እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ምሩጽ ኣሳእል ጽንብል መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት
መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለያ ካልኦት ሃገራት ዓለምን ተጸንቢሉ ኣሎ። ንገለ ካብኡ ዝውክል ኣሳእል ኣብ ታሕቲ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።
ብሰንበት 24 ግንቦት ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብመንግስቲ ዝተዳለወ ወግዓዊ ጽንብል ግን ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ዝበለ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ምዝዛም ናይቲ ስነስርዓት ዝተወልዐን ንልዕሊ 15 ደቒቕ ዝቐጸለን ሪቺታት ነቲ ጽንብል ፍሉይ ደምቀት ሂቡዎ ኣምስዩ።
ኣብ ወጻኢ'ውን ዝበዝሕ ብወከልቲ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱ ዝኾኑ ማሕበረኮማትን ዝተወደበ ጽንብላት ክካየድ ቀንዩ እዩ።
ካብ 1.5 ክሳብ 2 ሚልዮን ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ከምዝነብሩ ይፍለጥ። ኣስታት 700 ሽሕ ካብኦም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ሓተትቲ ዕቝባን ስደተኛታትን ዝፈልጦም እዮም።
ገለ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተቓወምቲ መንግስቲ ግን፡ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኣትያ፡ ብዙሕ ካብ ህዝባ ናብ ስደት ፋሕ ኣብ ዝበለሉን፡ ምግሃስ መሰላት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋንን ነቲ ጽንብል ከም ዘይድግፍዎ ይገልጹ።
'ግሎባል ይኣክል' ተባሂሉ ዝፍለጥ ንለውጢ ዝቃለስ ምንቅስቓስ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምኽባር መዓልቲ ናጽነት "ኣብ ታሪኽ ኤርትራዊ ወለዶታት እትህቦ ክብርን ድምቀትን፡ ፍሉይን ልዑልን እዩ" ብምባል፡ "ን35 ዓመታት ክትደሚ፡ ህዝባ ዋና ስኢኑ ፈቐድኡ ክብተን፡ መንእሰያታ መጻኢ ጸልሚትዎም ገዲፎምዋ ክዕዘሩ፡ ኣባይታን ፋብሪካታታን ዓንዮም ናብ ሓመድ ክቕየሩ፡ ኣቤት ዝብላ ሰብ ኣይረኸበትን" ይብል።
እንተኾነ፡ ብሰንኪ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ዋጋ፡ "ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይተኸብረ፡ ናይ መን ናጽነት ክኽበር ይከኣል፧" ብምባል ነቲ ጽንብል ዘለዎ ደገፍ ኣነጺሩ።
ነቲ ዝተኻየደ ጽንብላት ዝውክል ገለ ኣሳእል እንሆ፤