
ምንጪ ስእሊ, Akos Stiller / Bloomberg via Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ሃንጋሪ ዝተኻየደ ምርጫ ኣቓልቦ መላእ ኣውሮጳን ዓለምን ረኺቡ ቀንዩ ነይሩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ፓርላመንታዊ መረጻ ብወዲ 45 ዓመት ፒተር ማጊያር ዝምራሕ ሰልፊ በገፊሕ ብምስዓር ዓብላሊ መናብር ተዓዊቱ'ሎ።
ነዊሕ ዘመነ ስልጣን ናይቲ ን16 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሓ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ቪክተር ኦርባን ድማ ትማሊ ምሸት ከምዘብቅዐ ተረጋጊጹ። ብወግዒ ስዕረቱ ድሕሪ ምእማኑ ኣብ ርእሰከተማ ቡዳፐስት ፈንጠዝያ'ዩ ሓዲሩ።
እቲ መሓዛን መሻርኽትን ፕረዚደንት ሩስያ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምዃኑ ዝንገረሉ ኦርባን ንመራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ እሾዂ ኮይኑዎም'ዩ ጸኒሑ።
ንየማናይ ክንፊ ፖለቲካዊ መርገጺ እታ ሃገር ዝውክል ኦርባን፡ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ብጉዳይ ዩክረይን ብዝተሓሓዝ ምስ ሞስኮ ዘለወን ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጅኡ ወሪድሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ጥቡቕ ዝምድና ምምስራቱ ዓቢ ብድሆ ኮይንወን'ዩ ጸኒሑ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ሕብረት ንዩክረይን 105 ቢልዮን ዶላር ለቓሕ ክህባ ኣብ ስምምዕ'ኳ እንተበጽሐ ብሰንኪ ኦርባን ፈሺሉ'ዩ - ነፍሲወከፍ ሃገር ወሳኒ ድምጺ ስለዘለዋ።
"ሩስያውያን ዓድኹም ኪዱ" ክብሉ ደገፍቲ ማጊያር ድሕሪ'ቲ ዓወት ክጭድሩ ተሰሚዖም ነይሮም።
ምስ ትራምፕ ዘለዎ ዝምድና'ውን ካብ ናይ ካልኦት መራሕቲ እታ ኣህጉር ሓለፋ ዝጸንሖ እዩ። እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ብምግላጽ፡ ምክትሉ ጀይዲ ቫንስ ኣብ ጐስጓስ ምርጫ ንክሕግዞ ናብ ርእሰከተማ ቡዳፐስት ክሳብ ምስዳድ በጺሑ ነይሩ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ደገፍ ህዝቢ ዝተነፍጎ ቪክቶር ኦርባን ድሕሪ 16 ዓመት ካብ ስልጣን ይሰናበት ኣሎእንተኾነ፡ እቲ ብማጊያር ዝምራሕ ሰልፊ ክብረትን ናጽነትን (ቲስዛ) 135 ብምርካብ ንፈተውትን ጸላእትን ዘገረመ ዓወት ተጓናጺፉ ኣሎ። ብኦርባን ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ድማ 55 መናብር ተዓዊቱ'ሎ። ሕሉፋት የማናውያን ብወገኖም 6 መናብር ከምዝተዓወቱ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ዘገርም፡ እዚ ጸግዒ ሕብረት ኣውሮጳ ወሲዱ ዘሎ ፒተር ማጊያር ኣባል ናይቲ ብኦርባን ዝምራሕ ሰልፊ 'ፊደስዝ' ብምዃን'ዩ ናብ ፖለቲካ ዓለም ተጸንቢሩ።
ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጐስጓሳት፡ ሃንጋሪ ካብ ሩስያ ክትርሕቕን ምስ ምዕራብ ኣውሮጳ ክትጠብቕን ከምዝደሊ ብንጹር መርገጺኡ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት ክረክብ ክኢሉ'ዩ።
እቲ ናይ 'ምርጫ ምልኪ' ሃኒጹ ተባሂሉ ክንቀፍ ዝጸንሐ ኦርባን፡ ተረርቲ ሕግታት ብምውጻ እንናጽነታት ሚድያን ሓርነታት ህዝቢን ምግዳቡ ተቓውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑ ነይሩ።
እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን በትረ-ስልጣን ክርከብ ዝዳሎ ዘሎ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ነቲ ሕግታት ብምቕያር ናይ ስርዓት ለውጢ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ።