እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣብ ራያ-ኣላማጣ፡ ብዛዕባ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ-ኣላማጣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ቤት ትምህርትን ጉድኣት ኣውሪዱ።
ቢቢሲ ካብ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ቤት ፅሕፈት ዞባን ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ብሰኑይ ንግሆ ሰዓት 2፡30 [ብኣቈፃፅራ እቲ ከባቢ] ኣብ ጣብያ መረዋ፡ ኣብ ክልተ ከባብታት ኣብ ልዕሊ ኣርሚ 26 መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈፀመ የመልክት።
ዛጊድ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ካብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለፂ የለን።
ቢቢሲ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ድማ ኣይሰመረን።
ቢቢሲ ትግርኛ ካብቶም ሲቪላውን ወታሃደራውን ዝረኸቦ መረዳእታ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ሽዑንሽዑ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሸውዓተ ኣባላት ድማ ሕክምናዊ ረድኤት ናብ ዝረኽብሉ ሆስፒታል ከምዝተልኣኹ የመልክት።
እቶም ምንጭታት ቢቢሲ፡ እቶም መጕዳእቲ ዝወረዶም ኣባላት ሕክምናዊ ረዲአት ዝረኽብሉ ዘሎ ማእከል ሕክምና ካብ ምዝራብ ተቘጢቦም።
በቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ክልተ ግዜ ኣብ ሓደ ሓይልታት ትግራይ ዝዓስከሩሉ መረዋ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርትን እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ ሓደ ወሓዚ ሩባ ከምዝዀነ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ሓደ ስሙ ዝተዓቀበ ኣባል ሓይልታት ትግራይ፡ "እወ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትመህርቲ እዩ ተፈፂሙ፤ ክረምቲ ስለዝዀነ ትምህርቲ'ውን ስለዘየለ፡ ኣርሚ 26 ኣብኡ እዮም ኣፅሊሎም ነይሮም" ብምባል፡ እቶም ግዳያት ኣባላት ሰራዊት ከምዝዀኑ ኣረጋጊፁ።
በቲ መጥቃዕቲ ክንደይ ዝኣኽሉ ከምዝሞቱ ግን ኣይነፀረን።
"ካብ ባህርዳር ንጐሆ ዝተልዓለት ድሮን፡ ከይዘረት ብቐጥታ እያ ደብዲባ፤ ኣርባዕተ ግዜ እያ ደብዲባ" ኢሉ።
ካብኡ ድማ፡ ካልኣይቲ ድሮን ካብ ባህርዳር ተላዒላ ደብዳብ ከምዘካየድትን፡ ሳልሰይቲ ድማ ካብ ደብረዘይት -ቢሾፍቱ ተልዒላ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት እቲ ወተሃደራዊ ሓበሬታ የመልክት።
እዚ ሓበሬታ እዚ ግን ብ ቢቢሲ ካብ ናጻ ምንጪ ኣየረጋገጾን።
ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦ ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ፡ ኣቶ ዳንኤል ታምራት ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘነፃፀረ ከምዝዀነን፡ ቤት ትምህርቲ ከምዝዓነወን ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ሓደ ሰላማዊ ነባሪ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለን፡ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ኣካላዊ ጉድኣት ከም ዝወረዶምን ተዛሪቡ።
"እታ ድሮን ኣብ ሰላማውያን ሰባት እያ ጉድኣት ኣውሪዳ፣ ሓደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ድማ፡ ነበርቲ ኣብ ማይ ዘቐድሕሉ እያ መጥቃዕቲ ፈፂማ፤ ብርክት ዝበሉ ቆሲሎም ሓደ ድማ ሽዑ ንሽዑ ሞይቱ።"
እታ ድሮን ሰለስተ ግዜ ተመላሊሳ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት፡ ክልተ ግዜ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መረዋ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ወሓዚ ሩባ መጥቃዕቲ ፈፂማ ኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ ሓያል ስንባደ ከምዝተፈጥረ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝወረዶም ኣርባዕተ ብልክዕ ናበየናይ ሆስፒታል ከምዝተልኣኹን ክዛረብ ኣይደለየን።
እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ዝተፈፀመሉ ከባቢ፡ ጣብያ መረዋ፡ ካብ ኣላማጣ 50 ኪሎሜትር ንኣንፈት ምዕራብ ዝርሕቕ ኰይኑ፡ ቆላ ባህሪ ዘለዎ ከባቢ ከምዝዀነ፡ ካብቲ ሓላፊ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ናብዚ ቆላዊ ኣከባቢ ብፍላይ ድማ ኣብ መወሳንቲ ትግራይን ኣምሓራን ዝርከብ ዋጃ ዝበሃል ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከቢድ ኣፅዋር ክፍፀም ከምዝፀንሐ ከሲሱ።
ብኣንፈት ቆቦ፡ ራያ ኣላማጣ፡ ብኽልቲኡ ወገን ከቢድ ወተሃደራዊ ምትእኽኻብን ምድላዋትን ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ካብ ወተሃደራውን ሲቪላውን ምንጭታት ዝረኸቦ እሙን ሓበሬታ የመልክት።
ግጭት ሸራሪና
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ቀዳም 01 ነሓሰ 2026 (ኣ.ኤ) ዝተወልዐ ከቢድ ውግእ ኣብዚ እዋን ሃዲኡ ከም ዘሎ፡ እንተዀነ ብኻልኦት ግንባራት ክውላዕ ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ወተሃደራዊ ምንጪ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኣብ ሸረሪና ዝተኻየደ ውግእ ሽዑ ቀዳም ኣማስያኡ ደው ኢሉ እዩ።
ኣብቲ ውግእ፡ ብወገን ሓይልታት ትግራይ 'ኣርሚ 13'፡ ብወገን ፈደራል ድማ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምዕራብ ትግራይ ንምቍጽጻር ብመንግስቲ ፈደራል ዝተመስረተ "ተከዘ ዘብ" ዝበሃል ዕጡቕ ሓይሊ ዝተደገፈ ሰራዊት ፈደራል ከም ዝተሳተፉ እቲ ወተሃደራዊ ምንጪ ሓቢሩ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ኣብ ሸረሪና ዘጋጠመ ውግእ ዛጊት ዝዀነ ወግዓዊ መንግስታዊ መግለጺ ኣይሃበን።
ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ውግእ ሸረሪና፡ ሓይልታት ፈደራል ከበድቲ ኣጽዋር ከም ዝተጠቕሙን ክልተ መጥቃዕትታት ድሮን ከም ዘካየዱን፡ ብወገን ሰበስልጣን ትግራይ ዝተዋህበ መግለጺ ዘመልክት።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ መግለጺ ከም ዝጠቕሶ፡ ኣብቲ ናይ ውግእ ሸረሪና፡ ተሳትፎ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ [ዕጡቓት ሱዳን] ከም ዝነበሮ ይኸስስ።
ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣናቱ፡ ምኒስተራት- ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዶ/ር ኣብርሃም በላይን፡ በብወገኖም ኣብ ማሕበራዊ ገጻቶም ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ፡ ህወሓት ነቲ ውግእ ብምጅማር ከሲሶም።
ድሕረ ባይታ
ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ፡ ካብቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር (ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ዝነበረ) ብመራሕቲ ህወሓት ካብ ዝእለ ንደሓር፡ እናኸፍአ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ህወሓት፡ ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዳግማይ ብምምላስ ድማ ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ገይሩ ሸይሙዎ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ኣጋዲዱዎ።
ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን፡ ምስ ዝሕታለ ትግበራ፡ ኲናት ትግራይ ጠጠው ዘበለ- ውዕል ፕሪቶርያ፡ ብዛዛመድ ክካሰሱ ምጽንሖም ይዝከር።
ዝሓለፈ 7 ሓምለ 2026 ግን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንዂናት ይዳሎ ከም ዘሎ ከሲሱ ነይሩ፤ ኤርትራ ነዚ ክስታት ትነጽግ።