እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሩስያ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ እንታይ በለት?

    ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ እታ ኣብ ሮማንያ ዝወደቐት ድሮን ከምዝተሓበሮ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ኣባል ኔቶ ዝኾነት ሮማንያ፡ ነቲ ኣብታ ግዳይ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ዝኾነት ከተማ ጋላቲ ዝነበረ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኤምባሲ ሩስያ ብህጹጽ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዛቶ'ላ።

    ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቲ ጉዳይ ኣተኲሮ ንምጥምዛዝ ዝዓለመ'ዩ ክትብል ወቒሳ።

    እቲ "ብዛዕባ እታ ኣብ ሮማንያ [ዝወደቐት] ድሮን ዝግበር ዘሎ ዋዕዋዕ"፡ ኣቓልቦ ዓለም ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ሩስያ ትቆጻጸሮ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምእላይ "ብምዕራባውያን" ዝተሃንደሰ ሜላ'ዩ ክትብል ማሪያ ዛካሮቫ ተዛሪባ።

    ሰብመዚ ሩስያ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስታሮቢልስክ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን 21 ተመሃሮ ቀቲሉ ነይሩ።

    ኪቭ ግን ንሲቪላውያን ዒላማ ከምዘይትገብር'ያ ትምጉት።

  2. ንሮማንያ ዘለዋ ደገፍ ዝገለጸት ኣመሪካ 'ንዂሉ ስድሪ መሬት ኔቶ' ከምእትከላኸል ፍሊጣ

    ኣብ ሮማንያ ዝወደቐት ድሮን ሩስያ ኣብ ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ቁጠዐ ኣስዒባ ኣላ።

    ኣምባሳደር ናይታ ኣብቲ ኪዳን መሪሕ ተራ ዘለዋ ኣመሪካ ዝኾነ ማት ዊትቴከር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ንግዝኣት ሮማንያ ምጥሓሳ ኮኒኑ።

    "ንነፍሲ ወከፍ ስድሪ ግዝኣት ኔቶ ክንከላኸል ኢና" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ'ሎ።

    ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጒዳይ ኲናት ዩክረይን ኣንጻር ሩስያ ተሪር መርገጺ የብሉን ተባሂሉ'ዩ ክንቀፍ ጸኒሑ።

    ትራምፕ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክነጻጸር እንከሎ፡ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ዝጠበቐ ዝምድና'ዩ ዘለዎ።

    እንተኾነ፡ ዘይከምቲ ዝሓሰቦ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ከካይዶ ዝጸንሐ ሓያል ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰመረን።

  3. ‘ግዲ ኣልቦ ተግባራት ሩስያ ንዅላትና ሓደጋ እዩ’ – ዋና ጸሓፊ ኔቶ

    ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ፡ነቲ “ግዲ ኣልቦ ተግባራት ሩስያ ንዅላት ሓደጋ እዩ፡” ክብል ኰኒኑዎ።

    ሩተ፡ ኔቶ “ንነፍስወከፍ እመት ናይ መሻርኽቲ ሃገራት ግዝኣት ንምክልኻል ድሉው ኰይኑ ከም ዘሎ” ንፕረዚደንት ሮማንያ ኒኩሾር ዴን ከም ዘረጋገጸሉ ገሊጹ።

    ሩተ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሩስያ “ኣብ መላእ ዩክረይን ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባትን ስቪላዊ ትሕተ-ቅርጽታትን ዒላማ ምግባር፡” ከም ዝቐጸለትሉን “ትማሊ ምሸት’ውን እቲ ዘይሕጋዊ ናይ ወራር ተግባር ሳዕቤኑ ኣብ ዶብ ጥራይ ከም ዘየብቅዕ ዳግማይ ዘርኣየ እዩ፡” ኢሉ።

    ኔቶ ዓቕሚ ምክልኻሉ ምድልዳል ክቕጽል ምዃኑ ዝገለጸ ሩተ፡ ዩክረይን ንወራር ሩስያ ንምምካት ዘኽእላ ደገፉ ከም ዝቕጽል ገሊጹ።

    በዚ መሰረት ሰበስልጣን ኤውሮጳ፡ ነቲ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ሮማንያ ዝሰዓበ ናይ ድሮን ሓደጋ ኰኒኖሞ ኣለዉ።

