እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሊና ፈርናንደዝ፡ ንፊደል ካስትሮ 'ኣቦይ' ንምባል ዝኣበየትሉ ምስጢራዊ ታሪኽ
ኣሊና ፈርናንደዝ ናብ ግዜ ንእስነታ ግልጽ ክትብል ገላ፡ ፊደል ካስትሮ ብተደጋጋሚ ይበጽሓ ከም ዝነበረ ትዝክር።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ንኩባ ንኣስታት ሓምሳ ዓመታት ብምልካዊ ቍጽጽር ዝገዝአ ሰብኣይ ስጋዊ ኣቦኣ ምዃኑ፡ ንነዊሕ ዓመታት እቲ ምስጢር ተሓቢእዋ እዩ ነይሩ።
ኣሊና ኣብ 1956 ኣብ ሃቫና እያ ተወሊዳ። ንሳ ውጽኢት ናይቲ ኣብ መንጎ ካስትሮን ናቲ ፈርናንደዝን ዝነበረ ዝምድና እያ።
ናቲ ፈርናንደዝ ኣብ ርእሰ-ከተማ ሃቫና ኣብ ዝለዓለ ሕብረተሰባዊ ደረጃ ዝነበረት ጽብቕቲ መንእሰይ እያ።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ካስትሮ ሓደ ካብቶም ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንውልቀ-መላኺ ፉልጀንሲዮ ባቲስታ ካብ ስልጣን ብምእላይ፡ ኣብታ ደሴት ካሪቢያን ኣውቶክራስያዊ ስርዓት ኮሙኒዝም ዘተኸሉ መራሕቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ራይ እዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሰዓቡ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ዝዀኑ ዜጋታት ኩባ ናብ ጐረቤት ሃገር ኣመሪካ ከም ዝሃደሙ ይግመት፤ ሓንቲ ካብዚኦም ድማ እታ ጓል ካስትሮ ዝዀነት ኣሊና እያ።
ካብ 1959 ክሳብ 2008 ንኩባ ዝመርሐን ኣብ ሕዳር 2016 ብሕማም መንሽሮ ዝዓረፈን ፊደል ካስትሮ፡ ብ13 ነሓሰ መበል 100 ዓመት ልደቱ ምተጸምበለ ነይሩ።
እታ እንኮ ተፈላጥነት ዝረኸበት ጓሉ ፈርናንደዝ፡ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ዝለዓለ ዝናን ክትዕን ዝፈጠሩ ፖለቲከኛታት ዝተኣሳሰር ታሪኽ ህይወታ ንምዝንታው፡ ንቢቢሲ ኒውስ ሙንዶ ኣብ ማያሚ ተቐቢላ ኣዘራሪባ።
ንሳ ነቲ ሰብኣይ፡ "ኣቦ" ኢላ ክትጽውዖ ፈጺማ ኣይትደልን እያ።
ፈለማ ተዘክሮታትን ናይ ለይቲ ምብጻሓትን
ፈላማይ ተዘክሮ ኣሊና ብዛዕባ ካስትሮ፡ ነቶም ቅድሚኡ "ሚኪ ማውሰ" ዝርኣይሉ ዝነበሩ መደባት ተለቪዥን ዝተቘጻጸሩ ጭሓማት ሰባት እዩ።
"ሚኪ ማውስ ጠፊኡ" ትብል እታ ሕጂ ጓል 70 ዓመት ኰይና ዘላ ኣሊና፤ "ጭሓማት ሰባት፡ ኣብ መካይን ተንጠልጢሎም ዝረኣዩ፡ ኣዝዮም ዘፍርሑኒ ሰባት ተተክኡ። ንመዓልታት ድማ ኣብ ስክሪን ተለቪዥን ይውዕሉ ነበሩ።"
እቲ ሃገራዊ ለውጢ ንብዙሓት ስድራቤታት ከም ዝበተነን ናታ ስድራ'ውን ሓደ ካብኡ ከም ዝነበረን ትገልጽ።
ኣደኣ ነቲ ሰውራ ክትድግፍ ከላ፡ እቶም ካልኦት ኣዝማዳ ግን - እቲ ኣቦይ እዩ ኢላ እትኣምነሉ ዝነበረት ኦርላንዶ ፈርናንደዝ ሓዊሱ - ኵሉ ነገሮም ሓዲጐም ናብ ኣመሪካ ንምኻድ ነፋሪት ተሰቐሉ።
