እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ባባ ፈሪሐ ኣለኹ' - ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ድሮናት ሑቲ እትርከብ ሪያድ
ኣቡ ኸሊል ካብታ ዝነብረላ ዝነበረ ርእሰ-ከተማ የመን ሰንዓ ሃዲሙ ኣብ ጐደናታት ሪያድ ካልሲ ክሸይጥ ዝጀመረ፡ ዓሰርተ መዓልታት ጥራይ እዩ ኰይኑዎ።
"ካብ ሰንዓ ብእግረይ እየ ወጺአ፡ ግንባራት ውግእ ሰጊረ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘእቱ መኪና ተሰቒለ ኣትየ፡" ይብል።
ናብ ዓዱ ንስድራቤቱ ዝሰዶ ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ጐደናታት ሪያድ እናተቓለሰ ከኣ ኣብ የመን ዘለዋ ስድራቤታት፡ "ደቀን ዝበልዕዎ ንምቕራብ ይጭነቓ ኣለዋ፡" ክብል የረድእ።
ሰበይቱን ኣርባዕተ ደቁን ሕጂ'ውን ኣብ ሰንዓ ስለ ዝርከቡ፡ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ተዛሪቡ ተባሂሉ ገለ ከይወርዶም ብምስጋእ ምሉእ ስሙ ከይንጠቅስ ሓቲቱና ኣሎ።
"ካብ ሑቲ ሃዲመ ወጺአ፡ ንስድራቤተይ ግን ምሳይ ከምጽኦም ኣይከኣልኩን፤ ፈጣሪ ይሓልዎም፡" ይብል ንሱ ብጭንቀት።
ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዞም ንሰሜናዊ የመን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእትዮሞ ይርከቡ።
እዚ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ነቲ ብጐረቤት ስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ የመን ይዋጋእ ኣሎ።
ሕጂ ግን፡ እቲ ኣቡ ኸሊል ሓዲጉዎ ዝመጽአ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ከም ሪያድ ኣብ ዝኣመሰላ ከተማታት ስዑዲ ብድሮናትን ሚሳይላትን ስሩዕ መጥቃዕትታት ክፍጽም ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ የመን ንዝተወሰነ እዋን ጸኒሑ ዝነበረ ዘይወግዓዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሓምለ ድሕሪ ምፍራሱ፡ እቲ ውግእ ብዝበኣሰ መንገዲ ኣንቈልቍሉ፤ ዕጡቓት ሑቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ኣዛይዶሞ።
እቲ ጕጅለ ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ የመን ንዘካየደቶ ቀታሊ ናይ ኣየር መጥቃዕትታትን ኣብ ልዕሊ ወደባትን መዓርፎ-ነፈርትን ዝገበረቶ ዕጽዋን ንምምላስ ምዃኑ ይገልጽ።
ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መዓርፎ-ነፈርቲ ሪያድ ብሑቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 13 ሰባት ቀቲሉ ንልዕሊ 300 ድማ ኣቝሲሉ፤ እዚ ድማ ኣብ ምድሪ ስዑዲ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት እቲ ዝኸፍአ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ተመኵሮ ሓደ ምስክር ዓይኒ
ካብ ሪያድ ጸብጻብ ንምቕራብ ፍሉይ ፍቓድ ዝተዋህበና ኰይኑ፡ ነበርቲ እታ ከተማ እናኣዘራረብና እንከለና፡ ሓደ ካብቶም ዝረኸብናዮም ኣብ ናይ ስዑዲ ሃገራዊ ኩባንያ ነዳዲ ኣራምኮ ዝሰርሕ ማጂድ ዝተባህለ ወዲ 25 ዓመት መሃንድስ እዩ።
ማጂድ ኣብታ መዓልቲ'ቲኣ ንሃይማኖታዊ ንግደት ናብ ጅዳ ንምብጋስ ናብቲ መዓርፎ-ነፈርቲ ኣምሪሑ ነይሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ መዕረፊ ተሳፈርቲ ኣብ ዝወደቐሉ ህሞት፡ ሓንቲ ኣደ ንደቃ ኣብ ዓረብያ ህጻናት እናደፍአት ይዕዘብ ከም ዝነበረ ይዝክር።
ደም ዝተለኸየ ሰብኣይ ምስ ረኣየ ዝተሰምዖ ስንባደ እናገለጸ ድማ፡ "ብድንጋጸ ናብኡ ቀሪበ፡ 'ደሓን ዲኻ?' ኢለ ሓቲተዮ፡" ይብል።
