ብቴክኒካዊ መዳይ ኣብ ኲናት ዝርከባ ጐረባብቲ፡ ኣየኖት ሃገራት ዓረብ'የን ንእስራኤል ኣፍልጦ ዝህባ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰበስልጣን እስራኤልን ሊባኖስን፡ ኣብ መንጐ ሕዝቦላህን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ኣብ ዋሽንግተን ዳግማይ ክራኸቡ'ዮም ተባሂሉ ነይሩ። እዚ ብመንጐኝነት ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ዙርያ ዝርርብ'ዩ።
እዚ ዘተ ድሕሪ'ቲ ብ23 ምያዝያ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ነቲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ "ኵለመዳያዊ ስምምዕ ሰላምን ጸጥታን" ኢሉ ዝገለጾ ንምስጓም ዝዓለመ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ቶሚ ፒጎት ብ8 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ዋላ'ኳ ብሸምጋልነት ኣመሪካ ብ16 ምያዝያ ተዅሲ ደው ምባል እንተ ተኣወጀ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን እቲ ብዓቢኡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከብ ዕጡቕ ጕጅለ ሺዓ ሕዝቦላህን ምልውዋጥ ተዅሲ ቀጺሉ'ሎ።
እስራኤል'ውን ብ6 ግንቦት ኣብ ልዕሊ በይሩት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ንሓደ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ቀቲላ።
እቲ ተዅሲ ደው ምባል ፈለማ ን10 መዓልታት ዝተቐመጠ ኰይኑ፡ ድሒሩ ድማ ንተወሳኺ ሰለስተ ሰሙን ተናዊሑ። እዚ ማለት ድማ እዚ ከባቢ 17 ግንቦት ክውዳእ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጐ ሊባኖስን እስራኤልን ላዕለዎት መራሕቲ ዝሳተፍሉ ርክባት ኰይኑ፡ ዋሽንግተን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጐ ኣምባሳደራት እተን ሃገራት ክልተ ኣኼባታት ኣአንጊዳ። ሕዝቦላህ ነቲ ገጽ ንገጽ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ጽኑዕ ተቓውሞ ኣስሚዑ።
ብኸመይ'ዩ ኣብዚ ተበጺሑ?
ሳልሳይ ዙር ዝርርብ እስራኤልን ሊባኖስን ብሓሙስ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክካየድ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።
ክልቲኦም ወገናት ንመወዳእታ ግዜ ብ23 ሚያዝያ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተራኸቡ ኰይኖም፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ተዅሲ ደው ምባል ንሰለስተ ሰሙን ከም ዝተናውሐ ኣፍሊጡን ታሪኻዊ ስምምዕ ክግበሩ ተስፋ ከም ዘለዎን ገሊጹ።
ንቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁን ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ዓውንን ኣብ እዋን ተዅሲ ደው ምባል ተራእዩ ዘይፈልጥ ዋዕላ ኣብ ዋሽንግተን ከአንግድ ተስፋ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
እቲ ኣኼባ ግን ኣይተኻየደን። ፕረዚደንት ኣውን፡ ከምዚ ዓይነት ዋዕላ ቅድሚ ምክያዱ፡ ናይ ጸጥታ ምድላው ምርድዳእ ከም ዘድሊ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ድማ ደው ክብል ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ብ14 ሚያዝያ፡ ወከልቲ ሊባኖስን እስራኤልን ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ተዘራሪቦም፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ምንቅስቓስ ሕዝቦላህን ዝነበረ ውግእ ንምውጋድ ዝዓለመ እዩ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ተዅሲ ደው ምባል ተኣዊጁ።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣመሪካ የኪኤል ሌይተርን ሊባኖሳዊ መዘናኡ ናዳ ሓማደህ ሞዋድን እውን ብሽምግልና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺቦም - ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን'ዩ ከምዚ ዓይነት ርክብ ተኻይዱ።
እቶም ዝርርባት ድሕሪ'ቲ ኣብ 1991 ዝተኻየደ ዋዕላ ማድሪድ ዝተራእዩ ሓደሽቲ ምዕባለታት ኰይኖም፡ እዚ፡ ብኣመሪካን ሶቭየትን ዝድገፍ ጻዕሪ ኣብ መንጐ እስራኤል፡ ፍልስጤምን ኣብ መንጐ ሊባኖስ፡ ዮርዳኖስን ሶርያን ሓዊሱ ሓያሎ ሃገራት ዓረብን ክልተኣዊ ዝርርብ ሰላም ንምጅማር ዝተኻየደ እዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ እቲ ርክባት ብዓቢኡ ብተዘዋዋሪ ኰይኑ ጸኒሑ፤ ብልሙድ ድማ ሕቡራት ሃገራት ወይ ኣመሪካ ናይ ጸጥታ ድጋፍ ይገብርሉ።
ኣብ 2022 ዝተገብረ ከምዚ ዓይነት ጻዕርታት፡ ኣብ ዶብ ባሕሪ ስምምዕ ክግበር ምኽንያት ኰይኑ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ታሕሳስ 2025 ካብ ክልቲኡ ወገን ዝመጽኡ ሲቪላውያንን ወተሃደራውያንን ወከልቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ናቆራ ብሽምግልና ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ተራኺቦም።
እስራኤልን ሊባኖስን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዘይብለንን ብቴክኒካዊ መዳይ ካብ ምምስራት ሃገረ እስራኤል 1948 ጀሚረን ኣብ ኲናት ዝጸንሓን እየን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሕዝቦላህኸ?
