ኣብይ ኣሕመድ ሰባት "ብናጽነት ተንቀሳቒሶም ክሰርሑ ዘይክእልሉ ደረጃ ምብጽሑ" ኰኒኑ

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብታ ሃገር "ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብናጽነት ተንቀሳቒሶም ክሰርሑ ናብ ዘይክእልሉ ደረጃ" ምብጽሑ "ዘተሓትት፡ ፍንፉን" ከምኡ'ውን "ዘይግቡእ" ክብል ኰኒኑ።
ንሱ ብሰንበት 5 ሓምለ 2018 (ግእዝ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረማርቆስ ኣብ ምረቓ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ተክለሃይማኖት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብሰንኪ ዕጡቓት ዝተፈጥረ ደረት ምንቅስቓስ ናብታ ከተማ ዝግበር ናይ መኪና ጕዕዞ "ብጻዕርና -ናብ ንቡር- ክምለስ ይግባእ፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘካይዶም በረራታት ኣብ ደብረማርቆስ ዝሃነጾ መበል 25 መዓርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ወርሒ ብ6 ሰነ ኣገልግሎት በረራ ቅድመ ምረቓ ጀሚሩ ጸኒሑ።
ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኽበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፡ "'ማርቆስ ናብታ ናይ ተድላ ከተማ ኣይትመጽእን ዲኻ፡ እንተ ደለኻ ብነፋሪት እንተ ደለኻ ብሎንቺና' (ብኣውቶቡስ) ዝተባህለላ ከተማ እያ፡" ብምባል ንጥንታውነት ዋና ከተማ ዞባ ምብራቕ ጐጃም ዝዀነት ደብረ ማርቆስ ኣልዒሉ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ግን "ሎንቺናን ነፋሪትን ጸገም ኰይኑ ነይሩ፡" ብምባል ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ነፋሪት ከም ዘይነበረን ናይ መኪና ጕዕዞ ድማ ብድሆታት ከም ዘጋጠሞን ጠቒሱ።
"ሎሚ 'እንተ ደለኻ ብነፋሪት' ዝብል መልሲ ረኺቡ ኣሎ፡" ብምባል፡ ብምኽፋት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሓደ ካብቶም ብድሆታት ክእለ ከም ዝገበረ ተረሪቡ። " 'እንተ ደለኻ ብሎንቺና' ግና ብጻዕርና ክምለስ ይግባእ እብል፡" ክብል እቲ ኣብ ጕዕዞ መኪና ዘሎ ጸገም ክፍታሕ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ደገም ኣብ እትርከብ "ኣሊ ዶሮ" ዝተባህለት ጣብያ፡ ኣብ ልዕሊ መጓዓዝያ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎ ጭውያ'ዉን ኣልዒሉ እዩ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ንሰሜን ኣብ 142 ኪሎሜተር ርሕቀት እትርከብ ኣሊ ዶሮ ሰጊሮም ናብ ክልል ኣምሓራ ዝጓዓዙ ተጓዓዝቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ጃምላዊ ጭውያን ቅትለትን ከጋጥሞም ጸኒሑ እዩ።
በዚ ጭውያን ቅትለትን፡ መንግስቲ "ሸኔ" ኢሉ ዝጽውዖ ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (OLA) ኢሉ ዝሰመየን ዕጡቕ ጕጅለ ይኽሰስ።
እቲ ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐስ እዩ ዝበሃል ዕጡቕ ጕጅለ ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ዝነጽጎ ኰይኑ፡ ብኣንጻሩ "መንግስቲ ዝወደቦም ኣካላት እዮም ነቲ ተግባር ዝፍጽምዎ" ክብል ይኸስስ።
መንግስቲ ነዚ ዝሃቦ ምላሽ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎን እቶም ዕጡቓት ናብ መኣዲ ዘተ ክመጽኡ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።
"ኣብ ከባቢ ስንጭሮ ኣባይን ከባቢ ኣሊ ዶሮን ዝሸፈተን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣየሳግርን ዝበለን ሽፍታ ብሓባር ተቓሊስና ከነወግድ እናተገብኣና፡ ካብ [ደብረ ማርቆስ] ናብ ደጀን ክንከይድ ከም ዘይንኽእል ተወሳኺ ሸፋቱ ምብዛሕና ግቡእ ኣይመስለንን፡" ክብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቡ።
"ኣብ ዝዀነ ቦታ ዘሎ ሽፍታ ተሓባቢርናን ተደሚርናን ብምእላይ፡ ሰላምን ልምዓትን ህዝብና ከነረጋግጽ [ኣለና]፡" ክብል ተዛሪቡ።