    ሩስያ ክሳብ ሕጂብ ዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝሃበቶ መግለጺ የሎን።

    መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ግና ደገፎምን ሓድነቶምን ንሮማንያ ንእለቱ ገሊጾም ኣለዉ።

    ሓላፊት ፖሊሲታት ወጻኢ ናይቲ ሕብረት ካያካላስ ከምዝገለጸቶ፡ እቲ ናይ ድሮን ምውዳቕ “ንልዑላውነት ሮማንያን ባሕረ-ኣየር ኤውሮጳን ግሁድን ከቢድን ምግሃስ እዩ፡” ኢላ።

    ፕረዚደንት ቤት-ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ ንሮማንያ “ምሉእ ሓድነትን ደገፍን” ገሊጹላ። ብተወሳኺ “እቲ ሩስያ ኣብ ግዝኣት ሕብረት ኤውሮጳ ዝገበረቶ ምስፍሕፋሕ ውግእ ዕቡድን ሓላፍነት ዘይብሉን እዩ፡” ኢሉ።

    ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየን ብወገና፡ ወራር ሩስያ “ካልእ ተወሳኺ መስመር ሰጊሩ ኣሎ፡” ኢላ።

    ውግእ ሩስያን ዩክረይንን ካብ ክልተአን ሃገራት ሰጊሩ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ናይተን ሃገራት ድሮናት ዝወድቀሉ ፍጻመታት ይኽሰት ኣሎ።

    ብመሰረት ምኒስትሪ ምክልኻል ሮማንያ፡ ሓንቲ ናይ ሩስያ ድሮን ካብ ዶብ ዩክረይን ብዙሕ ርሕቀት ኣብ ዘይብላ ጋላቲ ኣብ እትበሃል ከተማ ሮማንያ ንሓደ መንበሪ ህንጻ ድሕሪ ምውዳቓ ክልተ ሰባት ቈሲሎም ኣለዉ።

    ናይታ ድሮን ተተኳሲ ዝተፈንጀረ ኰይኑ፡ ኣብ መበል 10 ደብሪ ናይቲ ህንጻ ሓዊ ከም ዘናኸሰ ተሓቢሩ።

    ብመሰረት ኣገልግሎት ህጹጽ ሓደጋ ሮማንያ፡ እቲ ሓዊ ክሳዕ ዝጠፍእ ኣስታት 70 ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ቦታ ክለቍ ተገዲዶም።

    ምኒስትሪ ምክልኻል ሮማንያ ከም ዝገለጾ፡ ካብቲ ናይቲ ዓዲ ሰዓት ኣቈጻጽራ ንድሕሪ ሰዓት 01:00 ጀሚሩ ክልተ F-16 ጀታትን ሓንቲ ሄሊኮፕተርን ተዋፊረን ነይረን።

    ፕረዚደንት ሮማንያ ኒኩሾር ዴን ከም ዝበሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተወሳኺ ሓደጋ ከይተፈጥረ ነቶም ዒላማታት ንምጥፋእ ምቹእ ኵነታት ኣይነበረን።

    ሩስያ ዛጊትብዛዕባ እቲ ብመራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ከም “ግሁድን ከቢድን ምግሃስ” ተባሂሉ ዝተኾነነ ፍጻመ ዝሃበቶ መግለጺ የሎን።

  4. ነታንያሁ ወተሃደራዊ ቍጽጽር ቓዛ ክሰፍሕ ኣዚዙ

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘለዎ ቍጽጽር ካብ 60% ናብ 70% ከስፍሕ መምርሒ ሂቡ።

    ናታንያሁ ብሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል “ንሓማስ ካብ ኵሉ ኣንፈት ትጭብጥ” ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ሰራዊቱ ድሮ ኣብ ምቍጽጻር ወሽመጥ ቓዛ ካብ 50% ናብ 60% ከም ዝተሰጋገረ ኣረጋጊጹ። እዚ ሓድሽ መምርሒኡ 70% ከም ቀጻሊ ሸቶ ኣቐሚጡ ኣሎ።

    እዚ ኣዋጅ ምስቲ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ጥቅምቲ 2025 ዝተሰማምዓሉ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ብቐጥታ ዝጻረር ኰይኑ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል ሓይልታት እስራኤል ናብ ዝተሰማምዕሉ መስመር ዶብ ክስሕቡ ነይርዎም።