ኣሊና ነዚ ኵሉ ኵነታት ብግቡእ ከይተረድአት እናዓበየት ከላ፡ እቲ ሓድሽ መራሒ ኩባ ናብ ገዛኣ ሓሓሊፉ ይመጽእ ነይሩ።
ካስትሮ ኣብ ባይታ ኰይኑ ምስኣ ይጻወትን ገለ ፍሉይ ህያባት'ውን የምጽኣላን ከም ዝነበረ ትዝክር።
ሓደ ካብኡ ፍሉይ ዝገብሮ ህያብ ድማ፡ "ከምቲ ናቱ ዝተኸድነት ዩንቲ (ባምቡላ) ሂቡኒ። ኣነ ድማ ከም ህጻን ገይረ እርእያ ስለ ዝነበርኩ፡ ነቲ ሒደት ጭሕማ ይበትኮ ነይረ፡" ትብል።
እቲ ዝተሓብአ ሓቂ ምግሃዱ
ጓል 10 ዓመት ምስ ኰነት ግን ብዛዕባ ስጋዊ ኣቦኣ ዝነበረ ሓቂ ተጋህደ። "ኣደይ እያ ነጊራትኒ፣ ቤት ትምህርቲ ክትቅይረኒ ትደሊ ስለ ዝነበረት፡ ካልእ ሰብ ኣብ መንገዲ ከይነገረኒ ባዕላ ክትነግረኒ ወሰነት።"
ካስትሮ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ሓሓሊፉ ምብጻሓት ድሮ ከም ኣቦ ይርአ ነይሩ እዩ። ይዅን'ምበር፡ እቲ ሓበሬታ "ናይ ክድዓትን ምትላልን ስምዒት፡" እዩ ፈጢሩላ።
ፈርናንደዝ ከም እትገልጾ፡ ብዙሓት ኣብ ዙርያኣ ዝነበሩ ሰባት - እታ ቀንዲ መሓዛኣ ትርከቦም - እቲ ብዛዕባ ሓቀኛ ኣቦኣ ዝነበረ ወረ ይፈልጡ ነይሮም እዮም።
"እቲ ኵነታት 'ኵሉ ሰብ ዝፈልጦ ምስጢር' እዩ ነይሩ፤ ልክዕ ከምቲ ኵሉ እቲ ሰርከስ ዝፈልጦ ምስጢር ናይ ሓደ ተላጋጻይ። ንሳ'ውን ብዘይካኣ ኵሉ ሰብ ይፈልጦ ከም ዝነበረ ብላግጺ ትገልጽ።"
ፈርናንደዝ ንሽም ስድራኣ ናብ "ካስትሮ" ክትቅይር ፍቓደኛ ኣይነበረትን። ንሓቀኛ ኣቦኣ ብግህዶ ንምቕባል ንዓመታት ኣቕቢጻ እያ።
"ጓሉ ዲኺ ተባሂለ ክሕተት ከለኹ 'ኣይፋለይን' እብል ነይረ። ሓደ መዓልቲ ድንገት ተቐይረ ብኻልእ ስም ስድራ ክጽዋዕ ድማ ከም ነውሪ ገይረ እቘጽሮ ነይረ።"
ኣሊና እናዓበየት ምስ ከደት፡ በቲ ኣቦኣ ዝዘርግሖ ስርዓት ጥራይ ዘይኰነ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ሓፈሻዊ ኵነታት'ውን ከተማርር ጀመረት።
ጓል ፊደል ካስትሮ ምዃና ምስ ተፈልጠ፡ ብዙሓት ሰባት ናብቲ መራሒ ንኸተብጽሓሎም ደብዳበታት ይህብዋ ነይሮም።
"እዚኦም፡ ኣባላት ስድራቤቶም ዝተረሸኑዎም እዮም ነይሮም። ካብቲ ንዓታቶም 'ህያው ሲኦል' ኰይንዎም ዝነበረ ቦታ ንምውጻእ ፍቓድ ንምርካብ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ሰባት እዮም፡" ትብል።
ኣብ ዙርያ እቲ መራሒ ዝነበረ ናይ ውልቀ-መላኺ ኣምልኾ'ውን ካልእ ጸገም ነይሩ።
"ንሸውዓተ ሰዓታት ኣብ ተለቪዥን ዝፍኖ መደረታት ክንርኢ ንግደድ ነይርና፤ ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ክፍሊ ንመሃሮ። እቲ ኵነታት ንዓይ ኣዝዩ ዘሰቅቕ መሪር ተመኵሮ እዩ ነይሩ፤ ልክዕ ኣብ ማእከል ሕሙማት ስነ-ኣእምሮ ከም ዘለኻ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ፡" ትብል።
