ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ሰፊሕ ተቓውሞታት ክካየድ ውዒሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ሓያሎ ዓበይቲ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ስደተኛታት ተቓውሞታት ክካየድ ውዒሉ።
እቲ ዘይጋውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ብዝተፈላለዩ ፖለቲካው ማሕበራውን ጉጅለታት ዝተወደበ እዩ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰነድ መንነት ዘይብሎም ስደተኛታት ክሳብ 30 ሰነ ኣብ ዘሎ እዋን ክወጹ ዘይወግዓዊ ገደብ ግዜ ሂቦም ምንባሮም ይፍለጥ።
እዚ ሎሚ ኣብ ደርባንን ጆሃንስበርግን ዝርከብአን ከተማታት ዝተኻየደ ተቓውሞታት ጐነጽ ዝተሓወሶ ከይከውን ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።
ጸብጻባት ካብታ ሃገር ከምዝሓበርዎ ግን፡ ብናይ ብሕቲ ትካላት ጸጥታ ዝተደገፉ ኣባላት ፖሊስ ጽዑቕ ሓለዋ ብምግባሮም ካብ ቊጽጽር ዝወጽአ ጐነጽ ኣይተራእየን።
ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ፡ ትማሊ ብድሮ እቲ ገደብ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ እቶም ኣንጻር ስደተኛታት ሰልፊ ክገብሩ ዝሓስቡ ዘለዉ ሰባት ብዘይ "ምድፍፋእ፡ ምፍርራሕ ወይ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ" ክንቀሳቐሱ ከም ዘለዎም ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ግጭትን ዓመጽን ብምስጋእ ካብታ ሃገር ወጺኦም እዮም።
ፖሊስ ከምዝበሎ፡ ዛጊት 25,000 ኣፍሪቃውያን ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ወጺኦም ኣለዉ።
ኣብታ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝሰርሑላን ዝነብሩላን ንግዳዊት ርእሰከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ጆሃንስበርግ፡ ትካላት ንግዲ፡ ብፍላይ ብስደተኛታት ዝውነን ድኳናትን ኣብያተ-መግቢን ተዓጽዮም ውዒሎም።
ኣብታ ወደባዊት ከተማ ደርባን እትርከበሉ ኣውራጃ ኩዋዙሉ ናታል ምስ ዝምታ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዯም። ኣብ ማእከል እታ ከተማ ዝርከቡ ትካላት ንግዲ'ውን ብተመሳሳሊ ተዓጽዮም ከምዝወዓሉ ተገሊጹ።
ሓደ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሉ ዜጋ ማላዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ናብ ዓደይ ብምምላሰይ ሕጕስ'ኳ እንተዀንኩ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንኣሽቱ ደቀይ ሓዲገ ብምኻደይ ግን ልበይ ተሰይሩ እዩ፡" ኢሉ።
ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ተቓውሞታት እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ራማፎሳ ነቶም ሰልፈኛታት ብሰላማዊ መንገድን ብሓላፍነትን ክንቀሳቀሱ ብተደጋጋሚ ክምዕድ ጸኒሑ እዩ፤ ብተወሳኺ'ውን ኣብ ሕግታት ስደተኛታት ምምሕያሻት ክግበር ከም ዘድሊ ተቐቢሉዎ ኣሎ።
ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ጽሑፍ መልእኽቱ ንዜጋታት ሃገሩ ከም ዘዘኻኸሮ፡ "ገሊኦም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ዜጋታት ብሕጋዊ መንገዲ እዮም ዘለዉ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
"እዚኣቶም ይሰርሑ፡ ይመሃሩ፡ ስድራቤት ይምስርቱ፡ ኣብ ቍጠባና ወፍሪ ይገብሩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሕብረተሰብና እወታዊ ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም። ንሳቶም'ውን ብሕግታትናን ቅዋምናን ዕቝባ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።"
ቀጺሉ፡ "እቲ ናይ ምቅዋም መሰልን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ንኻልኦት ሰባት ንምድፍፋእ፡ ንምፍርራሕ ወይ ድማ ኣብ ተግባራት ዕንወትን ዓመጽን ንኽሳተፉ መሰል ኣይህብን እዩ፡" ክብል ጽሒፉ።
ብመሰረት ወግዓዊ ኣሃዛት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎም ወጻእተኛታት ይነብሩ።
ቅድሚ እቲ ገደብ ግዜ ምብጻሑ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ንድሕነቶም ብምስጋእ ንሓያሎ ሰሙናት ኣብ ግዝያውያን መዓስከራት ኰይኖም ጉዳዮም ክሳዕ ዝጻረ ክጽበዩ ጸኒሖም እዮም።
ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ተቓውሞታት ዝረኣየላ ከተማ ደርባን፡ ሰበስልጣን ነቲ መሰጋገሪ መዓስከር ንምጽራይ ኣብ ዝቀዳደምሉ ዘለዉ እዋን፡ መብዛሕትኦም ዜጋታት ማላዊ ዝነበሩሎም ድንኳናት ይፈራርሱ ኣለዉ።
ሕብርታት ዘለዎም ሳሮንግ (ባህላዊ ዓለባ) ዝተኸድና ኣንስቲ ኣብ ልዕሊ ንብረተን ተቐሚጠን፡ ናብ ሃገረን ማላዊ ንምምላስ ናብ እትወስድ ኣውቶቡስ ንምስቃል ተሰሪዐን ይጽበያ ነይረን።
ኔልሰን ምቤወ ዝተባህለ ሰብኣይ፡ ኣብ ማላዊ ንእትርከብ ስድራቤቱ ንምሕጋዝ ስራሕ ደልዩ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝመጽአ ይገልጽ።
"ግን ጸገማት የጋጥመና ኣሎ - 'ሕጋዊ ሰነድ ስለ ዘይብልኩም ናብ ዓድኹም ተመለሱ' ይብሉና ኣለዉ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ምቤወ ወሲኹ፡ " 'ማክወረክወረ' እዮም ዝብሉና፡" ኢሉ፤ እዚ ቃል'ዚ ነቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምጽራፍ ዝጥቀምሉ ናይ ጽልኢ ቃል እዩ።
"እዚ ሃገሮም እዩ፣ ስለዚ እንታይ ክንገብር ንኽእል? ናብ ዓድና ክንምለስ ከም ዘሎና ዝተቐበልናዮ ከይፈተና እዩ፡" ኢሉ።
ሓሰን ፊሪ ዝተባህለ ጉዳዩ ክሳብ ዝጻረ ገና ዝጽበ ዘሎ ማላዊ፡ ነቶም ተቓወምቲ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ።
"ነቶም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክብሎም ዝደሊ ነገር እንተ ሃልዩ፡ ኵላትና ሓደ ኢና። ዝዀነ ይዅን ይፈጸም፡ ዝዀነ ይዅን ይምጻእ፡ ኣፍሪቃ ወይ ሓንቲ ኣፍሪቃ ኰይና ክትቅጽል ኣለዋ።"
ኣስዒቡ፡ "ብዘይ ደቡብ ኣፍሪቃ... ብዘይ ማላዊ... ወይ ብዘይ ዝዀነ ቦታ ኣፍሪቃ ክትህሉ ኣይትኽእልን እያ፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ፤ "ስለዚ ዝዀነ ይዅን ነገር እንተ ተፈጸመ፡ ክንፋቐርን ከም ሓንቲ ኣፍሪቃ ኴንና ክንቀራረብን ኣለና፡" ኢሉ።
ኣብ ከተማታት ደርባን፡ ጆሃንስበርግን ካልኦት ከተማታትን ሰሉስ መዓልቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዝካየድ ሰልፊ ፍቓድ ተዋሂቡዎ ኣሎ።
ሰበስልጣን ነቶም ኣዳለውቲ ናይቲ ሰልፊ ዓመጽ ከይፍጠር ንኽከላኸሉ ኣጠንቂቖም ኣለዉ፤ ይዅን እምበር ንዝዀነ ከጋጥም ዝኽእል ዕግርግር ድሉዋት ምዃኖም ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ፖሊስ ባህላዊ ኣጽዋር ምሓዝ ዝተኸልከለ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ወጥሪ ክፈጥር ይኽእል እዩ፤ ምኽንያቱ መብዛሕትኦም እቶም ሰልፈኛታት ኣባላት ብሄረሰብ ዙሉ ኰይኖም፡ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ክኸዱ ከለዉ ወትሩ ዋልታታቶም፡ ጅራፎምን ዱላታቶምን ሒዞም እዮም ዝወጽኡ።
ብመሰረት መንግስቲ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ማዕበላት ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ 12,000 ስደተኛታት ተሰጒጎም ወይ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እዮም።
ሃገራት ጋና፡ ማላዊ፡ ሞዛምቢክ፡ ናይጀርያን ዚምባብወን ኣብ ዝሓለፋ ሰሙናት ብኣየርን ኣውቶቡስን ዜጋታተን ናብ ዓዶም ንምምላስ ባይታታት ከጣጥሓ ጸኒሐን ኣለዋ፤ ብመሰረት እዚ ድማ 3,500 ዝዀኑ ወጻእተኛታት ብገዛእ ፍቓዶም ካብታ ሃገር ንምውጻእ ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቶም ናብ ዓዶም ዝተመልሱ ልዕሊ 500 ናይጀርያውያን ትኽክለኛ ሰነዳት ከም ዘይነበሮም ክገልጹ ከለዉ፡ ናይጀርያ ግን ነዚ ክሲ ነጺጋቶ ኣላ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጽልኢ ወጻእተኛታት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጸገም ኰይኑ፡ ሓድሓደ ግዜ ናብ ዓመጽ ክሰጋገር ጸኒሑ እዩ።
ብመሰረት እቲ ብማእከል ፍልሰትን ሕብረተሰብን ኣፍሪቃ (ACMS) ዝመሓደር 'ዜኖዋች' ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝካየድ ዓመጽ ዝከታተል ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ኣብ 2008፡ ኣንጻር ወጻእተኛታት ዜጋታት ኣብ ዝተላዕለ ናይ ዕግርግር ማዕበል ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም እዮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
