ወሰንቲ መስመራት ባሕሪ ብኸም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ 'ዓቕሚ' ዘለወን ሃገራት ክሕለዉ ኣለዎም - ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali/Youtube
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ንኣሽቱ ሃገራት" ወሰንቲ መስመራት ባሕሪ "ንምሕላው" ስለ ዘይክእላ፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ "ዓቕሚ ዘለወን" ሃገራት ክሳተፋ ከም ዘለወን ገሊጹ።
ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ "ብዝተኻእለ መጠን ብሰላም" ክፍታሕ ኣለዎ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ግድን ክፍጸም ዘለዎ" ጉዳይ ምዃኑ ግን ጠቒሱ።
ኣቢይ ነዚ ዝገለጸ ምስ ሃገራዊ መደበር ተለቪዥን ኢቲቪ ኣብ ዘካየዶ ክልተ ክፋላት ቃለመሕትት እዩ።
እቲ ብረቡዕ 15 ምያዝያ 2026 ዝተዘርግሐ ናይ መወዳእታ ክፋል፡ ብቐንዱ ኣብ ጽላት ማኑፋክቸሪንግ ዘተኰረ እዩ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ምትራፋ፡ ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪ ማኑፋክቸሪንግ ጸቕጢ ከም ዘሕደረ እውን ተዛሪቡ።
"ኢትዮጵያ ዜጋታታ ብእኹል መንገዲ መጊባ፡ ንገዛእ ርእሳ ክኢላ፡ ኣብ ዓለም ተወዳዲራ ዝሓሸት ሃገር ንምዃን እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ወደብ ዘይምህላው'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ "ናይ ህላወ ጉዳይ" ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እታ ሃገር ዘልዓለቶ መሰል ዋንነትን ተጠቃምነትን ኣፍደገ ባሕሪ ድማ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ፕረዚደንት ታየ ኣስቀ ስላሴን ዝርከቡዎም ስቪላውያንን ወተሃደራውያን መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብ 1991 ከምኡ'ውን ኣብ 1993 ሓርነታን ናጽነታን ኣብ ዝኣወጀትሉ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ጥልመት ከም ዝተፈጸመ'ዮም ዝኸሱ።
ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1993 ናጽነታን ልኡላውነታን ኣብ ዝኣወጀትሉ ብህወሓት ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሉእ ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ይፍለጥ። ገለ ኢትዮጵያን፡ ኢህወደግ እንተ ወሓደ ንወደብ ዓሰብ ንምውናን ክከራኸር ይኽእል ነይሩ'ዩ ብምባል'ዮም ዝምጕቱ።
ብወገን ኤርትራ ክወሃብ ዝጸንሐ ወግዓዊ ግብረመልስታት፡ መግለጺታት ኢትዮጵያ፡ ታሪኽ ኣዘንቢዑ ንልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝዳፈር ተዅታዂ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተበትከ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዳግማይ ደማዊ ኲናት ከይውላዕ ዓቢ ስግኣት'ዩ ተፈጢሩ ዝርከብ።
ኣቢይ ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከልዕሎ ዝጸንሐ ጉዳይ፡ ሕጂ ምስ ኲናት ኢራን ብዝተኣሳሰር "ኵሉ ሰብ" ይርድኦ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
"ሕጂ ንጹር'ዩ ዝመስለኒ፣ ኢትዮጵያ እትኣክል ሃገር ካብ [ባሕሪ] ርሒቓ ምንባራ ናይ ህልውና ጉዳይ'ዩ ዘበለና ሕጂ ዝዀነ ሰብ ብቐሊሉ ዝርድኦ ይመስለኒ፡" ኢሉ።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላዉ ብመንጽር ሎጂስቲክስን ዘስዕቦ ጸገማትን እውን ኣብሪሁ።
ናይ ኢንተርነት ሓበሬታ ዝመሓላለፈሎም ገመዳት ትሕቲ ባሕሪ፡ ብኻልኦት ሃገራት ክሓልፍ ከሎ፡ "እቲ ሓበሬታ ናይ ብሕቲ ኣይኰነን፤ ምስጢር የሎን ማለት'ዩ፡" ብምባል ድሕነት "ምስጢር ሃገራት" ምርግጋጽ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎን ምስጥራውነት ሰደድን ኣታውን ኣቑሑት ንምዕቃብ ከይተረፈ ጸገም ከም ዝፈጥርን ኣመልኪቱ።
ብተወሳኺ፡ ወደብ ባሕሪ ዘይምህላዉ ወጻኢታት ሎጂስቲክስ ክብ ክብል ከም ዝገበረ ሓቢሩ። ካብ ወጻኢ ንዝኣትዉ ኣቑሑት ዝኽፈል ገንዘብ "ካብ ጐረባብትና ካብ 50 ክሳብ 100 ሚእታዊት ዝዛይድ'ዩ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Shipping and Logistics
