ህዳሴ ዘመኑ: ብሽማ ቤተ-መፃሕፍቲ ዝተሰየመላ ኣብ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ዘመዝገበት ተምሃሪት

ህዳሴ ዘመኑ

ምንጪ ስእሊ, Injibara University

መግለጺ ስእሊ, ህዳሴ ኣብ 11 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ብምምዝጋባ ቤተ-መፃሕፍቲ ተሰይሙላ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ 2018 ዓ.ም. ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ መንጎ ዝወሰዱ ልዕሊ 550 ሽሕ ተምሃሮ 12.8 ሚእታዊት ወይ ድማ 70 ሽሕን 544 ተምሃሮ ዝሓልፍሉ ውፅኢት ከም ዘመዝገቡ ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ናይ ሎሚዘበን ፈተና፡ ዝለዓለ ውፅኢት 591.64 ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ማሕበር ልምዓት ኦሮሚያ (ኦልማ) ዝተምሃረ ጃላል ግርማ እዩ ነዚ ውፅኢት ኣመዝጊቡ።

ብደቂ ኣንስትዮ ልዑል ውፅኢት ዘመዝገበት ድማ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገው እትመሃር ህዳሴ ዘመኑ 583.03 ብምምፃእ ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊባ።

ኣብ ከተማ እንጅባራ ዝተወለደት ህዳሴ፡ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርታ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ከም ዝተምሃረት ተረድእ። ናይ ሎሚ ዓመት ልዑል ውፅኢት ንህዳሴ ፈላማያ ኣይኰነን።

ተምሃሪት 11 ክፍሊ እንከላ 99.67 ብምምፅእ ልዑል ውፅኢት ብምምዝጋባ፡ ብሽማ ቤተ-መፃሕፍቲ ተሰይሙላ እዩ።

ብሽም ህዳሴ ዝተሰየመ ቤተ-መፃሕፍቲ

ምንጪ ስእሊ, Awi communication

ቅድሚ 28 ዓመታት ዝተመስረተ ሓፈሻዊ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ 'ኣገው ምድር'፡ ብሽም ልዑል ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ ቤተ መፃሕፍቲ ናይ ምስያም ልምዲ ኣለዎ።

ህዳሴ ከም ትብሎ፡ ተምሃሪት 11 ክፍሊ እንከላ ኣብ ታሪኽ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝለዓለ ውፅኢት ምምዝጋባ፡ ብሽማ ቤተ መፃሕፍቲ ክስየመላ ደሪኹ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብቲ እዋን ዝሃባ ኣፍልጦ፡ ዝተፀበየቶ ከም ዘይነበረ ድማ ትዛረብ።

ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ከም ዘመዝገበት ምስ ሰምዐት'ውን፡ ዘይተፀበየቶ ሓጎስ ምስ ስንባደ ከም ዘአንገደት ትገልፅ።

ህዳሴ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህንድስናን ሒሳብን (STEM) ዓውዲ ዝወሃብ ስልጠና ዛዚማ ናብ ከተማ እንጅባራ ክትምለስ እንከላ፡ መሓዙታ ደዊሎም ዘመዝገበቶ ውፅኢት ከም ዝነገርዎ ትዛረብ።

"ፅቡቕ ውፅኢት ከም ዝመፅእ ተፀብየ ነይረ። ግና ብብርኪ ሃገር ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይ ዝብል ልዑል ውፅኢት ኣይተፀበኹን ነይረ" ብምባል ንቢቢሲ ገሊፃ። ንዝተሰምዓ ስምዒት ድማ፡ "ብንብዓት ዝተሰነየ ነይሩ" ብምባል ትገልፆ።

ህዳሴ ከም ትብሎ፡ ነዚ ውፅኢት ክተመዝግብ ዝኸኣለት፡ ንመፅናዕቲ ብትጥቀሞ ስልቲ እዩ። ብፍላይ ከም ባዮሎጂን ኪሚስትሪን ዝበሉ ዓይነታት ትምህርቲ ቪድዮ እናረኣየት ምምሃር ከም ዝቐልላ ተረድእ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓመት ክትዛዝሞ ዘለዋ ትምህርቲ ናብ ሰሙናትን መዓልትታትን ብምኽፋል ከም ትዳለው ትገልፅ።

ህዳሴ ምስ ኣቦኣ ዶክተር ዘመኑ

ምንጪ ስእሊ, Injibara University

መግለጺ ስእሊ, ኣቦ ህዳሴ ዶክተር ዘመኑ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንጅባራ ተሓባባሪ ፕሮፌሰርን መምህር ፊዚክስን እዩ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎን ንሰለስተ ዓመታት ዝቐፀለን ጎንፂ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እቲ ክልል ፅልዋ ኣብ ዝፈጠረሉ እዋን እያ፡ ህዳሴ ነዚ ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊባ ዘላ። ብሰንኪ እቲ ጎንፂ፡ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ዝርከቡ "ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ" ተዓፅዮም ከም ዝፀንሑ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ኣፍሊጡ'ዩ።

እዚ ኩነታት ንህዳሴ'ውን ዝፀለወ እዩ። ብሰንኪ እቲ ጎንፂ፡ ትምህርታ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምክትታል በዳሂ ኰይንዋ ከም ዝነበረ ትዝክር። ብፍላይ ተምሃሪት 10 ክፍሊ እንከላ፡ ዘይትኸደሎም መዓልታት ከም ዝነበሩ ትዛረብ።

"ኣብ ዝኾኑ መዓልታት እቲ ቤት ትምህርቲ ዝዕፀወሉ እዋን ኣሎ" ትብል ህዳሴ፡ ተምሃሪት 11 ን 12 ን ክፍሊ እንከላ'ውን ኣብቲ ከባቢ "ስግኣት" ከም ዝነበረ ትገልፅ።

ህዳሴ 12 ክፍሊ ኣብቲ ብሽማ ዝተሰየመ ቤተ መፃሕፍቲ ዝርከበሉ ቤት ትምህርቲ'ኳ እንተተምሃረት፡ ንምንባብ ግና ገዝኣ ከም ትመርፅ ትዛረብ።

"ሓቂ ንምዝራብ፡ ክንድ'ቲ ቤተ መፃሕፍቲ ዝጥቀም ኣይነበርኩን። ምኽንያቱ ስድራይ ኣብ ገዛ ምችው ዝኾነ ኩንታት ፈጢሮምለይ'ዮም" ትብል።

ኣብ ትምህርታ ካብ ዝገበረቶ ፃዕሪ ብተወሳኺ፡ ካብ ስድርኣ ዝረኸበቶ ሓገዝ'ውን ነዚ ውፅኢት ክትረክብ መሰረት ከም ዝኾነ ወላዲኣ ዶ/ር ዘመኑ ምህረት ይዛረብ።

ቤት ትምህርቲ ኣገው ምድር

ምንጪ ስእሊ, awi communication

አኣቦኣ ዶ/ር ዘመኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንጅባራ ተሓባባሪ ፕሮፌሰርን መምህር ፊዚክስን እዩ።ካብ ቁልዕነታ ጀሚራ "ቁጥብትን ልዕሊ ዕድሜኣ ስነ ስርዓትዘለዋ ቆልዓ'ያ" ብምባል'ዩ ንህዳሴ ዝገልፃ።

ንሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ክትሕግዝ ከም ትደልይን ከም ትሳተፍን የረድእ።

ህዳሴ ዘመዝገበቶ ውፅኢት እንትሰምዕ፡ ንከባቢኣ፣ ቤት ትምህርታን ዘምሀርዋ መምህራንን ዘፀውዕ ብምዃኑ "ንሓጎሰይ ዕፅፊ ገይርዎ" ይብል።

ብዓቕማን ኣብ ድሌታን ዝተመስረተ ሓገዝ ይገብረላ ከም ዝነበረ ዝገልፅ ዶ/ር ዘመኑ፡ ኣብ ገዛን ካብ ገዛ ወፃኢን ንምምሃር ምቹው ባይታ ከም ዘጣጥሕን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ትምህርታ ፀቕጢ እንከየጋጠማ ክትመሃር ከም ዝገብርን የረድእ።

ህዳሴ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ዝቕፅል ዓመት ሶፍትዌር ኢንጂነሪንግ ወይ ኮምፒውተር ሳይንስ ቴክኖሎጂ ክተፅንዕ ከም ትደልይ ትዛረብ።

