ኢማራት ንኣዘዝቲ ሱዳን ንማእሰርቲ ፈሪዳ፡ ካርቱም ንሕጹይነት ኣቡ ዳቢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊማቶ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ ፈደራላዊ ቤትፍርዲ ይግባይ ኣቡ ዳቢ፡ ንሸሞንተ ዜጋታት ሱዳን - እንተላይ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊትን ስለያን እታ ሃገር - ብገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋርን ምሕጻብ ገንዘብን ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ።

እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት እናተበላሸወ ንዝመጽአ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘንጸባርቕ ኰይኑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሱዳን ንሕጹይነት ዜጋ ኢማራት ኣብ መዝነት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብትሪ ተቓዊማ።

ብመሰረት ጸብጻብ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ኢማራት (ዋም)፡ እቶም ብኣካል ኣብ ዘይተረኽቡሉ ዝተፈርዱ ሓለፍቲ፡ ምክትል ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ያሲር ኣል-ዓጣ፡ ናይ ቀደም ሓላፊ ሃገራዊ ስለያ ሳላሕ ዓብደላ (ሳላሕ ጎሽ)፡ ከምኡ'ውን ላዕለዋይ ሓላፊ ፋይናንስ ሰራዊት ሱዳን ዑስማን ኣል-ዙበይር ይርከብዎም።

እዞም ሓለፍቲ፡ ንንግዲ ከም ሽፋን ገይሩ ብዝንቀሳቐስ ትካላት ኣቢሎም፡ ካብ ስሩዕ ባንካዊ ስርዓት ወጻኢ ብዝዀነ ናይ 'ሓዋላ' ኣገባብ፡ መሳርያታት ተዅሲን ኣጽዋርን ናብ ፖርት ሱዳን ብነፋሪት ከም ዘእተዉ ይኽሰሱ።

ኣብዚ ዘይሕጋዊ መርበብ `ምትሕብባር` ገይሮም ዝተባህሉ ከም ኣማኻሪ ምኒስትሪ ፋይናንስ ዝነበረ መሓመድ ፋትሕ ኣል-በይክ ዝኣመሰሉ ሰባት'ውን ናይ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ቤት ፍርዲ ሽዱሽተ ትካላት ፍቓድ ንግደን ክስረዝን ቍጠባዊ መቕጻዕቲ ክኸፍላን ኣዚዙ።

እዚ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ሰፊሕ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ነይርዋ እዩ። ሕጂ ግና መንግስቲ ሱዳን፡ ኣቡ ዳቢ ነቲ መቐናቕንቱ ዝዀነ ዳዕመ-ሰሪዕ ብኣጽዋርን ብዘመናውያን ድሮናትን ትድግፍ ኣላ ኢሉ ይኸስስ። ኣቡ ዳቢ ግን ነዚ ክሲ ብቐጻሊ ትነጽጎ እያ።

እንተዀነ፡ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት'ውን ኢማራት ንዳዕመ-ሰሪዕ ወተሃደራዊ ቀረብ ትገብር ከም ዘላ ስለ ዘመልክት፡ እዚ ናይ ኣቡ ዳቢ ፍርዲ ንሱዳን መልሲ ንምሃብ ዝተወስደ ፖለቲካዊ ውሳነ ክመስል ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣብዚ ኲናት፡ ኵሉ ወገን (ሰራዊት ሱዳን ይዅን ዳዕመ-ሰሪዕ) ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝፈጸሞ ግፍዒ ብማሕበረሰብ ዓለም ይኽሰስ እዩ።

ሱዳን ንሕጹይነት ኢማራት ትቃወም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሱዳን ንሕጹይነት ዜጋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ላና ኑሰይባህ ንመዝነት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብትሪ ትቃወሞ ኣላ።

እታ ሕጽይቲ ኣቐዲማ ኢማራት ንዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ እያ ዝብል ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ጕጅለ ጸብጻብ ነጺጋቶ ብምንባራ፡ ሱዳን ናጽነትን ሞራላዊ ብቕዓትን እታ ሕጽይቲ ኣብ ሕቶ ኣእትያቶ ኣላ።

ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ወኪል ሱዳን ዓማር መሓመድ ማሕሙድ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሱዳን ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጃምላዊ ጾታዊ ዓመጽን ጽንተትን ክፍጽም እንከሎ፡ ግዳያት ነዛ ሕጽይቲ ብኸመይ ክኣምንዋ ይኽእሉ ክብል ተዛሪቡ።

ናይ ቀደም ሓላፊ ተሓላቒ መሰላት 'ሂዩማን ራይትስ ዎች' ዝነበረ ከነዝ ሮዝ ብወገኑ፡ እታ ሕጽይቲ ኣንጻር ርኡይ ጭብጥታት ሓቅታት ምኽሓዳ ንመዝነታ ከም ዘይበቅዕ ገሊጹ።

እዚ ኲናት ዛጊት ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ዘመዛበለን ንቝጠባ ሱዳን ብምሉኡ ዘዕነወን እኳ እንተዀነ፡ ፖለቲካዊ ቈላሕታ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ዝምራሕ ዘሎ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ስለ ዘተኰረ፡ ንቕልውላው ሱዳን ዝግበር እኹል ኣህጉራዊ ድፍኢት ዳርጋ ከም ዘየሎ ይግለጽ።