"በዚ ምኽንያት ብሓባር እንተ ዘይሰሪሕና፡ ኣብ ሓጺርን ነዊሕን እዋን ስእነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ስእነት ወደብ፡ ከምኡ'ውን ውሱን ሎጂስቲክስ ንብልጽግና ኢትዮጵያ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ክቕጽል'ዩ - ኣብ ናትና ግዜናን ኣብ መጻእን።
"ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዓለም መበል ዓስረይቲ ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕጂ ጸገም ወደብ ዘይነበራ ሃገር፡" ኣፍደገ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ ምኽንያት፡ "ብሰንኪ ክፍኣት፡ ብዘይምዝራብ፡ ኣብ መትከል ሂብካ ምቕባል ብዘይምእማን፡ ከምኡ'ውን ብሓባር ንምንባር ድልውነት ብዘይምህላው'ዩ፡" ክብል እውን ተሰሚዑ።
ኢራን ዝዓጸወቶ መጻብቦ ሆርሙዝ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ "ቀይሕ ባሕሪ እንተ ተዓጽዩ፡ ንዕኡ ንምኽፋት ካብና ብዝዛየደ ናይ መን ኣጀንዳ ክኸውን ይኽእል?" ክብል ሓተቱ።
ኣቢይ ከም ዝብሎ፡ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ዝተፈጥረ ምቍራጽ ቀረብ ጸዓት፡ ካብ ካልኦት ዞባታት ኣፍሪቃ ዝያዳ ኣብ "ምብራቕ ኣፍሪቃ" እዩ ጽልዋ ኣሕዲሩ።
ቀረብ ሰንሰለት ሃገራት ሰሜን፡ ምዕራብን ደቡብን ኣፍሪቃ ብኻልኦት መስመራት ባሕሪ ከም ዝሓልፍ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ንሕና ግን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይዅን ኣብ ወሽመጥ ዓደን ይዅን ኣብ ዙርያ ኢራን ዝርከብ መስመር ብቐጥታ መጥቃዕቲ ዝበጽሓና ሃገር ኢና፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Gallo Images via Getty
እቲ ኣብ "ርሑቕ" መጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻው፡ ከምኡ'ውን "እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኣብ ጸገም ብምእታው"እቲ ጸገም ከም ዝተጋደደ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ኣብ መንጎ ወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን ዝርከብ መጻብቦ ባብ-ኤል መንዳብ ከየጥቅዑ ስግኣት ከም ዘሎ እውን ኣመልኪቱ።
"እቲ ጸገም ክንከላኸሎ፡ ዋላ'ውን ረብሓና ክንሕሉ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ኣዝዩ ኣዝዩ ከቢድ ጉዳይ'ዩ። ጐረባብትና ክሓስብሉ ይግባእ፤ ዓለም ክሓስበሉ ይግባእ። ከቢድ ጉዳይ'ዩ፡" ኢሉ።
"ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እንተ ዘይህልዋ፡ ኣይትዓብን ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ዞባ'ውን ኣይቅየርን፣ እቲ ዞባ ሰላም ኣይረክብን። ንግዲ ዓለም'ውን ክዕንቀፍ'ዩ፡" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።
"ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ምርልውስ ሃገራት ክኣትዉ ዝግብኦም ከባቢታት፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ካብቲ ጉዳይ ርሒቐን እንተ ከይደን፡ ንኣሽቱ ሃገራት ነቲ መጻብቦ፡ ነቲ ወሽመጥ ክሕልዋ ስለ ዘይክእላ ንገዛእ ርእሰን ይዅን ንዓለምን ሓደጋ ከስዕብ'ዩ፡" ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ክረክብ ዘለዎ ድሌት ብግልጺ ምግላጽ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝፈረሞ ናይ ምርድዳእ መዘክር ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወደብ ክውንን ዘለዎ ድሌት ኣብ ዝገለጸሉ እዋናት ድማ ስም ወደብ ዓሰብ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ጸኒሑ እዩ። ኤርትራ ግን ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝቃላሕ ዘሎ ጠለባት ኣፍደገ ባሕሪ "ኣዋጅ ኲናት" ብምባል'ያ ትነቕፎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


