ኣስመራ፡ ርክብ ሰበስልጣን ኤርትራን ቐጠርን

ምንጪ ስእሊ, SM
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ንፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ቐጠር ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ቓንም ቢን መሓመድ ኣልማዓዲድ ረኺቡ ከም ዘዘራረቦ ኣገልግሎት ዜና ቐጠር ኣፍሊጡ። እቲ ርክብ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ድሕሪ ነዊሕ ምንቍልቋል ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝርአ ዘሎ ብምዃኑ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።
ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ 1996 ኣብ ዶሓ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ብምኽፋት ዝጀመረ ኰይኑ፡ ቐጠር ብወገና ኣብ 2001 ኤምባሲ ኣብ ኣስመራ ኤምባሲ ብምኽፋት ነቲ ዝምድና ኣሐይላቶ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ክልቲአን ሃገራት ኣዝዩ ዕሙር ዝዀነ ዝምድና ከም ዝነበረን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 10 ዓመታት ግን ዝምድናአን ኣንቈልቊሉ እዩ ጸኒሑ።
ቐጠር ኣብ 2010 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ኣብ ዝተፈጥረ ዶባዊ ምስሕሓብ ከም መንጐኛ ብምዃን፡ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዶብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊታ ኣዋፊራ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ጻዕሪ ሽምግልና ተካይድ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን ነታ ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2009 ዝተነብረላ እገዳ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ዝነበረት ኤርትራ፡ ቐጠር ፖለቲካውን ቍጠባውን ደገፍ ዝገበረት ኣገዳሲት መሻርኽቲ ኤርትራ ምንባራ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ እቲ ዝምድና ኣብ 2017 ድሕሪ ዘጋጠመ ቅልውላው ኣባል ሃገራት ምትሕግጋዝ ወሽመጥ ዓረብ (GCC)፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት፡ ባሕሬንን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ቐጠር እገዳ ምስ ገበራ፡ እቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ዝምድና እውን ተበላሽዩ።
ኣብቲ እዋን ኤርትራ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ስዑድያን ኢማራትን ዝመርሕኦ ዝነበራ ኪዳን ልፍንታዊ ሓይሊ ኣንጻር የመናውያን ሑቲ ብቐረባ ከም ዝተሰለፈት ኣይርሳዕን።
ምስ ኢማራት ብዝነበራ ስትራተጅያውን ወተሃደራውን ምትሕብባር፡ ንወደብ ዓሰብን መዓስከር ኣየርን ኤርትራ ኣብ የመን ንዝግበር ስርሒታት ኣፍቂዳ ነይራ እያ።
ቅልውላው ሃገራት እናዓሞቐ ኣብ ዝኸደሉ፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ቐጠር ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ኣልዒላ።
ኣብ መንጎ ሃገራት ምትሕብባር ወሽመጥ ዓረብ ኣብ 2021 ብዝተገብረ ስምምዕ እቲ ኣብ ወጥሪ ዝነበረ ዞባዊ ዲፕሎማሲ በብቝሩብ እናተመሓየሸ ክመጽእ ከም ዝጸንሐ ይንገር።
ኣብዚ ትማሊ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ርክብ፡ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ነቲ ዝጸንሐ ዝምድና ብምግምጋም፡ ዝምድናኦም እናደንፍዐ ዝኸደሉ መንገዲ ኣመልኪቶም ከም ዝተዘራረቡ ተፈሊጡ'ሎ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ ለካቲት ዝተባርዐ ኲናት ኢራን፡ ኣመሪካ-እስራኤል ማእከላይ ምብራቕ ብሓፈሻ፡ ዝተወሰና ሃገራት ወሽመጥ ድማ ብፍላይ ብሰንኪ ዝወረደን መጥቃዕቲታት ኢራን ኣብ ቅልውላው እየን ዝርከባ።
ብሰንኪ'ቲ ዝተፈጥረ ጂኦፖለቲካዊን ጂኦስትራተጅያውን ምቅይያራት ድማ ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ሓድሕደን ይዅን ምስ ሃገራት ጐደቦን ክንዮኡን ዘለወን ዝምድናታት ዳግመ-ምትዕርራይ ክገብራሉ ተገዲደን ከም ዘለዋ ዞባዊ ክኢላታት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ርክብ ኣስመራ ምኒስተር ዑስማንን ኣምባሳደር ቓንምን ዓቢይ ዲፕሎማስያዊ ለውጢን ስምምዓት ዝተሰምዓሉ ኣይዅን እምበር፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዝቀያየር ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ መልክዕ ቀይሕ ባሕሪ ርክባተን ንምኽላስ ዝጀመርኦ ግብራዊ ተበግሶ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