ቍሱላትን ውኖኦም ዝሰሓቱን ተሳፈርቲ ናብ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ክሊኒክ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክውሰዱ ከም ዝረኣየ ብምሕባር፡ "ገሊኦም ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ክሳብ ሕጂ ኣይፈልጥን እየ፡" ይብል።
እቲ ዘሕለፎ ዘስካሕክሕ ተመኵሮ ኣብ ልቡ ዓሚቝ ስንባደ ዘሕደረ ኰይኑ፡ "እቲ ስግኣት ሓቀኛ እዩ፤ ይዅን'ምበር ሑቲ ኣብ ውሽጢ ሃገረይ ከም ዘይተኣማመን ክገብሩኒ ኣይፈቅድን እየ፡" ኢሉና።
ካብ ዶብ ናብ ማእከል ርእሰ-ከተማ
እቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ በይኑ ዝተፈጸመ ኣይነበረን።
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ መኽሰብ ኣልቦ ትካል 'ፕሮጀክት መረዳእታ ቦታን ፍጻመታትን ዕጡቕ ግጭት' (Acled) ካብ 1 ሓምለ ክሳዕ 25 ሕዳር ኣብ ዝነበረ ናይ ዳርጋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ግዜ ዝኣከቦ መረዳእታ ብቢቢሲ ኣብ ዝተገብረሉ ትንተና፡ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ 274 መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ትካል፡ መብዛሕትኦም እቶም መጥቃዕትታት ብመከላኸሊ ኣየር ዝመኸኑ እኳ እንተዀኑ፡ እንተ ወሓደ 41 ግና ዒላማኦም ወቒዖም እዮም፤ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ድማ እቶም ኣብ ኣየር ዝተሃርሙ ሚሳይላት ዘውደቕዎ ፍንጫላት እውን ዕንወት ኣስዒቡ እዩ።
ኣብ ዳርጋ ክልተ-ሲሶ ናይቶም መጥቃዕትታት ድሮናት ክጥቀሙ እንከለዉ፡ ልዕሊ ፍርቂ ድማ ባሊስቲክ ሚሳይላት እዩ።
ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ግዜ ግን፡ እቲ ትካል ግብረ-ሰናይ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ሓደ ናይ ሑቲ መጥቃዕቲ ጥራይ እዩ መዝጊቡ ነይሩ።
ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ስዑዲ ዓረብ ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ናይ ምፍጻም ዓቕሞም ብምዕባይ፡ ኣዝዮም ዝማዕበሉ ኣጽዋራት ዓጢቖም ይርከቡ።
ንዓመታት ዝኣክል፡ መጥቃዕትታት ሑቲ ኣብ ጥቓ ዶብ የመን ጥራይ ዘተኰረ ነይሩ፤ ሪያድ ከኣ ኣዝዩ ሳሕቲ ጥራይ እያ ትጥቃዕ ነይራ።
ድሕሪ ምፍራስ እቲ ዘይወግዓዊ ምቍራጽ ተዅሲ ግን፡ እታ ካብ ዶብ የመን ንልዕሊ 700 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ርእሰ-ከተማ ስዑዲ፡ ስሩዕ ዒላማ መጥቃዕቲ ኰይና ትርከብ። ብዘይካ'ቲ መዓርፎ-ነፈርቲ፡ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ዝርከቡ ትካላት ነዳድን ገዘፍቲ ህንጻታትን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ።
ስዑዲ ዓረብ ከተማታታ ንምልዋጥ፡ ዓለምለኻዊ ወፍሪ ንምስሓብን ንዓለም ውሑስ ናይ ስራሕን ናብራን ቦታ ኰይና ንምቕራብን ቢልዮናት ዶላራት ኣውጺኣ እያ፤ እዚ ሕጂ ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕትታት ግን ነዚ መብጽዓ'ዚ ኣብ ፈተና ኣውዲቕዎ ይርከብ።
ኣብዚ ወርሒ'ዚ ጥራይ፡ ኣብቲ ናይ ሪያድ ቍጠባዊ ማእከል ዝርከቡ ክልተ ገዘፍቲ ሰማይ-ጠቀስ ህንጻታት ተወቒዖም እዮም።
ኣብቲ ናይታ ሃገር ዝነውሐን ዋና ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ማዕከን ሃብቲ ዝዀነን 'ግምቢ ህዝባዊ ወፍሪ' (PIF) ብዝወደቐ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ቈሲሎም። እቲ ካልኣይ ድማ ህንጻ ኩባንያ ኣራምኮ እዩ።