    እቲ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብውሕዱ 738 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር፤ ሕቡራት ሃገራት እዚ ኣሃዛት ከም ዘተኣማምን ይቘጽሮ።

    እቲ ብመንገዲ ብኣመሪካ ዝካየድ ውጥን ሰላም ንምስጓም ዝዓለመ ዝርርብ ገና ዕጽው ኰይኑ ኣሎ። ኣብቲ ውጥን ዝቕጽል ስጕምትታት ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕን ወተሃደራት እስራኤል ክስሕቡን ዝጠልብ እዩ፤ እንተዀነ እቲ ዝርርብ ደው ኢሉ ኣሎ።

    ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካዝ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓማስ ንቓዛ ብዝዀነ መልክዕ ከም ዘየመሓድር ፈኪሩ። እቲ ንሱ ዝብሎ "ወለንታዊ ስደት" ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ከም ዝትግበር ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ መላእ ቓዛ መጥቃዕቲ ቀጺላ’ላ። ብረቡዕ ኣብ ከተማ ቓዛ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ሓሙሽተ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ ዓሰርተ ሰባት ተቐቲሎም። ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት እውን ነቲ ሓድሽ ዝተመዘዘ ሓላፊ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ መሓመድ ኦደህ ምስ ኣባላት ስድራኡ ቀቲሉ።

    እቲ ኲናት ኣብ ጥቅምቲ 2023 ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብውሕዱ 72,742 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 172,000 ድማ ቈሲሎም - ካብዚኦም ልዕሊ 21,000 ህጻናት እዮም።

  5. ድሮን ሩስያ ንፈለማ ግዜ ንኣባል ኔቶ ሃሪሙ

    ድሮን ሩስያ ኣብ ሮማንያ ኣብ ዝርከብ ሓደ ህንጻ ብምውቃዕ ክልተ ሰባት ተሃሪሙም። እዚ ድማ፡ ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ካብ ዝጅምር ዜጋታት ሓንቲ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ሃገር ብድሮን ሩስያ ክህረሙ ፈላማይ ምዃኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

    እቲ ፍጻመ ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሮማንያ ምስ ዩክረይን እትርከብ ምብራቓዊት ከተማ ጋላቲ ዘጋጠመ እዩ። ብምሉእ ነታጒት ዝዀነት እታ ድሮን፡ ኣብ መበል 10ይ ደርቢ ናይቲ ህንጻ ብምፍንጃራ እዩ ባርዕ ኣበጊሱ። ክልተ ሰባት ብመጕዳእቲ ኣብ ሕክምና ክእለዩ እንከለዉ፡ ኣስታት 70 ነበርቲ ድማ ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ከምዝተገብረ ተገሊጹ።

    ፕረዚደንት ሮማንያ ኒኩሶር ዳን ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ ዝጅምር ንደሓር ንመሬት ሮማንያ ዝጸሉ ዝኸበደ ፍጻመ ብምባል፡ ህጹጽ ኣኼባ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ምክልኻል እታ ሃገር ጸዊዑ።

    ኔቶ ነቲ ሸለልትነታዊ ተግባር ሩስያ ዝበሎ ፍጻመ ክዅንን እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ድማ ኲናት ሩስያ ካልእ መስመር ሰጊሩ ከምዘሎ ገሊጻ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሮማንያ ከቢድን ዘይሓላፍነታውን ምዕባለ ብምባል፡ ኔቶ መስርሕ ምስግጋር ዓቕሚ ጸረ-ድሮን ከቀላጥፎ ብወግዒ ሓቲቱ።

    እታ ድሮን ምስ ምስ ተለለየት ክልተ ጀት ኤፍ-16 ሮማንያ ከም ግብረመልሲ ብህጹጽ ተላዒለን’ኳ እንተነበራ፡ ሰራዊት ግን ኣብ መንጎ ምልላይ እታ ድሮንን ፍንጀራን ኣርባዕተ ደቓይቕ ጥራይ ከምዝነበረ ገሊጹ። ኣዘዝቲ፡ ዩክረይን ኣብ ኲናት ስለዘላ፡ ናብ ክሊ ኣየር ዩክረይን ከይትኩሱ ከምዝተገደቡ ድማ ኣመልኪቶም።

    ሩስያ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበትን።

    ድሮናት ሩስያ ናብ ሮማንያ ክሰግራ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር 47 ግዜ ኣብ መሬት ሮማንያ ስብርባር ድሮናት ተረኺቡ ኣሎ፣ ካብዚኦም እቶም 12 ኣብዚ ዓመት ጥራይ ዝተረኽቡ እዮም።

