ትግራይ: ምስ ምውላዕ ሓድሽ ግጭት ዝዛመድ፡ መጠንቀቕታ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ሓድሽ ግጭት ንካልእ ዙርያ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ" ከምዝዀነ ኣጠንቂቑ።

ኣምነስቲ ወሲኹ፡ ምስ'ዚ ብዝዛመድ፡ መንግስቲ ፌደራልን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን፡ ብፍላይ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ንምርግጋፅ፡ ዓለም ለኻዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ ጸዊዑ።

እቲ ዓለማዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ትማሊ ሰኑይ 27 ሓምለ 2018 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ግጭት ኣመልኪቱ እዩ፡ ነዚ መጠንቀቕታ ኣስሚዑ ዘሎ።

ብቀዳም 25 ሓምለ፡ "ሸረሪና" ኣብ ዝተባህለ ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳወብ ምዕራብ ትግራይ፡ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ከምዝተጋጨዉ ፀብፃባት የመልክቱ።

ምስዚ ግጭት ብዝዛመድ ድማ፡ ዛጊድ ብኣማኢቲ ዝቝፀሩ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ናብ ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ፀብፂቡ ኣሎ።

እቲ ዝሓለፈ ቐዳም ሙሉእ መዓልቲ ዝቐጸለ ውግእ፡ "ብኸቢድ ኣጽዋርን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን" ዝድገፍ ምንባሩ ሓደ ምንጪ ሓይልታት ትግራይ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።

መሰኻኽር ዓይኒ እውን ብሰንበት ፍንጀራ፣ ከቢድ ቶኽስን ድምጺ ነፈርቲን ከምዝሰምዑ ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍረሱ ንክልላዊ ቤት ምኽሪ ተቈፃፂሩ ዝርከብ፡ ብኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል [ዶክተር] ምምሕዳር፡ መንግስቲ ፌደራል "ቅሉዕ ኲናት" ከምዝኸፈተሉ ዝኸስስ መግለፂ ምውፅኡ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ እቲ ዘዘራርብ ዘሎ ሓድሽ ፍጻመ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዘውፀኦ መግለፂ የለን።

ቢቢሲ፡ ካብ ምኒስትር ኮምዩኒኬሽን መንግስትን ሚኒስቴር ምክልኻልን ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነታት ድማ ኣይሰመረን።

ምኒስተር መስኖን ልምዓት ቆላታትን፡ ፈጻሚ ኣባል ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ምኒሰተር ምክልኻል ሃገር ዝነበረን፡ ዶክተር ኣብርሃም በላይ [ዶክተር] ግን፡ ኣብ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ከባቢ 'ሸረረሪና' ውግእ ከምዝተላዕለ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

እቲ ምኒስተር ኣብቲ ናቱ ምዃኑ ዝተረጋገፀ ናይ ፌስቡክ ገፁ ዝጠቀዖ ፅሑፍ፡ ንሓይልታት ህወሓት "ውግእ ጀሚሮም ኣለዉ" ክብል ዝኸሰሰ ዀይኑ፡ "እዚ ኲናት ሕዚ ደው እንተዘይኢሉ . . . ከቢድ ሳዕቤን ከምጽእ'ዩ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ኣምነስቲ ካልእ እንታይ ኢሉ?

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብቲ ትማሊ ኣማስዩ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እቲ ዞባ ተመሊሱ ናብ ግጭት ይኣቱ ከምዘሎ ስክፍታኡ ገሊጹ።

ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ክፍሊ 'ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ' ቲጌሬ ቻጉታህ፡ "ኣብ ትግራይ ዳግማይ ምጅማር ግጭት ነበርቲ ንሓድሽ ማዕበል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃለዕእ እዩ" ኢሉ።

እቲ ዋና ዳይረክተር ወሲኹ'ውን፡ እቲ ማሕበረሰባት ንዝሓለፈ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ "ፍትሕን ተሓታትነትን" ከምዘይረኸቡ'ውን ኣመልኪቱ።

እዚ ሕዚ ዝተራእየ ፍፃመ ምስቲ፡ "ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭታት" ተደማሚሩ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ትካል ኣጠንቂቝ።

እቲ ዋና ዳይረክተር፡ "ዞባዊ ፍፃመታት እዚ ከባቢ ዝከታተል ተጣባበቐዊ ሰብኣዊ መሰላት ክቐውም" እውን ጸዊዑ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ኣብ ዘለዉ ግጭታት "ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይቕፅል ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ እዋን ግጭት ትግራይ "ምስ ገበን ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን" ክመዓራረ ዝኽእል ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተሰነደ እውን ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

እቲ ዋና ዳሪክተር፡ "ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ተኣማንነት ዘለዎ መርመራን ሕጋዊ ምፅራይን ዘይምክያድ፡ ከም ንቡር ገይራ ክትቅበሎ የብላን" ከምዝበለ፡ እቲ መግለፂ የመልክት።

ሰብመዚ፡ ኣብዞም መዳያት ነፃ ምመርቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተጣበቕቲ መሰላትን፡ "ዘይተገደበ ምንቅስቓስ" ክገብሩ ክፍቀደሎም'ውን ጸዊዖም።

እቲ ሕዚ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተፈጠረ ግጭት፡ ኣዋርሕ ዝወሰደ ፖለቲካዊ ወጥሪ ስዒቡ እዩ።

በቲ ግጭት ክንደይ ዝኣክል ሞትን ቁስለትን ከምዝበጽሐ ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን። ካብ ክልቲኦም ተፃባእቲ ወገናት እዚ ኣመልኪቱ ዝወፅአ ሓበሬታ'ውን የለን።

እንተኾነ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቍሱላት ዝርከቡዎም ተዋጋእትን ሲቪላትን ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ከምዝሃደሙ ኤኤፍፒ ኣብ ፀብፃቡ ኣስፊሩ ኣሎ።