ብጥቓ እቲ ናይ ኣራምኮ ህንጻ ብመኪና ክንሓልፍ እንከለና፡ እቲ ዝወረደ ጕድኣት ነቲ ኣብታ ሃገር ዘንጸላሉ ዘሎ ስግኣት ብንጹር ዘዘኻኽር ነይሩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ናይቲ ህንጻ ደጋዊ ምስሊ ምሉእ ብምሉእ ተጸጊኑ፡ ዝዀነ ናይ መጥቃዕቲ ምልክት ከም ዘይነበረ ኰይኑ ተደምሲሱ።
እዚ ድማ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማእከል'ዚ መጥቃዕትታት እውን ከይተረፈ ህይወትን ንግድን ብልሙድ መንገዱ ይቕጽል ከም ዘሎን ሃገር ውሕስቲ ምዃናን ንምርኣይ ዘለዋ ጽኑዕ ድሌት ዘንጸባርቕ እዩ።
መንግስቲ ስዑዲ፡ "ንስቪላውን ቍጠባውን ትካላት ዘነጻጸሩ ናይ ሽበራ መጥቃዕትታት" ብምዅናን፡ ርእሱ ንምክልኻል "ኵሉ ኣድላዪ ስጕምቲ" ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ቅሳነትን ስግኣትን
ይዅን'ምበር፡ ከም መዲናን መዓርፎ-ነፈርቲ ምብራቓዊት ከተማ ዳማምን ኣብ ዝኣመሰሉ ካልኦት ቦታታት እውን መጥቃዕትታት ስለ ዝተፈጸመ፡ ናብ ሪያድ ዝግበሩ በረራታት ብኸቢድ ተሰናኺሎም ኣለዉ።
ናብ ሪያድ ዝጓዓዙ ብዙሓት ተሳፈርቲ ብኻልኦት መዓርፎ ነፈርቲ ክሓልፉ ይግደዱ ኣለዉ፤ ናይ መወዳእታ ጕዕዞኦም ድማ ብየብስ ይገብርዎ። ንሕና ናብ ዳማም ዝወሰድናያ ነፋሪት ዳርጋ ጥራያ እያ ነይራ።
ኣብ ጐደናታት ሪያድ ግን ካልእ ትርኢት እዩ ዘሎ።
ኣብያተ መግቢ ብዓማዊል መሊኦም ይርከቡ፡ ስድራቤታት ኣብ ናይ ዕዳጋ ማእከላት ይዛወሩ፡ ህዝቢ ድማ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ሰማይ ዘንጸላሉ ዘሎ ስግኣት ዘይግድሶም መሲሎም ምሸቶም የሕልፉ።
ይዅን'ምበር፡ ጽኑዕ ሕግታት ሳንሱርን ኣብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝተነብረ ቀይድታትን ንብዙሓት ምስ መራኸቢታት ብዙሓን ካብ ምዝራብ ስለ ዘሰክፎም፡ ሰባት ብዛዕባ'ቲ ግጭት ብግልጺ ክዛረቡ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።
ምሳና ዝተዘራረቡ ሓያሎ ሰባት፡ ሃገሮም ንዓታቶም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዘለዋ ዘለዎም እምነት ገሊጾም። ኣብ ሓደ ዕሙር ዕዳጋ ዝረኸብናዮ ባድር ዝተባህለ ሰብኣይ፡ እቲ ናይ መዓርፎ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ዘተሓሳስብ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ህይወት ግን ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ከም ዝተመልሰ ይዛረብ።
ንሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር እናነኣደ ድማ፡ "ቀሲነ እየ ዝድቅስ" ይብል። ራሺድ ዝተባህለ ካልእ ሰብኣይ ድማ ናብቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ድኳናት እናኣመልከተ፡ "ሰባት ይሸጡን ይገዝኡን፡ ንግዳዊ ስራሖም ድማ የካይዱ ኣለዉ። ኵሉ ነገር ጽቡቕ እዩ፡" ይብል።
እንተዀነ፡ እዚ ንሱ ዝገልጾ ንቡር ናብራ፡ ሓደጋ መጥቃዕቲ ከም ዘሎ ዘጠንቅቕ ናይ ተለፎን ድምጺ ብሃንደበት እንተ ተሰሚዑ ይዘራረግ እዩ። ድሕሪኡ ድማ መከላኸሊ ኣየር ነቶም ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ሰማይ ከበርዕኖም እንከሎ ዝስማዕ ብርቱዕ ድምጺ ነትጒ ይስዕብ።
ንሕና እውን ሓደ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 04፡00 ነዚ ኵነታት ኣጋጢሙና እዩ፤ ኵሉ መጥቃዕቲ ብመከላኸሊ ኣየር ከም ዘይመክን ምፍላጥ ድማ ኣብ ሰባት ፍርሒ ይዘርእ።
ካብ 2006 ኣትሒዙ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብር ዘሎ ብሪጣንያዊ ኣሌክስ ማሉፍ፡ ኣብታ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ከላ ናይ ጸጥታ መጠንቀቕታታት ዘጋጠማ ጓል 11 ዓመት ጓሉ ዘስዕቦ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ የሻቕሎ።