    ብኻልእ ፍጻመ፡ ወደባዊት ከተማ ዩክረይን ኢዝማዒል መጥቃዕቲ ድሮናት ክወርዳ እንከሎ፡ ዩክረይን ብወገና ኣብቲ ሩስያ ኣብ እትቈጻጸሮ ምብራቓዊ ዶነስክ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።

  6. ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ማእከል ውሸባ ኢቦላ ንኣመሪካውያን ከልኪሉ

    ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣሰካፊ እናዀነ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ነቲ ሎሚ ስርሑ ክጅምር ተሓሲቡ ዝነበረ፡ ንኣመሪካውያን ዘገልግል መወሸቢ ማእከል ኢቦላ ደው ኣቢሉ።

    እቲ ናይሮቢ ዝመደበሩ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ነቲ ምስ ኣመሪካ ዝተኣሳሰረ መወሸቢን መሐከሚን ማእከል ኢቦላ ንምቛምን ስርሑ ንምጅማርን ዝተሓሰበ መደብ ንግዚኡ ደው ክብል ትእዛዝ ኣውጺኡ።

    ዳኛ ፓትሪሻ ንያውንዲ ብ28 ግንቦት ኣብ ዝሃበቶ ውሳነ፡ ነቲ ጉዳይ ህጹጽ ምዃኑ ኣረጋጊጻ። ተወሳኺ መስርሕ ፍርዲ ክሳብ ዝካየድ ከምዚ ዓይነት መሳለጥያ ንምቛም ወይ ንምምራሕ ዝኾነ ይኹን መደብ ደው ዘብል ዓጋቲ ትእዛዝ ኣሕሊፋ።

    ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ብፍሉይ ንመንግስታዊ ኣካላትን ሰበስልጣን ኬንያ ምስ ኢቦላ ዝተኣሳሰር፡ ውሸባን ሕክምናን ዝምልከት ዝኾነ ይዅን ምስ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ወጻኢን ዝግበር መስርሓት ዝገትእ እዩ።

    ብተወሳኺ እታ ዳኛ፡ ብመሰረት እቲ ምስ ኣመሪካ ክግበር ዝጸንሐ ምድላዋት፡ ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ሰበስልጣን ወይ ድማ ንኢቦላ ዝተቓልዑ ወይ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ ኬንያ ከይኣትዉ ከልኪላ።

    እቲ ጻውዒት ብኢንስቲትዩት ስቪላዊ መሰላት ዝቐረበ ኮይኑ፡ እቲ እማመ ብዘይ ብዘይብቝዕ መከላኸሊ ትግባረኡ እንተ ቀጺሉ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኬንያውያን ሓደጋ ዘውርድ ምዃኑ እዩ ዝምጕት። እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ምጕት እናሃለወ ህዝባዊ ረብሓ ብምቕዳም ግዝያዊ ትእዛዝ ምሃብ ምኽኑይ ምዃኑ ተሰማሚዑ።

    ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ እቶም ተማጐትቲ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ወግዓዊ ሰነድ ክሲ ከቕርቡ እዮም፡ እቶም ተኸሰስቲ ድማ መልሲ ክህቡ 48 ሰዓታት ኣለዎም። እቲ ጉዳይ ዝመጽእ 2 ሰነ ዳግማይ ክርአ እዩ።

    እዚ ትእዛዝ ኣብ ኬንያ፡ ኣብቲ ዞባ ንኢቦላ ክቃልዑ ዝኽእሉ ኣመሪካውያን ዜጋታት ዝዓለመ ብኣመሪካ ዝመሓደር መሳለጥያ ባዮ-ኢሶሌሽን ኣብ ኬንያ ክህነጽ ተወጢኑ ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኡ፡ ህዝባዊ ቍጥዐ እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

  7. ዘይነጸረ ዘተ ኣመሪካን ኢራንን፡ ቫንስ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ እንታይ ይብል?

