ኤለክትሮናዊ ሽጋራ ኣብ ጥዕና መንእሰያት ከውርዶ ዝኽእል ሓደጋ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤለክትሮናዊ ሽጋራ (ቬይፕ) ኣብ ጥዕና ቈልዑን መንእሰያትን ከቢድ ጕድኣት ከውርድ ስለ ዝኽእል፡ ማራኺ ዝገብሮ ነገራት ንምንካይ ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ ዶክተራት ኣጠንቂቖም።
'ሮያል ኮለጅ ኦፍ ፔድያትሪክስ ኤንድ ቻይልድ ሄልዝ' (RCPCH) ብዛዕባ ቬይፕ ዝተገብሩ 81 መጽናዕትታት ብምግምጋም፡ እዚ ልምዲ ምስ ጸገማት ምስትንፋስ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ እተን ኣብ ግዜ ጥንሲ ቬይፕ ዝጥቀማ ኣደታት፡ ኣብቶም ዝውለዱ ቈልዑ ጕድኣት ከም ዘውርዳ መርትዖታት ከም ዝተረኽቡ እቲ ትካል ገሊጹ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዘስመረሉ፡ ቬይፕ ምጥቃም ከም ሓደ "ጕድኣት ዘይብሉ ናይ ብጽሕና መድረኽ" ተገይሩ ክርአ የብሉን።
እዚ ትካል ሕክምና ቈልዑ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ መሸጣ ቬይፕ ዝያዳ ጥቡቕ ቀይድታት ክገብርን ዓይነታት መቐረት (flavours) ክንኪን ጸዊዑ ኣሎ።
ሳዕቤናት ቬይፕ
እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ቬይፕ ምጥቃም ምስ ዝተፈላለዩ ጸገማት ጥዕና ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ።
ካብ መንጎ እቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ቀንዲ ጸገማት ድማ ምስትንፋስ ምጽጋምን ምስዓልን፡ ጕድኣት ስንን ውሽጢ ኣፍን፡ ስእነት ድቃስ፡ ሕማም ኣእምሮ ከምኡ'ውን ሕማማት ዓይኒ ይርከብዎም።
ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ ናይቲ መጽናዕቲ ዝዀነ ፕሮፌሰር ዊል ካሮል፡ ቬይፕ ምስ ሕማማት ምስትንፋስን ምስ ወልፊ ኒኮቲንን "ንጹር ምትእስሳር" ከም ዘርኣየ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ቬይፕ ምጥቃም ጸኒሑ ናብ ስሩዕ ምትካኽ ሽጋራ ንምእታው ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ "ቬይፕ ንቘልዑ ማራኽን ቀሊልን ንኸይከውን ስጕምቲ ክንወስድ ኣለና፡" ኢሉ።
ዶክተር ማይክ ማክያን ብወገኑ፡ ቬይፕ ገና ሓድሽ ፍርያት ብምዃኑ ኵሉ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ሳዕቤኑ እኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምልክታት ግን ዘሰክፍ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
መንግስቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ቬይፕ ንቘልዑ ዘይማርኽ ንምግባር፡ ኣብ ኣቀራርባን መሸጣን እቲ ፍርያት ለውጢ ንምግባር ናይ 12 ሰሙን ህዝባዊ ዘተ ጀሚሩ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ እማመ፡ ቬይፕ ተራን ሰሓብነት ዘይብሉን ክኸውን ከም ዘለዎ ተገሊጹ ኣሎ።
ብተወሳኺ እቲ መቐረት ከም "ቱፋሕ" ወይ "ኮላ" ብዝበሉ ንጹራት ቃላት ጥራይ ክግለጽ ከሎ፡ ከም ሽጋራ ኣብ ድኳናት ተሓቢኡ ንኸይሽየጥ ድማ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ሽጋራ ዘየትክኽ ወለዶ ንምፍጣር ዝወጽአ 'ሕጊ ሽጋራን ቬይፕን' ስዒቡ ዝመጽአ እዩ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ድሕሪ 1 ጥሪ 2009 ንዝተወልዱ ዜጋታት ሽጋራ ምሻጥ ገበን ኰይኑ ኣሎ።
"ካብ ሽጋራ ይሓይሽ፡ ጕድኣት የብሉን ማለት ግን ኣይኰነን"
ብመሰረት ትካል 'ኣሽ' ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ብሪጣንያ ካብ ዘለዉ ካብ 11 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ዳርጋ ሓሙሽተ ካብቶም ሓደ (1/5) ቬይፕ ፈቲኖም እዮም።
ሓላፊት እቲ ትካል ሄዘል ቺዝማን፡ ቬይፕ ካብ ሽጋራ ዝሓሸ እኳ እንተዀነ፡ ጕድኣት የብሉን ማለት ግን ከም ዘይኰነ ኣተሓሳሲባ። ቈልዑ ካብ ቬይፕ ንምርሓቕ ድማ ኣብ ምልክታታትን ምዝርጋሕን እቲ ፍርያት ጽኑዕ ቍጽጽር ክግበር ከም ዘለዎ ገሊጻ።
ምኒስትሪ ጥዕናን ክንክን ማሕበረሰብን ብወገኑ፡ ቈልዑ ብፍጹም ቬይፕ ክጥቀሙ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ፡ ነቲ ሰሓብነት ንምንካይ ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝቕጽለሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