"ጓለይ 'ባባ ፈሪሐ ኣለኹ' ዝበለትሉ እዋናት ነይሩ እዩ፤ እዚ ድማ ነቲ ንቡር ዝነበረ ናብራና ዘናወጸ ፍጻመ እዩ፡" ይብል።
እቲ ዝተረስዐ ቅልውላው የመን
ዋላ'ኳ እዚ መጥቃዕትታት እንተ ሃለወ፡ ኣቡ ኻሊል ካብቲ ውግእ ብብርቱዕ ዝተወልዓሉ ዓዱ የመን ንላዕሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝያዳ ድሕነት ከም ዝስምዖ ይዛረብ፤ ምኽንያቱ ኣብ የመን ካብ ኲናት ዘዕቍብ ውሑስ ቦታ የሎን።
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ምዕራባዊ የመን ዳግማይ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ቦታታት ክቈጻጸሩን ግዝያዊት መንበር መንግስቲ ናብ ዝዀነት ደቡባዊት ከተማ ዓደን ዘምርሕ ስትራተጅያዊ መስመራት ኣብ ስግኣት ከእትውዎን ኣኽኢልዎም ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዙርያ እታ ንዓመታት ከበባን ግጭትን ዘሕለፈት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ እትርከብ ከተማ ታዒዝ ውግእ ኣዝዩ በሪኹ ኣሎ።
ብሰንኪ'ቲ ብሑቲ ዝተገብረ ናይ ቀረባ ከበባ ዝተዓጽዉ መንገድታት፡ ኣድለይቲ ቀረባት ከይኣትዉ ብምዕጋቶም፡ ልዕሊ 800,000 ሰባት ካብ ሰብኣዊ ሓገዛት ተገሊሎም ከም ዝርከቡ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዕዳጋ ዝርከብ መግብን ነዳድን ድማ ዋጋኡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ይርከብ።
ብመሰረት ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM)፡ ካብ ነሓሰ ኣትሒዙ ልዕሊ 360,000 ሰባት ኣብ የመን ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ። ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ድማ ካብቲ እዋን'ቲ ኣትሒዙ 76 ዝሞቱ ሓዊሱ 323 ናይ ስቪላውያን ግዳያት ከም ዘረጋገጸን፡ ካብቶም ዝሞቱ ድማ ፍርቆም ህጻናት ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ነቲ ገስጋስ ሑቲን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝፍጸም መጥቃዕትታትን ብተሪር ናይ ኣየር ደብዳብ ምላሽ ይህበሉ ኣሎ፤ እዚ ድማ ንህይወት ሰለማውያን ሰባት ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ይርከብ።
እቲ ኪዳን፡ እዚ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ንህዝቢ የመንን ንዓለምለኻዊ ንግድን ካብ ሑቲ ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ ይብል።
ኣብቶም ናይ መጀመርታ ዓመታት ኲናት፡ ብስዑዲ ዝተመርሐ ደብዳብ ቦምባ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ዝቐተለ፡ ኣባይቲ፡ ሆስፒታላትን ኣብያተ-ትምህርትን ዘዕነወ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ መንግስቲ ዝቈጻጸሮ ግዝኣታት ብዝገብርዎ ናይ ከቢድ ብረት፡ ሚሳይልን ምድራዊ መጥቃዕትታትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ትሕቲኦም ኣብ ዝርከብ ቦታታት ብዝፍጽምዎ ጭቈና ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከቢድ መከራ ኣውሪዶም እዮም።
ኣቡ ኻሊል፡ ነታ ኣብ ሰንዓ ዘላ ሰበይቱን ደቁን ካብቲ ሓደጋ ኣውጺኡ ብቕልጡፍ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምጽኦም ተስፋ ይገብር፤ "ሑቲ ካብታ ሃገር ክሳብ ዝወጽኡ ድማ ፈጺመ ኣይክምለስን እየ፡" ይብል።