መርበብ ፎክስትሮት፡ ንእስራኤላውያን ንምጥቃዕ ብኢራን ተቘጺሩ ዝንቀሳቐስ ስካንዲናቭያዊ ጕጅለ ገበነኛታት

ምንጪ ስእሊ, Swedish Police
"ናብ ሓደ ኣደናቒ ስርሒት ይኸይድ ኣለኹ..."
እዚ ዮሃንስ ናትላንድ ዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት ኖርወጃዊ መንእሰይ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ቅድሚ ምጕዓዙ ንመጻምድቱ ዝለኣኸላ ሓጻር መልእኽቲ እያ።
ብ19 መጋቢት 2025፡ ናትላንድ ኣብ ሰሜናዊ ዓዲ እንግሊዝ፡ ከተማ ሃደርስፊልድ፡ ኣብ ዝርከብ ሆቴል፡ ክልተ ጠበናጁ፡ 19 ጥይታትን 2,000 ፓውንድን ሒዙ ተታሒዙ።
ኣብዛ ሰሙን እዚኣ፡ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፡ እዚ መንእሰይ ምስ ኢራን ርክብ ካብ ዘለዎ ሽወደናዊ ጕጅለ ገበነኛታት ትእዛዝ ተቐቢሉ፡ ሰብ ንምቕታል ውዲት ብምእላሙ ገበነኛ ኰይኑ ረኺብዎ ኣሎ።
እዚ "መርበብ ፎክስትሮት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ንመንእሰያት ከም 'ቀንጸልቲ' ብምጥቃም ዝፍለጥ ጨካን ጕጅለ እዩ።
ትካል ፖሊስ ኤውሮጳ (ዩሮፖል) ነዚ ተርእዮ እዚ "ዓመጽ ከም ኣገልግሎት" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።
ናትላንድ ኣብ ብሪጣንያ ንመን ንምቕታል ተቘጺሩ ከም ዝነበረ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ኩዕሶ እግሪ ዝፈቱ ዝነበረ መንእሰይ ብኸመይ ምስዚ ጕጅለ ተጸምቢሩ? እቲ "ኩርዲሽ ፎክስ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ መራሒ መርበብ ፎክስትሮት፡ ራዋ ማጂድ፡ ከመይ ገይሩ ንመንእሰያት ኤውሮጳ ንጥፍኣት ይጥቀመሎም ኣሎ? ምስ መንግስቲ ኢራን ዘለዎ ርክብከ እንታይ እዩ?
ብዛዕባ እቲ ጨካን ጕጅለ ገበነኛታት ፎክስትሮት እንታይ ይፍለጥ?
ናትላንድ ኣብ ብሪጣንያ ቅድሚ ምትሓዙ ሓደ ሰሙን ኣቐዲሙ፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ ዝኽተሎ "ዝለዓለ ጸቕጢ" ኣካል ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ መርበብ ፎክስትሮትን መራሒኡ ራዋ ማጂድን ማዕቀብ ኣንቢሩ ነይሩ።
ምኒስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፎክስትሮት ምስ "ምኒስትሪ ስለያ ኢራን" ተሓባቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ'ውን እዚ ጕጅለ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ኢድ ስለ ዘለዎ ማዕቀብ ኣንቢሩሉ እዩ። ትካል ስለያ እስራኤል (ሞሳድ) ዘውጽኦ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ፡ ራዋ ማጂድ፡ "ንእስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ይሰርሕ ኣሎ።"
እዚ ጕጅለ ኣብ 2023 ኣብ ሽወደን ከተማ ኡፕሳላ ብዘካየዶ ከቢድ ነታጒ እዩ ኣቓልቦ ረኺቡ።
እቲ ነታጒ ክሳብ 20 ኪሎ ሜትሮ ርሕቀት ዝስማዕ ድምጺ ዝነበሮ ኰይኑ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ድማ ህይወታ ስኢና።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ጥሪ 2024 ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ነታጒ ንምጽዋድ ዝተገብረ ፈተነ፡ ምስዚ ጕጅለ ርክብ ከም ዘለዎ ተገሊጹ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Counter Terrorism Policing
ስርሒታት ኢራን ኣብ ኤውሮጳ
ቤት ጽሕፈት ድሕነት ሽወደን (Säpo)፡ ኢራን ንገበነኛታት ብምጥቃም ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዓመጽ ትፍጽም ከም ዘላ ይኸስስ።
ዳንኤል ስተንሊንግ፡ ሓላፊ እቲ ትካል፡ "ኢራን ንተቓወምታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንእስራኤልን ኣይሁዳዊ ትካላትን እውን ተጥቅዕ ኣላ፡" ኢሉ።
ኔዘርላንድን ብሪጣንያን እውን ተመሳሳሊ ክሲ ኣቕሪበን ኣለዋ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ ተቓወምታ ጸቕጢ ንምፍጣር፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ጐሓላሉን ጕጅለ ገበነኛታትን ትጥቀም ምህላዋ ይግለጽ።
ኢራን ግን ነዚ ክሲ እዚ ብምንጻግ፡ "እስራኤል ዘውጽኣቶ ናይ ሓሶት ሓበሬታ እዩ፡" ትብል።
እቲ "ኩርዲሽ ፎክስ መን እዩ?
ራዋ ማጂድ (ወይ ኩርዲሽ ፎክስ)፡ ካብ ኩርዳውያን ኢራቕ ዝዀኑ ወለዲ ኣብ ኢራን እዩ ተወሊዱ።
ድሕሪኡ ናብ ሽወደን ብምኻድ ኣብ ኡፕሳላ ዓብዩ። ማጂድ ብምሻጥ ሓሽሽ፡ ቅትለትን ካልእ ከቢድ ገበናትን ብኢንተርፖል ይድለ ኣሎ።
ማጂድ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣበይ ከም ዘሎ ብንጹር ኣይፍለጥን።
ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ 2023 ካብ ቱርኪ ናብ ኢራን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣቱ ከሎ ተታሒዙ ነይሩ።
ብመሰረት ሰነዳት ሞሳድ፡ ማጂድ ኣብ ኢራን ምስ ተታሕዘ፡ "ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣቱ ወይ ድማ ምስ ኢስላማዊት ሪፓብሊክ ክትተሓባበር፡" ዝብል ምርጫ ምስ ቀረበሉ፡ ምስ ኢራን ክሰርሕ ተሰማሚዑ።
ኣብ ሽወደን፡ መርበብ ፎክስትሮት ምስቲ "ሩምባ" ዝተባህለ መናሕንሕቱ ጕጅለ ገበነኛታት ብዝገበሮ ናይ ስልጣንን ረብሓን ግጭት፡ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።
መራሒ ሩምባ እስማዒል ዓብዶ፡ ቀደም ናይ ቀረባ መሓዛ ራዋ ማጂድ እዩ ነይሩ።
እዚ ኣብ መንጎ ክልተኦም ጕጅለታት ዝተፈጥረ ጽልኢ፡ ኣብ ከተማታት ሽወደን ቀጻሊ ምፍንጃር ቦምባታትን ደማዊ ኲናት ኣስዒቡ እዩ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
