እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሓያለ ሰባት ተቐቲሎም
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ህጻንን ዝርከብዎም ብውሕዱ 13 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ነበርቲ ክወጽኡ ኣብ ዝኣዘዘሉ ኣብ ኣውራጃ ናባቲሕ ኣብ ዝርከብ ሓቡሽ ካብ ዝተቐትሉ ሸሞንተ ሰባት ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ህጻንን ይርከቡ።
ኣብ ወረዳ ሲዶን ኣብ ዝርከብ ዝራሪየ ድማ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ኣርባዕተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣብ ወረዳ ጢሮስ'ውን ሓደ ሰብ ተቐቲሉ።
ብተወሳኺ ብድምር 32 ሰባት ከምዝቖሰሉ'ውን እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።
ዋላ እኳ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቁራጽ ተኹሲ ተገይሩ እንተነበረ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ግን ሕጂ'ውን ይቅጽል ኣሎ።
ብቀዳም ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሂዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ ንዝርከቡ ወተሃደራትን ወተሃደራዊ መካይንን እስራኤል ዒላማ ከምዝገበረ ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል ብሓሙስ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ሓደ ካብ ወተሃደራቱ ከምዝተቐትለን ካብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ብዝሒ ዝሞቱ ኣባላቱ 17 ከምዝበጽሐን ሓቢሩ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ዘተ ስዒቡ፡ ብ16 ሚያዝያ ፈለማ ን10 መዓልታት ተጻብኦታት ደው ከምዝብል ተገሊጹ ነይሩ።
ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዘይብለን ኮይነን፡ እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ዘተ ድሕሪ 1993 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መንጎአን ዝተኻየደ ርክብ እዩ።
ብ23 ሚያዝያ ድማ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ምቁራጽ ተኹሲ ንሰለስተ ሰሙን ከምዝተናውሐ ዓዊጁ።
ትራምፕ፡ እቲ ካልኣይ ርክብ ክልቲአን ሃገራት "ኣዝዩ ጽቡቕ ከምዝኸደን"፡ ኣመሪካ እውን ምስ ሊባኖስ ብምስራሕ "ካብ ሂዝቦላህ ንርእሳ ንምክልኻል ንምሕጋዝ" ከምትሰርሕ ኣኣንፊቱ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ኣብቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ተሳትፎኳ እንተዘይነበሮ፡ እስራኤል ነቲ ስምምዕ እንተኣኽቢራቶ ግን ንሱ'ውን ንመትከላት እቲ ስምምዕ ከምዘኽብር ኣመልኪቱ ነይሩ።
እቲ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ቤሩትን ደቡባዊ ከባቢኣን ዝካየድ ዝነበረ መጥቃዕትታት ደው ክብል እኳ እንተገበረ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ግን ውግእ ይቕጽል ኣሎ።
ካብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ሊባኖስ 103 ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕናን ህጹጽ ረድኤትን ዝርከብዎም 2,586 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ይሕብር።
ኣብ ሊባኖስ 17 ወተሃደራት እስራኤል ክቕተሉ እንከለው፡ ኣብ እስራኤል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሂዝቦላህ ድማ ክልተ ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።
ትማሊ ቀዳም ንግሆ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ "ኣስታት 50 መጥቃዕቲታት" ከምዘካየደ ገሊጹ።
ሂዝቦላህ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበረ ዋና ቤት ጽሕፈትን ንወተሃደራዊ ዕላማታት ዝውዕሉ ህንጻታትን ዒላማ ከምዝተገበሩ እውን ሓቢሩ።
ቅድሚኡ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ድማ፡ ሰራዊት እስራኤል ክልተ "ዒላማታት ኣየር" ቅድሚ ናብ መሬት እስራኤል ምሕላፎም ከምዘበርዓነ ኣመልኪቱ ነይሩ።