  8. ኢጣልያ፡ ብበጻሕቲ ፍረ-ነብሱ ዝፈረሰ ምስሊ ብዕራይ ትጽግን ኣላ

  9. ሚልዮናት ሰባት ነዊሕ ዕድመ ንኽነብሩ ዝሕግዙ ንጥፈታት ሓሙሽተ ደቒቕ

  10. እስራኤል ንርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዳግማይ ደብዲባ

    እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ንርእሰ ከተማ ሊባኖስ- ቤሩት ንኻልኣይ ግዜ ደብዲባ።

    እቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 14፡00 (11፡00 GMT) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ልክዕ ዒላማኡ ከምዝወቕዐ” ዝገለጸ ሰራዊት እስራኤል፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

    ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ስሞም ዘይተገልጸ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ናቝጣታት ሕዝቦላህ ከምዝነበረ ሓቢረን።

    እስራኤል፡ ብሓልዮት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እትፍፅሞ መጥቃዕቲ ደው ኣቢላ ምፅናሓ ዝዝከር እዩ።

    እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ግን፡ ድሕሪ እቲ ትሕተ ቅርጺ ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ማዕበላዊ ደብዳብ እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከምዝተፈጸመ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።

    እስራኤልን፡ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓያል ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህን፡ ብተደጋጋሚ ምጥሓስ ተዂሲ ደው ምባል ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ይስምዑ።

    ድሕሪ እቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ኣብታ ኣብ ርእሰከተማ በይሩት ከም ዕርዲ ሕዝቦላህ ኮይና እተገልግል ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረላ ከባቢ ዳሂየህ፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ዒግታ ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ተራእዩ።

    ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣብ ዝነጥፍሉ እዋን፡ ገለ ነበርቲ ድማ ንጎረባብትን ኣዝማዶምን ድሕንነቶም ንምርግጋጽ ይጓየዩ ነይሮም።

    ብመሰረት ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ምስ ሂዝቦላህ ምሕዝነት ዘለዎ ኢራናዊ ዓሊ ኣል ሑስኒ እዩ።

    ኣብዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ገሊፁ ኣሎ።

  11. ጋና፡ ንይቕረታ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ተቐቢላቶ

    ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጋና፡ ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብሰንኪ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ታሪኽ ግልያነት ዝነበራ ኣበርክቶ ንዘቕረቡዎ ይቕረታ ብሓጐስ ተቐቢላቶ።

    ኣክራ፡ ነቲ ታሪኻዊ መግለጺ ናይቶም መንፈሳዊ መራሒ “ተግባር ስነምግባራዊ ትብዓት፡” ክትብል ገሊጻቶ።

    ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ግልያነት ቅቡል ኣብ ምግባር ብዝነበራ ግደን ንዘመናት ይቕረ ክትብል ምድንጓያን ክትውቀስ ጸኒሓ እያ።

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ብሰኑይ ንሓደጋታት ኪነታዊ-ብልሒ (AI) ዝምልከት ዝተሓትመ ዓቢ ኣስተምህሮኦም እዮም ንጹር ብዝዀነ ቃላት ይቕረታ ኣቕሪቦም ዘለዉ።

    ጋና፡ መውጽኢ ኣፍደገ ናይቶም ተሃዲኖም ብንግዲ ግልያነት ናብ ካሪቢያንን ኣመሪካ ዝተወስዱ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣፍሪቃውያን ምንባራ ይፍለጥ።ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ይቕረታ ክሕተታን ካሕሳ ክወሃበንን ኣብ ዝግበሩ ጻዕርታት ኣክራ መሪሕ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ እያ።

    መንግስቲ ጋና ሰሉስ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቡነ ሊዮ ነቲ ቃንዛ ዝመልኦ ሕሉፍ ታሪኽ ምእማኖም፡ ናብ ሕውየት፡ ዕርቅን ፍትሓዊ ሕብረተሰብን ንምብጻሕ ኣገዳሲ ስጕምቲ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ኣብቲ ሊቃነ-ጳጳሳት “ድንቂ ሰብኣውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቡዎ ሰነድ፡ ብስም እታ ቤተ-ክርስትያን ካብ ልቢ ዝመንጨወ ይቕረታ ዘቕረቡ ኰይኖም፡ ሰበስልጣን እታ ቤተ-ክርስትያን ንግልያነት ቅቡል ይገብሩን ኣብያተ ክርስትያን ናይ ባዕለን ግልያታት ከም ዝነበሩወንን ተኣሚኖም።

