ሕቡራት ሃገራት፡ ባሕረኛታት ካብ ሆርሙዝ ንምውጻእ ዝነበሮ መደብ ንምንታይ ደው ኣቢሉዎ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣህጉራዊ ትካል ባሕሪ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ትሓልፍ ዝነበረት መርከብ ጽዕነት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዱ፡ ኣብቲ መስመር ማይ ተዓጊቶም ንዝንበሩ 11,000 ባሕረኛታት ንምውጻእ ሓንጺጹዎ ዝነበረ መደብ ንግዜኡ ደው ኣቢሉዎ።

ሓላፊ እቲ ትካል ኣርሰንዮ ዶሚንገዝ፡ ገለ መራኽብ ድሮ ከም ዝወጽኣ እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ ትካል "ኣድላዪ ውሕስነት ድሕነት" ቀጻሊ ምዃኑ ከረጋግጽ ከም ዝደሊ ሓቢሩ።

ትካል ድሕነት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓንቲ መርከብ ካብ ወደብ ዳሂት ዖማን 14 ኪሎሜትር ርሒቓ ንደቡብ ምብራቕ፡ "ብዘይተፈልጠ ተወንጫፊ" ከም ዝተሃርመት ሓቢሩ። ዝዀነ ናይ ሰብ ጕድኣት ከም ዘይበጽሐ ድማ ተገሊጹ።

ትካል ምሕደራ ስግኣት ባሕሪ ቫንጋርድ ከም ዝገለጾ፡ እታ ባንዴራ ሲንጋፖር ዘንበልበለት 'ኤቨር ላቭሊ' ዝተባህለት መርከብ፡ መጥቃዕቲ እኳ እንተ ወረዳ፡ ጕዕዞኣ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ግን ቀጺላ ኣላ።

ብመሰረት ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ተዅሲ ከም ዝኸፈተት ገሊጾም። እቲ ብኢራን ነቲ መጻብቦ ንምምሕዳር ዝተመስረተ ኣካል ከም ዝገለጾ፡ ካብቶም ዝተወሰኑ መስመራት ወጻኢ ዝሓልፋ መራኽብ፡ ድሕነተን ውሑስ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ።

ብዓልመዚ መጻብቦ ወሽመጥ ፋርስ ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ካብ ዘይተፈቕዱ መስመራት ወጻኢ ብምጓዓዝ ንዝስዕብ፡ ሓላፍነት ናይ ብዓል መርከብ፡ ኣንቀሳቓስን ካፒቴንን እዩ፡" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ካብ ለካቲት ጀሚሩ ኣንጻር ኢራን ዝተኻየደ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኣማኢት መራኽብን ኣሽሓት ባሕረኛታትን ኣብቲ መጻብቦ ተዓጊቶም ይርከቡ።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ናይ ምውጻእ ጻዕሪ፡ እቲ መጻብቦ ዳግም ድሕሪ ምኽፋቱ ብሰሉስ ጥራይ እዩ ተፈሊጡ። ዶሚንገዝ ድማ እቲ "ዓቢ ስርሒት" ብምትሕብባር ኢራን፡ ዖማን፡ ኣመሪካ፡ ካልኦት ገማግም ባሕሪ ዘለወን ሃገራት እቲ ዞባን ኢንዱስትሪ ባሕርን ዝካየድ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ዶሚንገዝ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ መጥቃዕቲ ዝወረዳ መርከብ ኣብ ትሕቲ ዝርዝር ኣህጉራዊ ትካል ባሕሪ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘይነበረት ሓቢሩ።

ቀጺሉ፡ "ድሕነት ባሕረኛታት ዝለዓለ ቀዳምነት ከም ዘለዎ ወትሩ ክገልጽ ጸኒሐ እየ። ስለዚ፡ ዝተወሃሃደ ኣገባብን ድሕነት ጕዕዞ ባሕርን ንምውሓስ፡ ተወሳኺ ንጹርነት ክሳብ ዝርከብ እቲ ናይ ምውጻእ መደብ ንግዜኡ ክቋረጽ እዩ፡" ኢሉ።

እቲ መራኽብ ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ ማሪን-ትራፊክ፡ እታ 'ኤቨር ላቭሊ' ሓሙስ ንግሆ ብደቡባዊ መስመር ተጠቂማ ናብቲ መጻብቦ ከም ዝኣተወት፡ ከባቢ ሰዓት 15:30 (ብናይቲ ከባቢ ሰዓት) ድማ ብምብራቓዊ ሸነኽ ከም ዝወጽአት ሓቢሩ።

ቫንጋርድ እውን ዝዀነ ይዅን ሓገዝ ከም ዘየድለየ ጸብጺቡ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሪካን ኢራንን ብመሰረት 14 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ነቲ ተጻብኦታት ንምውጋድ ተረዳዲአን ነይረን። እቲ ስምምዕ፡ ኢራን ን60 መዓልታት ብዘይክፍሊት መራኽብ ክሓልፋ ከተፍቅድ ዝጽውዕ እዩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ቴህራን ነቲ መጻብቦ ንምስጋር ከም ቀረጽ ወይ ግብሪ ዘይኰነስ፡ "ናይ ባሕሪ ኣገልግሎት ክፍሊት" ክትሓትት መደብ ከም ዘለዋ ደጋጊማ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

እዚ መደብ'ዚ ብኣመሪካ ሓያል ተቓውሞ ዘጋጠሞ ኰይኑ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ዝዀነት ትዅን ሃገር ኣብቲ "ኣህጉራዊ መተሓላለፊ ማይ" ኢሉ ዝጸውዖ መጻብቦ ሆርሙዝ ቀረጽ ክትከፍል ከም ዘይፍቀደላ ገሊጹ።

ሩብዮ ምስ ቴህራን ብዛዕባ ዘሎ ስምምዕ ንምዝታይ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዝገብሮ ዘሎ ጕዕዞ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ባሕሬን ይርከብ።

ኣብ መወዳእታ ለካቲት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማረን፡ ቴህራን ነቲ ንጽዕነታት ነዳድን ጋዝን ስትራተጅያዊ ዝዀነ መተሓላለፊ ማይ ብግብሪ ዓጽያቶ ነይራ፤ እዚ ድማ ዋጋ ነዳዲ ኣብ መላእ ዓለም ክንህርን ከም ድዅዒ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ቀረባት ክዕገቱን ምኽንያት ኰይኑ።

ይዅን'ምበር፡ ኣመሪካን ኢራንን ብ17 ሰነ፡ ብዛዕባ ንዩክለሳዊ መደብ ቴህራንን ውግእ ንምብቃዕ ክውሰዱ ዘለዎም ካልኦት ስጕምትታትን ዝምልከት ናይ 60 መዓልታት ናይ ዘተ ግዜ ዝውስን መዘክር ምርድዳእ ድሕሪ ምኽታመን፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብዓቢ ክጐድል ጸኒሑ እዩ።

ሓሙስ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ዋጋ ሓደ ባረል ነዳዲ ንሓጺር እዋን ናብ ትሕቲ 72.48 ዶላር ወሪዱ ነይሩ፤ እዚ ድማ እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምኽፋተን ዝነበረ ዋጋ እዩ። ጸኒሑ ግን ንእሽቶ ወሰኽ ብምርኣይ ናብ 73.23 ዶላር በጺሑ።