"ብኣንጻሩ ናብ ዓድናን ሰፈርናን ሸፋቱ እናበዝሑ፡ ሰባት ብናጽነት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቒሶም ክሰርሑ ናብ ዘይክእልሉ ደረጃ ምብጻሕና ንዅላትና ዘተሓታትት፡ ፍንፉን፡ ዘይግቡእን ክንምሃረሉ ዝግባእን ጉዳይ ይመስለኒ፡" ክብል ኰኒኑ።

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali
መንግስቲ ነቶም ዕጡቓት "ሸፋቱ" ክብል ክጽውዖም ከሎ፡ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፋኖ ግና ቃልሶም "ናይ መሰልን ህልውናን ቃልሲ" ምዃኑ ይገልጹ።
እዞም ሓይልታት እዚኦም፡ መንግስቲ ፖለቲካዊ ሕቶታቶም ብሰላም ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ይወቕሱ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላትን ኣብ ዘውጽኡዎ ጸብጻባት፡ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሰላማውያን ዜጋታት ንጃምላዊ ቅትለትን ዘይሕጋዊ ጭውያን ይቃለዑ ከም ዘለዉ ይገልጹ።
እቶም ትካላት፡ ክልተኦም ወገናት ንሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ከኽብሩን ሰላማዊ መንገዲ ክመርጹን ደጋጊሞም ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም።
እቲ ትማሊ ብወግዒ ዝተመረቐ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ደብረ ማርቆስ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ በረራ ከም ዘካይድ ተገሊጹ ኣሎ።
እንተዀነ ዋጋ ትኬት ነፋሪት ክኸፍሉ ዘይክእሉ ሰባት ግና ክጽገሙ ከም ዝኽእሉ ዝጠቐሰ ኣብይ፡ "ክኸፍሉ ዘይክእሉ ወይ ዘይደልዩ ብመጓዓዝያ ካብዚ ናብ ባህርዳር ወይ ካብዚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸዱ እንተ ደልዮም… ሰላም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡" ኢሉ።
ስለዚ ድማ መንግስቱ "ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ክላዘቡን ክዘራረቡን ንዝደለዩ ዝዀኑ ኣካላት ማዕጾኡ ርሕው፡" ምዃኑ ገሊጹ።
"ዘየሰማምዑና ጉዳያት እንተ ሃልዮም ብሰላማውን ስልጡንን ናይ ፖለቲካ ኣገባብ ክንዘራረብ ይከኣል እዩ። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ኣማራጺ ንኢትዮጵያ ኣይጠቅምን፡ ንኣምሓራ ኣይጠቅምን፡ ንጐጃም ኣይጠቅምን፡ ንምብራቕ ጐጃም እውን ኣይጠቅምን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብቲ ክልል ዘሎ "እዋናዊ ጸገም ንምፍታሕ" ክከኣል፡ ህዝብን መንግስትን "ብሓባር ክቘሙ" ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይቲ ከባቢ ተቐማጦን ግና፡ እቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ካብ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ወጻኢ ዝዀነ ናይ ሓቂ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከም ዘድሊ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ብ2016 (ግእዝ) ክረምቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግጭት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብቲ ክልል ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝግበሩ ጕዕዞታት ተሰናኺሎም እዮም።
ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፋኖ፡ ዝሓለፈ ሰነ መበል ሻብዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝተኻየደሉ እዋን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እገዳታት መጓዓዝያ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል እውን ጭውያታት የጋጥሙ ነይሮም።
ብተወሳኺ፡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብቲ ክልል ዝግበሩ ጕዕዞታት፡ ብፍላይ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ክልል ኦሮምያ ብዕጡቓት ዒላማ ጭውያን መጥቃዕትን ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