    ጋና፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጋቢት ንግልያነት ኣፍሪቃውያን “ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ዝኸበደ ገበን፡” ክብል ንዘሕለፎ ውሳነ ቀንዲ ደፋኢት'ያ ነይራ። ኣብ ሰነ ድማ ክውሰዱ ንዝኽእሉ ስጕምትታት ንምዝታይ ዋዕላ ከተአንግድ እያ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጋና፡ እቲ ሰነድ ንታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብግቡእ ዝምርምርን ኣፍሪቃውያን ዘሕለፉዎ መከራ ብዕምቈት ዘስተንትንን እዩ ኢሉ።

    ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ብሰሉስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ይቕረታ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ፣ እንተዀነ ይቕረታ ጥራይ እኹል ስለ ዘይኰነ፡ ሓቀኛ ናይ ካሕሳ ፍትሒ ክስዕቦ ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ'ሎ።

  12. ኢራን ድሕሪ ዝወረዳ ሓድሽ መጥቃዕቲ ንመደበር ኣመሪካ ዒላማ ከም ዝገበረት ገሊጻ

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ድሕሪ ዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣብቲ ዞባ ንዝርከብ መደበር ኣየር ኣመሪካ ዒላማ ከም ዝገበረ ገሊጹ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እቲ መዓስከር ኣበይ ከም ዘሎ ብወግዒ ኣይገለጸን።

    እንተዀነ፡ እታ መደበር ኣመሪካ እተአንግድ ኩዌት፡ ካበይ ከም ዝመጽኡ ከይገለጸት "ሚሳይላትን ድሮናት፡" ከም ዘምከነት ገሊጻ።

    ኣቐዲሙ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሮናት ኢራን ከም ዘውደቐን ኣብ ባንዳር ዓባስ ዝተባህለት ስትራተጅያዊት ወደባዊት ከተማ ወተሃደራዊ ቦታ ከም ዝሃረመን ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ዳግማይ ተጻብኦታት፡ ኣመሪካን ኢራንን ንዝኸተምኦ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

  13. ኬንያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተባርዐ ሓዊ ብውሕዱ 16 ተመሃሮ መይተን

    ኣብ ማእከላይ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ናይ ደቀንስትዮ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ብወሑዱ 16 ተመሃሮ ህይወተን ከም ዝሰኣና ተገሊጹ።

    ኣብቲ ኣብ ጊልጊል (ዞባ ናኩሩ) ዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ተምሃሮ ቈሲለን ኣለዋ።

    ሰበስልጣን መንግስቲ ኬንያ፡ ስድራቤታት ደሃይ ደቀን ኣብ ዝጽበያሉ ዘለዋ እዋን መርመራታት ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

    እቲ ባርዕ ሓዊ፡ ሓሙስ ንግሆ ኣብታ ካብ ናይሮቢ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ (ኣብ ግሬት ሪፍት ቫሊ) ኣብ ጊልጊል እትርከብ ‘ኡቱሚሺ ግርልስ ኣካዳሚ’ ዝተባህለት ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ደቀንስትዮ እዩ ተወሊዑ።

    ፖሊስ ከም ዝገለጾ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ተምሃሮ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ ሆስፒታል ይረኽባ ኣለዋ።

    እቲ መደቀሲ ክፍሊ ኣስታት 200 ተምሃሮ ዘዕቍብ እዩ።

    ኣባላት ህጹጽ ረድኤት፡ ብወተሃደራትን ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ናይቲ ዞባን ተደጊፎም ነቲ ባርዕ ክቈጻጸሩዎ ክኢሎም እዮም።

    ዒግታ ትኪ ነቲ ህንጻ ክሽፍኖ ከሎ፡ ገለአን ተምሃሮ ብስንባደ ናብቲ ከባቢ ክሃድማ ክኢለን።

    ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፖሊስ ማስዑድ ምዊንዪ ከም ዝበሎ፡ ክኢላታት ዕቤት እቲ ሓደጋ ንምግምጋም ገና ኣብ ስራሕ ኣለዉ።

    ሰበስልጣን ናብ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ምእታው ምስ ከልከሉ፡ በቲ ኵነታት ዝተሻቐሉ ወለዲ ኣብ ግዳም ተኣኪቦም ኣርፊዶም።

    ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ገና ኣይተነጸረን ዘሎ፣ መመራታት’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ።