ኣብ 1982 ዝተመስረተ ሕዝቦላህ፡ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ብብዝሒ ሺዓ ዝነብሩሉን ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩትን ዓሚቝ ጽልዋ ዘለዎ፡ ብግቡእ ዝተዓጠቐን ዝተራቐቐን ጕጅለ እዩ።
ምስ ሕዝቦላህ ዝተሰለፉ ፖለቲከኛታት ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ዝተወከሉ ኰይኖም ኣብ ተኸታተልቲ መንግስታት እታ ሃገር ክሳተፉ ጸኒሖም። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ብደረጃ ካቢነ ምኒስተራት ክልተ ጽፍሕታት ይሕዙ ኣለዉ።
እቲ ጕጅለ ናብ ኲናት እስራኤልን ኢራንን - ቀንዲ ደጋፊቱ - ካብ ዝኣቱ ንደሓር ዝምድና ሕዝቦላን ማእከላይ መንግስቲ ሊባኖስን ኣብ ጸቕጢ ኣትዩ።
ወተሃደራውን መንግስታውን ሰበስልጣን እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ብኲናት ቓዛ ከም ዝተዳኸመ እኳ እንተገለጹ፡ ሃረትዝ ዝተባህለት ጋዜጣ እስራኤል ዝጠቐሰቶ ናይ ስለያ ገምጋማት ግን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ውሁድን ብቑዕን መቃለሲ ሓይሊ ኰይኑ ከም ዝቕጽል ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩት ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ኣዛዚ ኤሊት ሓይሊ ራድዋን ሕዝቦላህ ዝዀነ ኣሕመድ ዓሊ ባሉት ከም ዝቐተለቶ ገሊጻ ነይራ።
ድሒሩ ሓደ በዓል ስልጣን ሕዝቦላህ ሞቱ ኣረጋጊጹ፤ እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብ እዋን ኲናት ዝተቐትሉ ላዕለዎት ሰባት ናይቲ ጉጅለ ይገብሮ።
እዚ ስርሒት እስራኤል ድሕሪ'ቲ ብ16 ሚያዝያ ዝተፈጸመ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ከባቢ ቤይሩት ዘካየደቶ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ'ዩ።
ሓይልታት እስራኤል'ውን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከባ ዓድታት ከፍርሱ ጸኒሖም'ዮም፤ እቲ ዕላማ ሰሜናዊ እስራኤል ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሲቪላዊ ከባቢታት ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ዝበሎም ተዋጋእቲ ሕዝቦላህ ንምክልኻል'ዩ ኢሎም።
ሕዝቦላህ፡ እቲ ኲናት ብ2 መጋቢት ምስ ተላዕለ፡ ኣማኢት ሮኬታትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ እስራኤል ክድርቢ ጀሚሩ።
እቲ ተኹሲ ደው ምባል ብ16 ሚያዝያ ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ኔታንያሁ ነቲ ጉጅለ ዕጥቂ ምፍታሕ ኣብ ዝዀነ መጻኢ ዝርርብ ሰላም ቁልፊ ጠለብ ክኸውን እዩ ኢሉ።
ሕዝቦላህ ነቲ መርገጺ ብምንጻግ፡ ዕጫ ኣጽዋራቱ ድሕሪ እቲ ግጭት ብሃገራዊ ዘተ ክውሰን ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ።
ኢራን ብወገና፡ ቅድሚ ዝዀነ ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ዝግበር ሰፊሕ ስምምዕ፡ ኣብ ሊባኖስ ነባሪ ተኹሲ ደው ምባል ክበግር ጸዊዓ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ንውጥን ስምምዕ ኣመሪካ ንኽትቕበል ዝገብሮ ዝነበረ ጸቕጢ'ዉን ተቓዊማ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ሊባኖስ ብውሕዱ 2,896 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፤ መብዛሕትኦም ካብ ደቡብ ሊባኖስ ዝመጽኡ እዮም።
ሰብመዚ እስራኤል ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 18 ወተሃደራትን 4 ሲቪላትን ከም ዝተቐትሉ ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤልን ሊባኖስን ንምንታይ'ዩ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘይብለን?
