ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ንመስርሕ ሰላም 'ዝዓናቕፉ ዘለዉ ኣካላት' ክተሓባበሩ ኣተሓሳሲባ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ትግራይ ንመስርሕ ሰላም "ዝዓናቕፉ ዘለዉ ኣካላት"፡ ንጻዕርታት ዘተ ምትሕብባር ክገብሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ መራሕቲ ፖለቲካን በርገሳዊ ማሕበራትን ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ ክሳተፉን ነቲ ግጭት ብዘላቕነት ንምዕራፍ ዝተኸተመ ስምምነት ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክትግብሩን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኤምባሲ ትማሊ ዓርቢ 26 ሰነ 2026 ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ነቲ መስርሕ ሰላም "ብንጥፈት ዝዓናቕፉ ዘለዉ ኣካላት"፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ንምብራትዕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት "ብህጹጽ ክተሓባበሩ ኣለዎም፡" ኢሉ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ነዚ መግለጺ ዘውጽአ፡ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዝራግ ኢድ ኣለዎም ኣብ ዝበለቶም "ኣኽረርቲ" ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ስድራቤቶምን ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንበረት ካብ እትገልጽ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ።

ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ "ኣኽረርቲ" ኣባላት ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግጭት ዳግማይ ንኽላዓል ዝደፋፋእ ወጥሪ እናገደደ ምምጽኡ ብምግላጽ እዩ፡ ነዚ ተሓተትቲ ኣብ ዝበሎም ኣካላት እቲ ናይ ቪዛ እገዳ ኣንቢሩ።

ህወሓት ነቲ ብኣመሪካ ዝተነብረ ናይ ቪዛ እገዳ "ሚዛኑ ዘይሓለወ" ክብል ኰኒንዎ። እቲ ስጕምቲ ኣመሪካ ንሓቅታት ትግራይ ዘየንጸባርቕን ንፈደራላዊ መንግስቲ "ተሓታቲ ዘይገበረን" ምዃኑ ብምጥቃስ እዩ ነጺጉዎ።

እቲ ትማሊ ዝወጽአ መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ነቶም መስርሕ ሰላም "ብንጥፈት ዝዓናቕፉ ዘለዉ" ዝበሎም ኣካላት ብስም ኣይጠቐሶምን።

ህወሓት ብመሰረት ስምምነት ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምፍራስ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ብዝተመርጸ ባይቶ ምስ ተክኦ፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዘለዎ ወጥሪ እናገደደ ከይዱ እዩ።

ባይቶ እቲ ክልል ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝሓዘ ኣሰሓሓቢ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ክውዕል እውን ኣዚዙ ኣሎ። ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላ ብሰፊሑ እናተኻየደ ምዃኑ ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ምርግጋጹ ገሊጹ።

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣቶ ሬድዋን ሑሴንን፡ ህወሓት "ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት" ኲናት ንምኽፋት ይዳሎ ከም ዘሎ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክሲ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ህወሓት ብወገኑ ነቲ ክሲ ውድቕ ብምግባር፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሓድሽ ግጭት ንምብራዕ ዝዳሎ ዘሎ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ምዃኑ ብምግላጽ ብኣንጻሩ ይኸስስ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝግበሩ ጻዕርታት ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ንምድጋፍ በቲ ሕብረት ዝተሸመን ነቲ ስምምነት ፕሪቶርያ ከም ዋና ኣዛታዪ ኰይኑ ዝመርሕን ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ፡ ብ4 ሰነ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዛትዩ ነይሩ።

ኦባሳንጆ ነቲ ዘተ "ውጽኢታዊ" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም እቲ ዘተ ምስ ኣዲስ ኣበባ ተቛሪጹ ዝነበረ ርክብ ዳግማይ ንምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘተኰረ ምንባሩ ተዛሪቦም።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ፡ ኣመሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፖለቲካውን ሰብኣውን ኵነታት ብቐረባ ትከታተል ከም ዘላ ጠቒሱ።

ኣመሪካ ነቲ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበር ወሳንን ህይወት ዘድሕንን ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ከም እትቕጽል እቲ ኤምባሲ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ምርግጋእ ምህላው ንቐጻልነት እቲ መስርሕ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣብ መጻኢ ናብ ትግራይ ኣብ ዝገብርዎ ጕዕዞ ምስ መራሕቲ እቲ ክልልን ፈጸምቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ክዘራረቡ ምዃኖም ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ ኣሎ። እቲ ጕዕዞ ዝካየደሉ ልክዕ ግዜ ግን ኣይተጠቕሰን።