ግዜ ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ሓሰኻታት ድሙቕ ኣራንሺ ወይ ጻዕዳ መንጸፍ ፈጢሮም ይርከቡ።
ብማይክሮስኮፕ ክርአዩ እንከለዉ፡ ንዕሽቶ ሓሰኻ ኣብ ኣፉ ብዝርከብ በሊሕ ነገር ተጠቒሙ ክንቀሳቐስ ይርአ።
እዚ ሓሰኻ ሃሊሰፋሎቡስ ሜፊስቶ ወይ 'ሓሰኻ ድያብሎስ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንኣሽቱ ፍጥረታት ክሃድን ይጓየይ።
ኣዝዩ ንእሽቶ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ከባቢኡ ግን ከም ዓሳ ነባሪ ኰይኑ ይርአ። ምስ ሞተ ስጋኡ መግቢ ሓሳኹን ካልኦት ህይወት ዘለዎም ነገራትን ይኸውን።
እዚ ድማ ዑደት ህይወት ናይቲ ሓሰኻ ንምቕጻል ይሕግዝ።
ቅድሚ 1980ታት፡ መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ስነ-ህይወት፡ ኣብ ትሕቲ 30 ሴንቲሜተር ትሕቲ መሬት ህይወት ክህሉ ይኽእል'ዩ ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮምን።
ርኽበት ሓሰኻ ዲያብሎስ ኣብ 2011 ኣብ መዓሙቕ መሬት ዘለና ርድኢት ቀይሩ።
"ኣብኡ ሓሰኻ እንተረኺብና ካልእ ዘይንፈልጦ ነገር ይህሉ'ዶ?" ትብል ካረን ሎይድ ዝተባህለት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡባዊ ካሊፎርንያ እትሰርሕ ክኢላ ጂኦማይክሮባዮሎጂ።
ተመራመርቲ ካብ ሓደ ሓሰኻ፡ ካልኦት ክፍጠሩ ክኢሎም እዮም። ሕጂ'ውን እቲ ዓይነት እንስሳ ኣብ'ቲ ውዑይን ጸልማትን መዓሙቕ መሬት ብኸመይ ከም ዝነብር ክርድኡ መጽናዕቲ የካይዱ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Gaetan Borgonie/Extreme Life Isyensya
ናብ ማእከል ምድሪ ብምእታው ዝግበር ዳህሳስ
ኣብ መጀመርታ ዓመታት 2000፡ ኣብ ቤልጅየም ትካል ምርምር ዝመስረተ ተመራማሪ ስነ-ህይወት ጋኤታን ቦርጎኒ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ከብዲ መሬት ዝያዳ ዝተሓላለኸ ነገር ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ የላግጽሉ ከምዝነበሩ ይዝክር።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ዓሚቝ ትሕተ-ምድሪ ዝርከብ ህይወት ዝምልከቱ ንፈለማ እዋን ዝተሓትመ ውጽኢታት መጽናዕትታት፡ እቲ ሓሳብ ላግጺ ከምዘይነበረ ኣረጋጊጾም።
ንኣብነት ኣብ 1997 ኣብ 2.8 ኪ.ሜ ዕምቆት ዘለዎ ጉድጓድ ጋዝ፡ ባክተርያ ተረኺቡ።
ቦርጎኒ፡ ኔማቶድ ዝተበሃሉ ንኣሽቱ ዓይነት ሓሳኹ፡ ኣብ ዓሚቚ ትሕቲ መሬት ክነብሩ ከም ዝኽእሉ እምነት ነይርዎ።
እንተዀነ እቲ ሓሳብ ብቕጽበት ተቐባልነት ኣይረኸበን፤ ቦርጎኒ እቶም ደቀቕቲ ፍጥረታት ክሳዕ ክንደይ ተጻዋርነት ከም ዘለዎም ስለ እተረድኦ፡ ተወሳኺ ምርምር ምግባር ረብሓ ከምዝህልዎ ተሰምዖ።
ኣብ 2008 ድማ ምስ ካልኦት ምኩራት ተመራመርቲ ብምዃን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ዕደና ወርቂ ቢያትሪክስ በጺሑ።
ቦርጎኒ ኣብቶም ንዕደና ዝተዃዕቱ ዓበይቲ ጉድጓዳት፡ ማይ ክሓልፍ ብምግባር ደቀቕቲ ህያዋን ፍጥረታት ክረክብ ፈቲኑ። ልዕሊ 6,000 ሊትሮ ማይ ምስ ተጠቐሙ፡ ንእሽቶ ሓሰኻ ረኺቡ።

ምንጪ ስእሊ, Gaetan Borgonie/Extreme Life Isyensya
ኣብ ካልኦት ክልተ ዕደናታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምስ ካልኦት ዓንዲ ሕቖ ዘይብሎም እንስሳታት፡ ፋንጋስን ዝተፈላለዩ ካልኦት ንኣሽቱ ፍጥረታትን ንምርካብ፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሊትሮ ማይ ተጠቒሞም ዝተፈላለዩ ሓሳኹ ረኺቦም።
መብዛሕትኦም እቶም ዓይነታት ኣብ ልዕሊ መሬት እውን ዝፍለጡ እዮም፤ እንተዀነ ግን እቲ ኣብ ዕደና ቢኣትሪክስ ጭራኣ ተቖሪጹ ዝተረኽበት ሓሰኻ ኣብ ሳይንስ ሓድሽ ስለ ዝነበረት ሃሊሰፋሎቡስ ሜፊስቶ ተባሂላ ተሰምያ።