እስራኤልን ሊባኖስን ብቴክኒካዊ መዳይ ካብ 1948 ጀሚረን ኣብ ውግእ ዝነበራ ኰይነን፡ ሊባኖስ ምስ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ተጸንቢራ ምፍጣር ሃገርነት እስራኤል ተቓዊማ እያ።
ቁልፊ ምኽንያታት ድማ፤
ውዕል ሰላም የለን፡ ሊባኖስ ዘይከም ግብጽን ዮርዳኖስን ምስ እስራኤል ስምምዕ ሰላም ፈሪማ ኣይትፈልጥን።
ግጭትን ምትእትታውን፡ ኲናት ሓድሕድ ሊባኖስን ተደጋጋሚ ወተሃደራዊ ምትእትታው እስራኤልን ንጽልኢ ኣዕሚቑን ንቡር ዝምድና ከይህሉ ዓጊቱን። እስራኤል ካብ 1982 ክሳብ 2000 ንደቡባዊ ሊባኖስ ሒዛቶ።
ተራ ሕዝቦላህ፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ሕዝቦላህ ካብ መሬት ሊባኖስ ንእስራኤል ዝገጥም ዓብላሊ ዕጡቕ ሓይሊ ኰይኑ ጸኒሑ። እስራኤል ነቲ ጉጅለ ከም ቀንዲ ጸላኢኣ ክትሪኦ እንከላ፡ ሕዝቦላህ ድማ ንህላወ እስራኤል ይነጽጐ።
ሕጋዊ ደረጃ፡ ሊባኖስ ንእስራኤል ከም ጸላኢት ሃገር ብወግዒ ብምምዝጋብ፡ መገሻን ርክብን ኣጊዳ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሊባኖስ ጽኑዕ እገዳ ጕዕዞ ተግባራዊ ትገብር።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ቴክኒካዊ ዘተታት ከይተረፈ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ቀጥታዊ ርክብ ብምርሓቕ፡ ኣብ ክንድኡ ብሳልሳይ ወገን ዝካየዱ ኰይኖም ጸኒሖም።
ንእስራኤል ኣፍልጦ ሃገርነት ዝህባን ዘይህባን
ክሳብ ግንቦት 2026፡ ሽዱሽተ ሃገራት ዓረብ ምስ እስራኤል ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣለወን፤
እዚአን ድማ፡ ግብጺ (1979)፡ ዮርዳኖስ (1994)፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ (2020)፡ ባሕሬን (2020)፡ ሞሮኮ (2020)፡ ሱዳን (2020) እየን።
እዞም ስምምዓት፡ ብዙሓት ካብኣቶም ብሸምጋልነት ኣመሪካ ዝመጽኡ ኰይኖም፡ ጸጥታዊ ስክፍታታት፡ ቁጠባዊ ዕድላትን ጂኦፖለቲካዊ ረቛሒታትን ዝደረዀም'ዮም። እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ጽልዋ ኢራን ይርከቦ።
ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ካብተን ስምምዓት ኣብርሃም ዝተሰማምዓ ሃገራት - ኢማራት፡ ባሕሬን፡ ሞሮኮን ሱዳንን - ዋላ'ኳ ገሊአን ንህዝባዊ ምትእስሳር ኣጕዲለን ንጉዳይ ፍልስጤም ዘለወን ደገፍ ዘስመራሉ እንተሃለዋ፡ ካብቲ ስምምዓት ብወግዒ ዝተሰሓበት ሃገር የላን።
ንኣብነት፡ ኢማራት ዓረብ ንሓባራዊ ፕሮጀክትታት ኣጕዲላቶ፡ ሞሮኮ ልዑል ዲፕሎማስያዊ ምልውዋጥ ኣጕዲላቶ፡ ባሕሬን ድማ ነቲ ስምምዓት ኣመልኪቱ ዝግበር ህዝባዊ ጽምብል ደው ኣቢላቶ።
መብዛሕትአን ሃገራት ዓረብ ግን ክሳብ ሕጂ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና የብለንን።
ንኣብነት፡ ሊባኖስ እዩ፤ ሶርያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኩዌት፡ ዒራቕ፡ ቐጠር፡ ኣልጀርያ፡ ሊብያ፡ የመን፡ ዖማን (ርክባት ዝሕሉ ግን ከኣ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘይብላ) ምጥቃስ ይከኣል።
ብዙሓት መንግስታት ዓረብ፡ መንግስቲ ፍልስጤም ዘይምህላውን እስራኤል ግዝኣታት ፍልስጤም ምሓዛን ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ምምስራት ዝምድናታት ምዃኑ ይጠቕሱ።
ስዑዲ ዓረብ ቅድሚ ኲናት ቓዛ ንእስራኤል ኣፍልጦ ንምሃብ ቀሪባ ነይራ፣ እዚ ድማ ድሕሪ'ቲ ብሸምጋልነት ኣመሪካ ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ዝምዕብል ዝነበረ እዩ። እንተዀነ እቲ መስርሕ ደው ኢሉ ኣሎ።
ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝዀነ ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ናብ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ንምኻድ ዘኽእል ጭቡጥ ምዕባለ ከም ዘድልዮ ገሊጾም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ምርጫ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ንእስራኤል ኣፍልጦ ንምሃብ - እንተላይ ኣብተን ቅድሚ ሕጂ ርክብ ናብ ንቡር ዝመለሳ ሃገራት - ብዓቢኡ ብወተሃደራዊ ስጕምትታት እስራኤልን ኣብ ቓዛ ዝተፈጸመ ዕንወትን ዝድረኽ ሰፊሕን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ተቓውሞ ይሕብር።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


