እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውከስ - ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ውስጠ-ባሕሪ ከማዕብላ ወጢነን
ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን፡ በቲ 'ኣውኩስ' ብዝብል ዝፍለጥ ወተሃደራዊ ኪዳን፣ ውሽተ-ባሕሪ ገመዳት ንምክልኻልን ንምዕባልን ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘማዕበላ ገሊፀን ገሊፀን።
እተን ብዘይ-ሰብ ዝሰርሕ ተሽከርካርቲ (UUV) ቴክኖሎጂ፡ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ድሉው ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ድምር ወጻኢት ናይቲ ፕሮጀክት እኳ እንተዘይተገልጸ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ጆን ሂሊ፡ ሃገሩ 150 ሚልዮን ፓውንድ (201 ሚልዮን ዶላር) ከተበርክት ምዃና ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሚኒስተራት ምክልኻል እተን ሃገራት፡ ኣብ ሲንጋፖር ዘካየድዎ ዋዕላ ጸጥታ ስዒቡ ዝወፅአ መግለጺ፡ ኣብ ፕሮጀክትታት ኣውኩስ ከምቲ ትፅቢት ዝተገብረሉ ከምዘይነፍዐ ይገፅ።
ጆን ሄሊ ነቲ ነቐፌታ ብኣወንታ ብምቕባል፡ "ኣብ ኣውኩስ ብዙሕ እዋን ተዛሪብና፡ ውሑድ ድማ ገይርና፤ እዚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ እተን ሰለስተ መንግስታት ተቐይሩ ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ኣብ 2021 ዝተጀመረ ሓበራዊ ውዕል-ምክልኻል ኣውኩስ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኒዩክለራዊ ሳብማሪናት ከም ዘማዕብላን፡ ምትሕብባር ወተሃደራዊ ክእለታት ከም ዘዕምቛን ኣረጋጊጹ።
እቲ ፕሮጀክት፡ ቻይና ኣብ ኢንዶ-ፓሲፊክ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓሳን፡ ኣብ ከም ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዝኣመሰሉ ኣካታዕቲ ግዝኣታት ኣብ ዝውስኽ ወጥሪ ዘለዋ ተራን ንምምካት ዝዓለመ ምዃኑ ብሰፊሑ ይሕመ።
ብመሰርት'ቲ ሽርክና፡ መሻርኽቲ ሃገራት ኣብ ከም ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት፣ ትሕቲ ባሕሪ ሮቦቲክስን ኤኣይን ዝኣመሰሉ መዳያት ኣብ "ምዕቡል ዓቕሚ" ብሓባር ይሰርሓ።
እቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ ፕሮጀክት ንመሰረተ ልምዓት ትሕቲ ባሕሪ ክከላኸሉ ዝኽእሉ፡ ሓበራዊ መጠቃዕቲ ዘካይዱን፣ ከምኡ'ውን ውሽጠ-ማያዊ ንጥፈታት ዝቈፃፀሩ፣ ዳህሳስን ሎጂስቲክስን ከካይዱ ዝኽእሉ "ስርዓታትን ድሮን" ክምዕብል ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሩስያ ኣብ ሰሜን ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ማያት ብገመዳትን ቱቦታትን ስዉር ስርሒታት እተካይድ ከምዘላ ድሕሪ ምኽሳሳ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እዩ።
ሞስኮ ነዚ ክሲ ነጺጋቶ ኣላ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብኣስታት 60 ትሕቲ ባሕሪ ገመዳት ዝተኣሳሰረት ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ማያት ዓባይ ብሪጣንያ መራኽብ ሩስያ ዝተርአያ ኰይነን፡ ሰበስልጣን ብሪጣንያ ካብ ሞስኮ ስግኣት እናወሰኸ ምመፅኡ ከምዘሎ ይገልጹ።
ኣብ ካልእ ቦታታት፡ መራኽብ ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ኣብ ዝርከብ ማያትን ኣብ መሬት ሽወደንን ንገመዳት ሳብማሪን ከም ዘዕነዋ ይጥርጠር።
ብሰንበት እቶም ሰለስተ ሚኒስተራት ምክልኻል እተን ሸርኪ-ሃገራት፡ ፕሮጀክት ቴክኖሎጂ ዩዩቪ፡ ትሕተ ባሕሪ ንጥፈታት ሩስያን ቻይናን ንምምካት ዝዓለመ ድዩ ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ መልሲ ካብ ምሃብ ተዓቂቦም።
ብመሰረት ዓንዲ ሓደ ናይቲ ውዕል ምክልኻል፡ ሓይሊ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን፡ ብኒዩክለራዊ ሓይሊ ዝሰርሓ ናይ መጥቃዕቲ ሳብማሪናት ክህነጻ እየን።
ብፍላይ ንኣውስትራልያ እዚ ስምምዕ ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕማ ዓቢ ምዕባለ ዘርኢ ዩ።
እታ ሃገር፡ ደድሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዩክለራዊ ቴክኖሎጂ ዋሽንግተን እትቕበል ካልኣይቲ ክትከውን እያ።
ኣብ ኣውስትራልያ ግን እዚ ዓቢ ፕሮጀክት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ግዚኡ ክዕወት ይኽእል ድዩ፡ ዝብል ሕቶታት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
ሳብማሪናት ኣውኩስ፡ ኣብ 2040ታት ድልዋት ክኾና መደብ ተታሒዙለን ኣሎ።
ክሳብ ሽዑ፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ነተን ዘለዋ ብኒዩክለራዊ ሓይሊ ዝሰርሓ ሳብማሪናት ብኣውስትራልያ ኣቢለን ክንቀሳቐሳ እየን።
ኣብ 2030ታት ድማ ኣውስትራልያ ካብ ኣመሪካ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ-ኒዩክለራዊ ሳብማሪን ክትገዝእ እያ።