ዝተቖርጸ ጭራ ንራውንድ ዎርም ናይ ሞት ፍርዲ ማለት እዩ። ከም ዕድል ኰይኑ ግን እታ ሓሰኻ ኣንስተይቲ እያ ነይራ። ብዘይ ተባዕታይ እውን ክትራባሕ ስለ እትኽእል፡ ቅድሚ ምሟታ ሸሞንተ እንቋቑሖ ኣውዲቓ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Gaetan Borgonie/Extreme Life Isyensya
እቲ ሓሰኻ ዲያብሎስ ዝተበሃለ ፍጥረት፡ ኣብ ማይ ኣይሕንብስን'ዩ። ኣብ ክንድኡ ኣብ ጎድኒ ናይ ፕላስቲክ ቱቦ ይጣበቕ፣ እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ኣኻውሕ ንኽጣበቕ ሓጊዝዎ እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግን ሓሰኻ ዲያብሎስ ኣብ ትሑት ሙቐት ንኽነብር ዝጽገም ምዃኑ እዩ። ኣብ 20 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዕብየቱ ይዝሕትል እሞ ዑደት ህይወቱ ንምዝዛም ሸሞንተ መዓልታት ጥራይ ይወስድ። ንምንባር ድማ 37 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ሙቐት ይመርጽ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ውዑይ ኩነታት ንሓሰኻ ዲያብሎስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ መዓልቲ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ክስስንን ክራባሕን ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Gaetan Borgonie/Extreme Life Isyensya
ንምንባር ዝተዓጻጸፍ ሓሰኻ ዲያብሎስ
ሓደ ዓይነት ሓሰኻ፡ ብፍላይ ድማ ካብ መንበሪኡ ንነዊሕ እዋን ርሒቑ ዝጸንሐ፡ ንምጽናዕ ኣጸጋሚ እዩ። እንተዀነ፡ ሓደ ሓሰኻ ኣብ ትሕቲ መሬት ከመይ ጌሩ ክነብር ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ምልክት ረኺቦም ኣለዉ።
ኣብ 2019፡ ዲኤንኤ ናይቲ ሓሰኻ ዲያብሎስ ኣብ ዘጽንዑሉ ዝነበረ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ንሙቐት ዘለልዩን ፕሮቲናት ዘፍርዩ ዓይነታት ፍጥረታት ተረኺቦም። እዚኦም፡ ንኻልኦት ፕሮቲናት ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ካብ ዝመጽእ ጉድኣት ዝከላኸሉ ሞለኪዩላት እዮም።
ኣብ 2024፡ ጉጅለ ብራችት፡ ካልእ ሞለኪዩል ሳይቶክሮም ኦክሳይድ ሲ ዝበሃል ረኺቡ፤ እዚ ሞለኪዩል እዚ፡ ኦክስጅን ንምውሳድን ንህይወት ምድጋፍን ኣገዳሲ እዩ።
ብተኸታታሊ ፈተነታት፡ ሳይቶክሮም ኦክሳይድ ሲ ናይ ሓሰኻ ዲያብሎስ ኣብ ልዑል ሙቐት ጥራይ ከምዝነጥፍ ረኺቦም።
ኣብ ንቡር ሙቐት እቲ ሞለኪዩል ስለዝጠፍእ፡ ፍርያት ጸዓት ይዝሕትል። እዚ ድማ እቶም ሓሳኹ ኣብ ከምዚ ኩነታት ስለምንታይ ኣዝዮም ዝሕቱላት ከም ዝዀኑ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Gaetan Borgonie, Extreme Life Isyensya, Belgium
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓሰኻ ዲያብሎስ፡ ብዘይ ዘርኢ ተባዕታይ ናይ ምፍራይ ዓቕሙ፡ ኣካል ናይቲ ብህይወት ንምንባር ዝገብሮ ቃልሲ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ መፅናዕቲ ይካየድ ኣሎ።
መብዛሕትኡ ግዜ ሓሳኹ ድያብሎስ ኣብ ትሕቲ መሬት ዓሚቝ ቦታ ይርከብ፣ ኣብኡ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ዓይነት ሓሰኻ ናይ ምርካብ ተኽእሎኦም ትሑት እዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ብዘይ ጾታዊ ርክብ ክባዝሑ ተገዲዶም ክኾኑ ይኽእሉ። እዚ ድማ ብህይወት ንምጽናሕ ክሳብ ክንደይ ተዓጻጸፍቲ ከምዝዀኑ ዘርኢ እዩ።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