ኣሊናን ኣደኣን ኣብ ፈረንሳ ንእተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምጽንሐን፡ ናይ ካስትሮ ምብጻሓት እናወሓደ መጽአ።
ከምቲ ንሳ እትብሎ፡ ካስትሮ ባዕሉ እዩ ካብ ኣደኣ ንምርሓቕ ናብ ፈረንሳ ሰዲድወን። ካብኡ ንነጀው፡ እቲ መራሒ ኩባ ኣብ ህይወታ ብድንገታውን ዘይተገመተን ውሳነታት ይኣቱ ነይሩ። ንኣብነት፡ ንኣፍቀርታ ኣይፋል ምባል ወይ ናብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ምቕያር።
"ኵሉ ግዜ ዘይርትዓዊ ውሳነታት እዩ ዝወስድ ነይሩ። ኣነ ግን ኣብኡ ከይተመርኰስኩ ነብሰይ ክኢለ ክነብር ተማሂረ እየ፡" ትብል።
ብዛዕባ ባህርያት ካስትሮ ክትዛረብ ከላ፡ ብልሕን ትዕዝብትን ዘለዎ፡ ምኩርን ኵሉ ግዜ ንነገራት ክፈልጥ ዝህንጠይን ሰብ ከም ዝነበረ ትገልጽ።
እንተዀነ፡ ኣቦኣ ብዙሕ ግዜ ይሕስዋ ከም ዝነበረ ትዛረብ።
"ሓደ ነገር ከም ዝነገረኒ ይርስዖ እሞ፡ ጸኒሑ ካልእ ይነግረኒ ነይሩ። ዕላልና ቀሊል ኣይነበረን። ንሱ ባዕሉ ጥራይ እዩ ክዛረብ ዝደሊ ነይሩ።" ምስኣ ክዛረብ እንተ ደልዩ፡ ምስኣ ንምዕላል ዘይኰነስ፡ ድምጹ ባዕሉ ንምስማዕ ጥራይ እዩ፡ ትብል።
ህድማ ካብ ሃቫና
ኣሊና ካብ ንእስነታ ጀሚራ ካብ ኩባ ክትወጽእ ትደሊ ነይረት።
ካብ ኣቦኣ እናረሓቐት፡ ነቲ ዝሃነጾ ስርዓት እናነጸገትን ብሰንኪ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥም ዝነበረ ሕጽረታት መሰረታዊ ነገራት እናተሳቐየትን መጽአት።
ብተደጋጋሚ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትጐዓዝ እኳ እንተ ፈተነት፡ እቲ ስርዓት ግን ፍቓድ ኣይሃባን።
ኣብ መጀመርታ 1990ታት፡ ንውድቀት ሕብረት ሶቭየት ስዒቡ ኣብ ኩባ 'ፍሉይ እዋን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ከቢድ ናይ ጥምየትን ምቍራጽ ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ዘመነ-ጸገም ዝበሃል መጽአ።
ኣሊና ኣብቲ እዋን እቲ ጕልባባ ዝቐልዐት ተቓዋሚት ኰይና ስለ ዝነበረት፡ ጓል እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ እኳ እንተዀነት ክእሰር እየ ዝብል ስግኣት ነበራ።
"ፍርቂ ለይቲ ናይ መኪና ማዕጾ ድምጺ እንተ ሰሚዐ፡ ንዓይ ክወስዱ ዝመጽኡ እመስለኪ ነይሩ፡" ትብል።
እቲ ዓቢ ዕድል ብ19 ታሕሳስ 1993፡ ብሓገዝ ኣዕሩኽታ ዝተዳለወ ጥንቁቕ ስርሒት መጽአ።
ሓንቲ ስጳኛዊት ጓል፡ ፓስፖርታን ናይ ነፋሪት ትኬታን ኣለቅሓታ። ካልእ ሰብ ድማ ነቲ ሰነድ ንሳ ክትጥቀመሉ ብዘኽእል መንገዲ ቀየሮ።
ኣሊና ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሃቫና ንምኻድ ታክሲ ተሰቐለት።