ኣብ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህንድስናን ሒሳብን ዘድህብ ዓውዲ 'ስቴም' (STEM) ብምፍታሽ፡ ድልየታን ዓቕማን ከም ዝፈለጠት ትገልፅ።

"ብተኸታታሊ ኣብ ዝወሰድክዎም ዝተፈላለዩ (ስልጠናታት) ዓውዲ ስቴም፡ ንርእሰይ ኣፀቢቐ ርእየዮ'የ" ብምባል ድልየታ ከም ዘነፀረት ተረድእ።

ንቀፃሊ ትምህርታ ነፃ ዕድላት ትምህርቲ ንምድላይ ምድላው ከም ዝጀመረት ድማ ትገልፅ። ንምምልካት ዘድልይዋ ሰነዳትን ናይ ድጋፍ ደብዳበታትን ብኸመይ ክትፅሕፍ ከም ዘለዋን ካልኦት መረዳእታታት ክትእክብ ከም ዝፀንሐትን ትዛረብ።

ህዳሴ ኣብ ቤተ ፈተነ

ምንጪ ስእሊ, Injibara University

መግለጺ ስእሊ, ህዳሴ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ዝቕፅል ዓመት ሶፍትዌር ኢንጂነሪንግ ወይ ኮምፒውተር ሳይንስ ቴክኖሎጂ ክተፅንዕ ከም ትደልይ ትዛረብ

ኣብ ትርፊ ግዘኣ'ውን፡ ፕሮግራሚንግ፣ ሰብ ሰራሕ ብልሒን (ኤኣይ) ሳይንስን ዝኣመሰሉ ስልጠናታት ትመሃር ከም ዝነበረት ወላዲኣ የረድእ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ፕሮግራም 'ስቴም' ንተኸታታሊ ክልተ እዋናት ክረምቲ ስልጠናታት ብምውሳድ ዝረኸበቶ ልምዲ መሰረት ብምግባር፡ ቴክኖሎጂ ንምፅናዕ ከም ዝወሰነት ይዛረብ።

ዶ/ር ዘመኑ፡ ብመሰረት ፃዕሪን ድልየትን ህዳሴ፡ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝሓሸ ዕድል ትምህርቲ ንኽትረክብ ሓገዝ ክግበረላ ፀዊዑ። እዚ ድማ ንህዳሴ፣ ንሃገራን ከምኣ ንዝፅዕሩን ተምሃሮ መርኣያ ከም ዝኸውን ይገልፅ።

ኣብ 2018 ዓ.ም. ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ንምውሳድ ኣስታት 564 ሽሕ ተምሃሮ ዝተመዝገቡ እንትኾኑ፡ 550 ሽሕን 210 ተምሃሮ ከም ዝተፈተኑ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ካብዚኦም 12 ነጥቢ 8 ሚእታዊት ወይ 70 ሽሕን 544 ተምሃሮ፡ 50 ሚእታዊትን ልዕሊኡን ብምምፃእ መሕለፊ ነጥቢ ኣመዝጊቦም።

እዚ ኣሃዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተመዝገበ 8 ነጥቢ 9 ሚእታዊት እንትነፃፀር፡ መጠናዊ ምምሕያሽ ተራእዩ'ዩ።

ሎሚዘበን ቁፅሪ መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተምሃሮ'ውን፡ ካብ ናይ ዓሚ ብልዕሊ 20 ሽሕ ወሲኹ ኢሉ።

ኣብ ናይ ሎሚዘበን ፈተና ብተፈጥሮ ሳይንስ 16 ነጥቢ 58 ሚእታዊት፣ ብማሕበራዊ ሳይንስ ድማ 8 ነጥቢ 33 ሚእታዊት ተምሃሮ መሕለፊ ነጥቢ ኣመዝጊቦም።

ኣብዚ ናይ ሎሚዓመት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ሙሉእ ብሙሉእ ተምሃሮ ዘሕለፋ ኣብያተ ትምህርቲ ቁፅሪ 88 እዩ። ብኣንፃሩ 565 ኣብያተ ትምህርቲ ዋላ ሓደ ተምሃሪ ከሕልፋ ኣይኸኣላን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁፅሪ ዋላ ሓደ ተምሃሪ ዘየሕለፋ ኣብያተ ትምህርቲ ብዝሒ 1 ሽሕን 232 ነይሩ።