  14. ኤርትራ፡ 'እዉጅ ባጀት ዘይብልካ ብዕዳ ኣመሪካ ምዝራብ ቅኑዕ ኣይኰነን' - ኣምባሳደር ዓንደብርሃን

  15. ዋጋ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ወርቂ ኣብ ገዛኡ ዝተረኽበ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ

  16. ኣመሪካ፡ ኣብ ሰለስተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ ንዒላማታት ኢራን ኣጥቂዓ

  17. ኣሕመዲነጃድ፡ ካብ ዕሉል ጸላኢ ናብ ተስፋ እስራኤል

  18. ምስልታት በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣብ ኤርትራን ትግራይን

  19. ሰብ መዚ ጋና፡ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ የውጽኡ ኣለው

    ሰብመዚ ጋና፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገሮም ክመልሱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

    ካብቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተመዝጊቦም ኣለዉ ዝበልዎም 800 ዜጋታት፡ እቶም 300 ሎሚ ናብ ጋና ክኸዱ እዮም።

    ቢቢሲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሃንስበርግ ኦኣር ታምቦ፡ ኤምባሲ ጋና ካብ ዝተኻረየን ዓሰርተታት ኣውቶቡሳት ተጓዓዝቲ ከውርዱ ተዓዚቡ።

    እዚኦም፡ ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።

    እዚ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ዝስዓበ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝፍጸም ዓመጽ ዳግማይ ክለዓል ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣስዒቡ ይርከብ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብገምጋም 25 ሽሕ ጋናውያን ይነብሩ።

    ሰልፈኛታት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ጸቕጢ የሕድሩ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ደው ንምባል ዝያዳ ክሰርሕ ኣለዎ ይብሉ።

    እቲ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ "ማርች ማርች" ብዝተባህለ ጉጅለ ዝተወደበ ኰይኑ፡ ንነብሱ ብዜጋታት ዝምራሕ ምንቅስቓስ ጽገና ኢሚግሬሽን ኢሉ ይገልጽ።

    ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ድማ 30 ሰነ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣቐሚጡ ኣሎ።

    ብ2019 ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 12 ሰባት ሞይቶም።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ኣዳለውቲ ግን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝነበሩ ገሊጾም።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናብ ወጻእተኛታት ዘቕንዐ ተግባራት ገበናዊ እዩ ብምባል እታ ሃገር ግን ንዘይሕጋዊ ስደት ክትገጥም ከም ዘለዋ ተኣሚኑ።

  20. ኣዛዚ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ

    ኣዛዚ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ መመሓድ ኦዴህ፡ ብሰሉስ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስኤል ተቐቲሉ።

    ቅድሚኡ ዝነበረ ሓላፊ፡ ኢዝ ኣድ-ዲን ኣል-ሓዳድ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ተቐቲሉ።

    ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ክሞቱ ከለዉ፡ ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ቈሲሎም።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ጽዑቓት ዕዳጋታት ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ከም ዝተሃረመ ሓካይምን መሰኻኽርን እቲ ከባቢ ገሊጾም።

    ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ጸጥታን ሺን ቤትን እስራኤልን ንኦዴህ ከም መሕብኢ ዘገልግሉ ህንጻታት ንሓያሎ ኣዋርሕ ምንቅስቓሳቱ ድሕሪ ምክትታል ዒላማ ከም ዝተገብረሎም ሓቢሩ።

    ሓማስ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን፤ እንተዀነ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ምንጪ ሓማስን ኣዝማዱን፡ ኦዴህን በዓልቲ ቤቱን ምስ ዓቢ ወዶም ከም ዝተቐትሉ ሓቢሮም።

    ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እስራኤልን ሓማስን ተኹሲ ደው ምባል ተሰማሚዖም እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ቓዛ ግን ዳርጋ መዓልታዊ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ።

    ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብሰሉስ ዝወጽአ መግለጺ፡ ኦዴህ "ሓደ ካብቶም ሃንደስቲ ናይቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ቅትለት፡" ምዃኑ ገሊጹ።

    በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ተወሲዶም።

    ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብምክያድ ንመብዛሕትኡ መሬት ፍልስጤም ናብ ዑና ዝቐየረ ኲናት ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ።

    ብሰንኩ ብዙሓት ካብቶም 2.1 ሚልዮን ነበርቲ ተመዛቢሎም።

    ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ልዕሊ 72,800 ሰባት ከም ዝቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል ኣፍሊጡ። ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ኣሃዝ እሙን ኢሉ ይወስዶ።