ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዛዕባ ምሕዝነት ንህላወ ዝሃቦ መግለጺ
ኣዛዚ ናይቲ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈልዩ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝብል ዝጽዋዕ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ኣባል ዝዀነሉ ጥምረት ጕጅለታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ መርገጺኡ ገሊጹ።
ምስ ህወሓትን ፋኖን "ምሕዝነት ንህላወ" ዝብል ጥምረት ዝመስረተ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ "ሃጸያዊ ስርዓት [ኢትዮጵያ] ክፈርስ ኣለዎ" ዝብል መርገጺኡ ከምዘይገደፈ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ 7 ዕጡቓት ጕጅለታት ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ንምውዳቕ ዝዓለመ "ምሕዝነት ንህላወ" ዝብል ኪዳን ከም ዝመስረቱ ኣፍሊጦም እዮም።
ኣባላት እቲ ኪዳን፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ህወሓትን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖን፡ ሃገራዊ ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፡ ሰውራዊ ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ዓፋር፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ቤንሻንጉልን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ጉሙዝን ይርከብዎም።
ኣማኻሪ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጂሬኛ ጉደታ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምስ ህወሓትን ፋኖን ምትሕብባር ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ኣብቲ ናይ ቀደም መርገጺና ኢና ዘለና፤ ስርዓት ኢምፓየር ክፈርስ ኣለዎ ዝብል መርገጺና ኣይገደፍናን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉዱሩን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብስእነት ሰላም እናተሳቐየ ይርከብ።