ኣሕመዲነጃድ፡ ካብ ዕሉል ጸላኢ ናብ ተስፋ እስራኤል

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

"እዚ ጽዩፍ ስርዓት [እስራኤል] ናብ ውድቀት ዘህትፍ ቍልቍል ረጊጹ ከም ዘሎ ክትፈልጡ ይግባእ። ብጸጋ ኣምላኽ ድማ ክዓኑ እዩ፣ ንዓኡ ከድሕን ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ረቛሒ የሎን። እዚ ስርዓት'ዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ጕዕዞኡ በጺሑ እዩ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ካብ ጆግራፊያዊ መድረኽ ክሕከኽ እዩ።"

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መግለጺታት፡ ንፕረዚደንት ኢራን ነበር ማሕሙድ ኣሕመዲነጃድ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ብዝለዓለ ደረጃ ዝፍለጡ ጸረ-እስራኤል ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ገይሩዎ ነይሩ - እኳ ደኣ ንሓያሎ ዓመታት።

ንሱ ንሆሎኮስት (ህልቂት ኣይሁድ) ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ፡ ንእስራኤል "ዝተፈብረኸ ስርዓት" ኢሉ ዝጸውዐ፣ ከምኡ'ውን ዋላ'ኳ እገዳታት እንተ ተነብረ ንምምዕባል ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ዝሕለቕ ፖለቲካዊ መርገጺታት ነይሩዎ።

ንዘረባኡ ድማ ሰበስልጣን እስራኤል፡ ኢራን ሓቀኛ ስግኣት ምዃና ክገልጹ ከለዉ ብተደጋጋሚ ከም መወከሲ ክጥቀምሉ ደሪኹዎም እዩ።

ይዅን እምበር፡ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብቲ "ድሕሪ ውግእ ዝህሉ መደባቶም"፡ ኣሕመዲነጃድ ካብ ትካላት ጸጥታ ኢራን ተፈልዩ ከም ናይ መጻኢ መራሒ ክቐርብ ዝኽእለሉ ዕድል ገምጊመን።

ጠቓሚ ጸላኢ ንእስራኤል

ነዚ ጉዳይ'ዚ ብዕምቈት ንምርዳእ፡ ኣሕመዲነጃድ ኣብ ፖለቲካ ኢራን ሓይሊ ክረክብ ናብ ዝጀመረሉ ዓመታት ምምላስ የድሊ።

ኣብ 2003 ከም ፖለቲካዊ መራሒ ብዙሕ ከይተፈልጠ ከሎ ከንቲባ ቴህራን ኰይኑ ተመርጸ፤ ኣብ 2005 ድማ ብምሉእ ደገፍ እቲ ኵሉ ዝውስን ላዕለዋይ መራሒ ዓሊ ኻመኒ ናብ ስልጣን ፕረዚደንትነት መጽአ።

ኣብ ግዜ መረጻኡ ንፍትሒ፡ ርግኣት ህይወትን ውግእ ጸረ-ብልሽውናን ዝገልጹ ጭርሖታት እኳ ይጥቀም እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ ውሽጣዊ ፖሊሲታቱ ዘይኰነስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ኣመሪካን ሆሎኮስትን ብዝሃቦም ርእይቶታት እዩ ግን ብደረጃ ዓለም ዝፍለጥ ጸላዊ ፖለቲከኛ ዝዀነ።

ዓመታት ጸኒሖም፡ ገሊኦም ሰበስልጣንን ተንተንትን እስራኤል፡ ኣሕመዲነጃድ ብትሪ ወግዓዊ ዘረባታቱን ክሕደት ሆሎኮስትን ብተግባር ንረብሓ እስራኤል ከም ዝዓየየ ብግልጺ ተዛሪቦም እዮም።

ኣብ 2008፡ ሓለቓ ሞሳድ ነበር ኤፍረም ሃለቪ፡ "ኢራን ንእስራኤል ዝሃበታ ዓቢ ህያብ፡" ክብል ንኣሕመዲነጃድ ገሊጹዎ ነይሩ።

ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ዝሰዓበ ናይ ምስሊ ለውጢ

ኣብ 2013 ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ፡ ኣሕመዲነጃድ ምስ ላዕለዋይ መራሒ ዓሊ ኻመኒ ከምኡ'ውን ምስ ኣካላት ጸጥታ ኢራን (ሓለዋ ሰውራ ሓዊሱ) ብዝለዓለ ደረጃ ክጋጮ ጀመረ።

ጸኒሑ ድማ ብቤትምኽሪ ሓለዋ ኢራን ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻታት ከይወዳደር ተኸልከለ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣሕመዲነጃድ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንዝጸንሖ ምስሊ ዳግም ኣሐዲሱዎ እዩ።

ጽሑፋት ብእንግሊዝኛ ክዝርግሕ፡ ንጋንታ ኩዕሶ ሰኪዐት ዩኒቨርሲቲ ሚችጋን እንቋዕ ሓጐሰኩም ክብል፡ ከምኡ'ውን ካብ ግጥምታት ፍሉጥ ኣመሪካዊ ራፐር ቱፓክ ሻኩር ክጠቅስ ተራእዩ እዩ።

ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ኣብ ኣመሪካ ጸረ-ፖለቲካዊ ብልሽውና ብምቅላሱ፡" ንኢዱዎ።

ስለምንታይ ስም ኣሕመዲነጃድ ይለዓል ኣሎ?

እዚ ኵሉ እንተታት እንከሎ ስለምንታይ ስም ኣሕመዲነጃድ ይለዓል ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ።

መልሲ ናይዚ ሕቶ'ዚ፡ ኣብ ድምር እዞም ዝስዕቡ ፍሉያት ሰለስተ ባህርያቱ ዝተመርኰሰ ክኸውን ይኽእል እዩ፤

  • ህቡብነት፤ ኣብ ውሽጢ ኢራን ብሰፊሑ ዝተፈልጠ ምዃኑ፣
  • ናይ ውሽጢ ተመኵሮ፤ መንግስቲ ናይ ምምራሕ ተመኵሮ ዘለዎ ምዃኑ፣
  • ካብ ላዕለዋይ መራሒ ዘለዎ ርሕቀት፤ ምስ ኻመኒ ብዘለዎ ዘይምቅዳው ኣካል እቲ ስርዓት ኰይኑ ከም ዘይርአ ገይሩዎ እዩ።

ካብ ኣረኣእያ ገሊኦም ክኢላታት ናይ ጉዳያት ወጻኢ ፖሊሲ፡ እዞም ባህርያት እዚኦም ኣብ እዋን ዘይምርግጋእ ከም መሳርሒ ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ ዘመልክቱ ነይሮም ክኰኑ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ድማ ከም መሓዛ ዘይኰኑስ ኣብ ውሽጢ መዋቕር ናይቲ ስርዓት ምክፍፋል ንምፍጣር ከም ግዝያዊ መሳርሒ ንምጥቃም ዝዓለመ እዩ።

ብሓቂኸ ኣሕመዲነጃድ መን እዩ?

ገለኦም ኢራናውያን ነቐፍትን ተንተንትን፡ ኣሕመዲነጃድ ኣብዚ ዓመታት ዘርኣዮ ባህርያት - ካብ እዋን ፕረዚደንትነቱን ኣካታዕቲ ናይ ወጻኢ ጕዕዞታቱን ጀሚሩ ክሳብ እቲ ኣብዚ ናይ ቀረባ ግዜ ኲናት ዘርኣዮ ስቕታ- ብዛዕባ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ካልእ ሕቶታት ከም ዘልዓለ ይማጐቱ።

እዚ መርገጺ ናይ ምቕያር ሃቐናኡን ሓደስቲ ኪዳናት ናይ ምፍጣር ድልውነቱን፡ ጽኑዕ ስነሓሳባዊ መስመር ካብ ምኽታል፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ዝካየድ ናይ ስልጣን ቃልሲ ንምንባር ዘካይዶ ዘሎ ስልታዊ ምንቅስቓስ ዘንጸባርቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብርግጽ፡ ንኣሕመዲነጃድ ምስ እስራኤል ወይ ምስ ኣመሪካ ዘተኣሳስር ሓደ'ኳ ጭቡጥ መርትዖ የሎን።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ስግንጢርነት ገና ቀጺሉ ኣሎ።

ንሓያሎ ዓመታት ብትሪ ጸረ-እስራኤል መግለጺታቱ ዝፍለጥ ዝነበረ ፖለቲከኛ፡ ሕጂ ኣብ ገለኦም ጸብጻባት ከም ሓደ ናብ ስልጣን ክመጽእ ተኽእሎ ዘለዎ ኰይኑ ይቐርብ ኣሎ።

እዚ ዝተራእየ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ጕዕዞ ኢራን ንነዊሕ እዋን መልሲ ከይረኸበ ዝጸንሐ ዓቢ ሕቶ፡ ዳግማይ ክልዓል ገይሩዎ ኣሎ።