"ካብታ ታክሲ ዝተሰቐልኩላ ህሞት ጀሚረ፡ ልምምድ ንምግባር ከም ስጳኛዊት ኰይነ ክዛረብ ጀሚረ። ምኽንያቱ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክዛረብ እንተ ተገዲደ፡ ናይ ስጳኛ ኣዘራርባ ክህልወኒ ነይሩዎ። ነቲ መራሕ-መኪና ድማ ብግቡእ ኣታሊለዮ፡" ትብል።
ሰብ ከየለልያ ተወሳኺ ጸጕሪ ገይራን መልክዓ ብብዝሒ መመላኽዒ ተቐዪራን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ በጽሐት።
"ነቲ ናይ ጉምሩክ ፍተሻ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ሓሊፈዮ። እታ ነፋሪት ደንጕያ ስለ ዝነበረት፡ ሓንቲ መጽሓፍ እናኣንበብኩ ብህድኣት ኮፍ ነይረ። 'ዝመጽአ ይምጻእ' ኢለ ድማ ሓሲበ፡" ትብል።
ድሕሪ ነዊሕ ምጽባይ፡ እቲ ምስቃል ነፋሪት ብሰላም ተዛዘመ። ናብ ማድሪድ ድሕሪ ምብጻሕ ድማ ናብ ኣመሪካ ንኽትኣቱ ፍቓድ ረኸበት።
ድሕሪኡ እታ ኣብቲ እዋን ጓል 16 ዓመት ዝነበረት እንኮ ጓላ ካብ ኩባ ክትወጽእ ፍቓድ ንምርካብ ጻዕሪ ገበረት።
ኣመሪካዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሬቨረንድ ጀሲ ጃክሰን ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ ክልተአን ኣብ መጀመርታ 1994 ብሓባር ኰይነን ሓድሽ ዓመት ጸንበላ።
ኣሊና ኣብ ኣመሪካን ስጳኛን ክትመላለስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 2001 ጀሚራ ኣብ ማያሚ ብቐዋምነት ክትነብር ጀመረት።
'ጓል 40 ዓመት ምስ ኰንኩ እየ ብሓቂ ጓል ካስትሮ ኰይነ'
ኣሊና ኣብ ስደት ምንባር ምስ ጀመረት፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክትሓብኦ ዝፈተነት ዝምድና፡ ኣብታ ደሴት ዘሎ ኵነታት ንምቅላዕ ከም መሳርሒ ተጠቀመትሉ።
"ኣብ ኩባ ከለኹ ብዛዕባ ፊደል ካስትሮ ክዛረብ ወይ ከም ቤተሰቡ ክልለ ፈጺመ ኣይደልን ነይረ። ኣብዚ ግን ገይረዮ እየ። ጓል 40 ዓመት ምስ ኰንኩ እየ ብሓቂ ጓል ፊደል ካስትሮ ኰይነ፡" ትብል።
ኣብ 1997 "ኣሊና፡ ተዘክሮታት እታ እምቢተኛ ጓል ፊደል ካስትሮ" ዘርእስቱ መጽሓፍ ህይወት ታሪኻ ኣሕተመት።
እታ መጽሓፍ ኣብ ስጳኛ ብብዝሒ ካብ ዝተሸጣ መጻሕፍቲ ሓንቲ ኰይና፡ ናብ ሓያሎ ቋንቋታት'ውን ተተርጒማ እያ።
ሞት ፊደል ካስትሮ (2016) ብኸመይ ከም ዝተቐበለቶ ክትዛረብ ከላ፡ "ብዓቢ ሓዘን ወይ ብዓቢ ሓጐስ ኣይኰንኩን ተቐቢለዮ። ንዓይ ዘሰንብድ ኣይነበረን፡" ትብል ።
ሕጂ ኩባ ብፕረዚደንት ሚጌል ዲያዝ-ካነል - እቲ ናይ ካስትሮ ፖለቲካዊ ወራሲ - ትምራሕን ካብቲ 'ፍሉይ እዋን' ዝበሃል ንላዕሊ ዝኸፍአ ጸገም ተሕልፍን ኣላ።
ቀጻሊ ምቍራጽ ኤለክትሪክ፡ ድኽነት፡ ሕጽረት መሰረታዊ ነገራትን ጥምየትን ሰፊኑ ይርከብ።
ኣሊና እዚ ኵሉ ጸገም ውጽኢት እቲ ኣቦኣ ዝዘርግሖ ፖለቲካውን ቍጠባውን ስርዓት ምዃኑ ትገልጽ።
"መንግስቲ ንዅሉ ንግዳዊ ትካላት ምስ ተቘጻጸሮ፡ ኵሉ ሰብ እዩ ኣእምሮኡ ዝስሕት፡" ክትብል ትዛዝም።