ትራምፕ ምስ ቫቲካን ምግጫዉ፡ ፍሉጣት ደገፍቱ የስእኖ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ መራሕቲ ካቶሊክ ነቐፌታ ክገጥሞ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኰነን።

እቲ ኣብ እዋን ጐስጓሱ ዘተስፈዎምን ደገፍቱ ዝነኣድሉን ተሪር ናይ ስደት ፖሊሲታቱ ካብ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ብተደጋጋሚ ኵነኔ ከውርደሉ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ድማ ነቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ካቶሊክ ምስቶም የማናዊ ዝንባለ ዘለዎም ተራ ኣመንቲ ንኣዋርሕ ከባእሶም ጸኒሑ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ዝፈነዎ መጥቃዕትን ንርእሱ ከም ክርስቶስ ኣምሲሉ ብኺነታዊ-ብልሒ (AI) ዝተሰርሐ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርጋሑን ዝፈጠሮ ተቓውሞ ፍሉይ እዩ።

እቲ ዝያዳ ዘገርም ድማ እቲ ነቐፌታት ካብቶም እሙናት ኰኑ ዓቃባውያን መሻርኽቱ ካቶሊክ ምምጽኡ እዩ።

እዞም መሻርኽቱ ካቶሊክ ብሰንኪ እቲ ትራምፕ ምስ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ዝፈጠሮ ግጭት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዝያዳ በቲ ኲናት ኢራን እዮም ቅሬታ ዘለዎም።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ዘቝጸረሉ እዋን፡ ትራምፕ ነቶም ቀዳማይ ኣመሪካዊ ጳጳስ "ሊበራል" ከምኡ እውን "ኣብ ልዕሊ ገበን ድኹም" ኢሉ ምጥቃሱ ኣብ መንጎ ዓቃባውያን ካቶሊክ ዓቢ ለውጢ ኣረኣእያ ፈጢሩ ኣሎ።

ጳጳስ ጆሴፍ ስትሪክላንድ፡ "ንሕና ናብ መራሒ ሃገር ወይ ብዙሕ ገንዘብን ኣጽዋርን ናብ ዘለዎም ኣይኰንናን እነማዕዱ፣ ናብ ክርስቶስ ኢና ንጥምት፡" ይብሉ።

እዞም ጳጳስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንበሪ ቤት ትራምፕ (ማር-ኣ-ላጎ) ተረኺቦም ጸሎት ዘዕረጉ እሙን ደጋፊኡ እዮም። ይዅን እምበር፡ ሕጂ ምስ ቫቲካን ወጊኖም ነቲ ኲናት ይቃወሙዎ ኣለዉ።

"እዚ ግጭት እዚ 'ፍትሓዊ ኲናት' ዘብሎ ረቛሒታት ዘማልእ ኣይኰነን። ምስ ቅዱስ ኣቦናን ምስቲ ንሰላም ዘቕረቡዎ ጻዊዒትን እየ ዘለኹ፡" ክብሉ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እዚ ካብ ዓቃባውያን ካቶሊክ ዝመጽእ ዘሎ ተቓውሞ፡ ንትራምፕ ፖለቲካዊ ሓደጋ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ማእከል ምርምር ፒው ኣብ ምርጫ 2024 ዓሌታዊ ድሕረ-ባይታ ዓቢ ተራ ነይርዎ።

ጸዓዱ ካቶሊክ ብ62 ሚእታዊት ንዶናልድ ትራምፕ ክመርጹ ከለዉ፡ ሂስፓኒክ ካቶሊክ ግን ብ58% ንካማላ ሃሪስ እዮም መሪጾም።

እዚ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ ድማ መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ካቶሊክ፡ ካብ እምነቶም ንላዕሊ ንፖለቲካዊ መስመሮም እዮም ዘቐድሙ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ኣብ ጉዳይ ኲናት ኢራን ኣብ መንጎ ጸጋማውያንን የማናውያንን ካቶሊክ ዝተፈጥረ ሓባራዊ ተቓውሞ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ እዩ።

ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ካብ ክልቲኦም ወገናት ልዑል ደገፍ ኣለዎም።

ፒተር ዎልፍጋንግ ሓደ ካብቶም የማናውያን ድምጽታት ካቶሊክ ኰይኑ፡ ትራምፕ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ካቶሊክ ርድኢት ከም ዘይብሉ ይገልጽ።

"ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት መራሒ ሃገር ጥራሕ ዘይኰነ ወኪል ክርስቶስ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ዝግበር መጥቃዕቲ ድማ ከም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ-ክርስትያን ተገይሩ እዩ ዝውሰድ፡" ይብል።

ዎልፍጋንግ ወሲኹ፡ ትራምፕ "ንናይ ኢራን ስልጣነ ክድምስስ እየ" ኢሉ ክዛረብ ከሎ ወይ ድማ ምኒስተር ምክልኻል ፔት ሄግሰት ኣብ ፔንታጎን ኰይኑ፡ "ጽኑዕ ዓመጽን ቅልጡፍ ሕነ ምፍዳይን" ዝሓትት ጸሎት ከዕርግ ከሎ፡ ዓቃባውያን ካቶሊክ ኣብ ጐድኒ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ደው ክብሉ ተገዲዶም እዮም።

ትራምፕ ኣብ ኢራን "ምሉእ ስልጣነ ክጠፍእ እዩ" ምስ በለ፡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ፡ "እዚ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን፡" ክብሉ ቅልጡፍ ምላሽ ሂቦም እዮም።

ካብ ቫቲካን ኣንቶንዮ ስፓዳሮ ከም ዝገለጾ፡ ትራምፕ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንምንእኣስ ዝገብሮ ጻውዒት ብተዘዋዋሪ እቶም ጳጳስ ዘለዎም ሞራላዊ ጽልዋ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

"ሊዮ ትርጕም ዘይብሎም እንተ ዝዀኑ ነይሮም ሓንቲ ቃል እኳ ኣይምተባህለሎምን። ኣብ ክንድኡ ግን ይጥቀሱ፡ ይስመዩ፡ ይቃወሙ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ቃላቶም ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ዘርኢ ምልክት እዩ፡" ኢሉ።