እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታይዋን፡ ድሕሪ መጠንቀቕታ ትራምፕ ናጻ ሃገር'የ ኢላ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እታ ቻይና ከም ኣካል ግዝኣታ እትቘጽራ ታይዋን፡ ናጽነታ ብወግዒ ንኸይትእውጅ ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ ልኡላዊትን ናጻን ሃገር ምዃና ገሊጻ።
ትራምፕ ድሕሪ'ቲ ንኽልተ መዓልታት ኣብ በይጂን ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ብዛዕባ እታ ባዕላ እትመሓደር ደሴት፡ "ናጽነታ ክትረክብ ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘለኹ" ኢሉ።
ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንታይዋን ዝሽየጥ ናይ 11 ቢልዮን ዶላር ፓኬጅ ኣጽዋር ከጽድቕ ድዩ ኣየጸድቕን ክውስን ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
ምምሕዳር ኣመሪካ ንታይዋን ርእሰ-ምክልኻል ዝሕግዝ መሳርሒ ክህብ ብሕጊ ዝግደድ ኰይኑ፡ ምስ ቻይና ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምዕቃብ ግን፡ ነዚ ምሕዝነት ብተደጋጋሚ ዘይስሩዕ ክገብሮ ተገዲዱ'ዩ።
ፕረዚደንት ታይዋን ላይ ቺንግ-ቴ ቅድሚ ሕጂ ታይዋን ድሮ ንነብሳ ከም ልኡላዊት ሃገር ስለ እትርኢ ወግዓዊ ናጽነት ምእዋጅ ከም ዘየድልያ ገሊጹ ነይሩ።
ብቐዳም ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ካረን ኩኦ፡ ታይዋን "ልኡላዊት፡ ናጻን ደሞክራስያዊት ሃገር" ምዃና "መትርዖ" ዘድልዮ ኣይኰነን ኢሉ።
ወሲኹ ግን፡ ታይዋን ምስ ቻይና ዝነበረ ኵነታት ንምዕቃብ ተወፋይነት ከም ዘለዋ ገሊጹ፤ ኣብዚ ታይዋን ካብ ቻይና ናጽነታ ኣይትእውጅን ምስኣ እውን ኣይትሓብርን።
ዋላ'ኳ መብዛሕትኦም እቲ ሕጂ ዘሎ ደረጃ ንምዕቃብ ዝድግፉ እንተዀኑ፡ ብዙሓት ታይዋናውያን ንነብሶም ከም ኣካል ናይ ሓንቲ ዝተፈለየት ሃገር ይቘጽርዋ።
ዋሽንግተን፡ ንናጽነት ታይዋን ኣይድግፍን ዝብል ስሩዕ መርገጺ ዘለዎ ኰይኑ፡ ምስ በይጂን ዘለዎ ቀጻሊ ርክብ፡ ሓደ መንግስቲ ቻይና ጥራይ ከም ዘሎ ኣብ ምቕባላ ዝተመርኰሰ እዩ።
ትራምፕ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ታይዋን ዘለዋ መርገጺ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈለየ ከም ዘይኰነን ከም ዘይተቐየረን'ዩ ገሊጹ።
"ይርድኣኩም እንተሃልዩ 15,289 ኪሎ ሜተር ተጓዒዝና ኢና ክንዋጋእ፤ እዚ ከኣ ኣነ ኣይደልዮን'የ። ንሶም [ታይዋናውያን] ርግእ ክብሉ'የ ዝደሊ፤ ቻይና'ውን ርግእ ክትብል'የ ዝደሊ፡" ኢሉ።
ትራምፕ ብነፋሪት ካብ ቻይና ናብ ዋሽንግተን እናተመለሰ እንከሎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስ ሺ ብዛዕባ ታይዋን ብዙሕ ከም ዝተዘራረቡ እኳ እንተገለጸ፡ ኣመሪካ ንታይዋን ክትከላኸለላ ድያ ንዝብል ግን ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።
"ሺ ብዛዕባ እዛ ደሴት ናብ ናጽነት ዘምርሕ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ክርኢ ኣይደልይን'ዩ" ኢሉ።
በይጂን፡ ነቲ ኣቐዲማ "ኣሸጋርን ዘራጊ ሰላም ስግረ-ዶብን፡" ኢላ ዝገለጸቶ ፕረዚደንት ታይዋን ከም ዘይትፈትዎ ብግልጺ ኣፍሊጣ እያ።
ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዙርያ እታ ደሴት ወተሃደራዊ ልምምዳት ብምክያዳ፡ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ክውስኽን ሚዛን ዋሽንግተን ክትፍትንን ተራእያ እያ።
ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ንታይዋን ዝቐርብ ፓኬጅ ኣጽዋር ምስ ኣመራርሓ ታይዋን ክዝተየሉ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣመሪካ ዋላ'ኳ ምስ ታይዋን ርኡይ ዘይወግዓዊ ዝምድናታት እንተሃለዋ፡ ወግዓዊ ዝምድና ግን የብላን። ፕረዚደንታት ኣመሪካ ብልሙድ ምስ መራሒ ታይዋን ብቐጥታ ኣይዛረቡን እዮም። ከምኡ ምግባር ድማ ምስ በይጂን ርኡይ ወጥሪ ከስዕብ ተኽእሎ ኣለዎ።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ታይዋን፡ "ህዝብና ንፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ኣትሒዙ ንጸጥታ መጻብቦ ታይዋን ንዝገበሮ ቀጻሊ ደገፍ የመስግኖ፡" ኢሉ።
"ታይዋን ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ምትሕብባር፡ ብጥንካረ፡ ብሰላም፡ ኣብ መላእ መጻብቦ ታይዋን ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ወይ ምድኻም ከም ዘይኣቱ ብምርግጋጽ ከተዕምቘ'ያ። እዚ ድማ ንሓባራዊ ረብሓታት ታይዋን፡ ኣመሪካን ዓለማዊ ደሞክራስያዊ ማሕበረሰብን ዘገልግል'ዩ።"